ኣቦ ድምፁ ይልእኽ
ዮሃንስ ኣብ ምድረ በዳ ይሰብኽ፤ ደጋጊሞም ከዓ እቶም ህዝቢ እንታይ ክገብሩ ኸም ዘለዎም ይሓትዎ፦ ቐሚሽ ተማቐሉ፥ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ኣይትቀበሉ፥ ኣይትግፍዑ። ንሓጢኣት ሄሮድስ ድማ ሰመዮ፥ በዙይ ከዓ ተኣስረ። ኢየሱስ ምስ ኵሉ ሰብ ተጠመቐ፤ ኣቦኡ ድማ ፍቑር ወዱ ኢሉ ፀውዖ።
3 1ብመበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት መንግስቲ ጢባርዮስ ቄሳር፥ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ሹም ይሁዳ እንተሎ፥ ሄሮድስ ኣብ ገሊላ ገዛኢ፥ ሓዉ ፊልጶስ ከዓ ኣብ ሃገር ኢጡርያን ጥራኮኒትስን ገዛኢ፥ ሉሳንዮስ ድማ ኣብ ኣብሌኔ ገዛኢ እንተለዉ፥ 2ሊቀ ካህናት ሃናን ቀያፋን እንተለዉ፥ ቃል ኣቦና ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ ምድረ በዳ መፀ። 3ንሱ ኸዓ ንስርየት ሓጢኣት ዝኸውን ናይ ንስሃ ጥምቀት እናሰበኸ፥ ኣብ ኵሉ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስ ዞረ፤ 4ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ቃላት ነቢይ ኢሳይያስ ተፂሒፉ ዘሎ፦ “ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፦ መንገዲ እግዚኣብሄር ፅረጉ፥ መንገዱ ኣቕንዑ፤ 5ኵሉ ስንጭሮ ይመላእ፥ ኵሉ እምባን ኰረብታን ድማ ትሕት ይበል፤ እቲ ቀይናን መንገዲ ይቕናዕ፥ እቲ ድንጕር መንገዲ ድማ ልሙፅ ይኹን፤ 6ኵሉ ስጋ ድማ ምድሓን ኣቦና ክርኢ እዩ።”
7ዮሃንስ ከዓ ነቶም ክጥመቑ ዝመፁ ህዝቢ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፥ ካብቲ ዝመፅእ ቝጥዓ ኽትሃድሙ መን ኣጠንቀቐኩም? 8እምበኣር ንንስሃ ዘብቅዕ ፍረ ኣፍርዩ፤ ‘ኣብርሃም ኣቦና ኣለና’ ኢልኩም ንርእስኹም ክትብሉ ኣይትጀምሩ፤ ኣቦና ካብዞም ኣእማን እዚኣቶም ንኣብርሃም ውሉድ ከተንስኣሉ ይኽእል እዩ እብለኩም ኣለኹ እሞ። 9ድሮ ማሕፀ ናብ ሱር ኦም ተቐሪቡ ኣሎ፤ ሰናይ ፍረ ዘይፈሪ ኵሉ ኦም ይቝረፅ እሞ ናብ ሓዊ ይድርበ።”
10እቶም ህዝቢ ድማ “እምበኣር እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ።
11ንሱ ኸዓ መሊሱ “እቲ ኽልተ ቐሚሽ ዘለዎ፥ ነቲ ዘይብሉ የማቕል፤ እቲ ብልዒ ዘለዎ ድማ ከምኡ ይግበር” በሎም።
12ተቐበልቲ ቐረፅ ድማ ክጥመቑ መፁ እሞ “መምህር፥ እንታይ ንግበር?” በልዎ።
13“ካብቲ ዝተኣዘዝኩሞ ንላዕሊ ኣይትቀበሉ” በሎም።
14ወተሃደራት ድማ “ንሕናስ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “ንዝኾነ ሰብ ብሓይሊ ወይ ብሓሰት ክሲ ኣይትግፍዑ፤ ብዓስብኹም ዕገቡ” በሎም።
15እቶም ህዝቢ ተስፋ እናገበሩ፥ ኵሎም ድማ ምናልባሽ ዮሃንስ ባዕሉ ክርስቶስ እንተ ኾይኑ ኢሎም ብልቦም ይሓስቡ ነበሩ። 16ዮሃንስ ድማ ንዅሎም መሊሱ ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣለኹ፤ ካባይ ዝሕይል ግና ይመፅእ ኣሎ፤ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ ኽፈትሕ እኳ ኣይበቅዕን እየ፤ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን እዩ ዘጥምቐኩም። 17መስአ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ዓውዱ ኼፅሪ፥ ስርናዩ ናብ ቆፎኡ ኼክብ፥ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼቃፅሎ እዩ።”
18ብብዙሕ ካልእ ናይ ምዕዶ ቓላት ድማ ንህዝቢ ወንጌል ይሰብኸሎም ነበረ። 19ዮሃንስ ግና ንሄሮድስ እቲ ገዛኢ ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ሓዉን ብዛዕባ እቲ ሄሮድስ ዝገበሮ ዅሉ ክፉእን ገሲፅዎ ነበረ፤ 20ሄሮድስ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ዅሉ እዙይ ወሰኸሉ፦ ንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓፀዎ።
ኣቦ ንወዱ ፍቑር ይብሎ
21ኵሉ ህዝቢ ምስ ተጠመቐ፥ ኢየሱስውን ተጠመቐ። ክፅሊ እንተሎ ድማ፥ ሰማይ ተኸፈተ፤
22መንፈስ ቅዱስ ድማ ብኣካላዊ መልክዕ ከም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ። ካብ ሰማይ ከዓ “ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ፤ ብኣኻ ባህ ይብለኒ” ዝብል ድምፂ መፀ።
23ኢየሱስ ዕዮኡ ክጅምር እንተሎ ኣስታት ሰላሳ ዓመት ዝዕድሚኡ ነበረ፤ ከም ዝሕሰብ ከዓ ወዲ ዮሴፍ ነበረ፤ ዮሴፍ ወዲ ሄሊ፥ 24ወዲ ማታት፥ ወዲ ሌዊ፥ ወዲ መልኪ፥ ወዲ ያናይ፥ ወዲ ዮሴፍ፥ 25ወዲ ማቲትዩ፥ ወዲ ኣሞፅ፥ ወዲ ናሆም፥ ወዲ ኤስሊ፥ ወዲ ናጋይ፥ 26ወዲ ማኣት፥ ወዲ ማቲትዩ፥ ወዲ ሰሜን፥ ወዲ ዮሴክ፥ ወዲ ዮዳ፥ 27ወዲ ዮሃናን፥ ወዲ ሬሳ፥ ወዲ ዘሩባቤል፥ ወዲ ሰላትያል፥ ወዲ ኔሪ፥ 28ወዲ መልኪ፥ ወዲ ኣዲ፥ ወዲ ቆሳም፥ ወዲ ኤልማዳም፥ ወዲ ኤር፥ 29ወዲ ኢያሱ፥ ወዲ ኤልኤዘር፥ ወዲ ዮሪም፥ ወዲ ማታት፥ ወዲ ሌዊ፥ 30ወዲ ስምኦን፥ ወዲ ይሁዳ፥ ወዲ ዮሴፍ፥ ወዲ ዮናም፥ ወዲ ኤልያቄም፥ 31ወዲ ሜልያ፥ ወዲ ሜና፥ ወዲ ማታታ፥ ወዲ ናታን፥ ወዲ ዳዊት፥ 32ወዲ እሴይ፥ ወዲ ኢዮቤድ፥ ወዲ ቦኤዝ፥ ወዲ ሰልሞን፥ ወዲ ነኣሶን፥ 33ወዲ ኣሚናዳብ፥ ወዲ ኣድሚን፥ ወዲ ኣርኒ፥ ወዲ ኤስሮም፥ ወዲ ፋሬስ፥ ወዲ ይሁዳ፥ 34ወዲ ያእቆብ፥ ወዲ ይስሓቅ፥ ወዲ ኣብርሃም፥ ወዲ ታራ፥ ወዲ ናኮር፥ 35ወዲ ሴሮሕ፥ ወዲ ራግው፥ ወዲ ፋሌቅ፥ ወዲ ዔቦር፥ ወዲ ሳላ፥ 36ወዲ ቃይናን፥ ወዲ ኣርፋክስድ፥ ወዲ ሴም፥ ወዲ ኖህ፥ ወዲ ላሜህ፥ 37ወዲ ማቱሳላ፥ ወዲ ሄኖክ፥ ወዲ ያሬድ፥ ወዲ መላልኤል፥ ወዲ ቃይናን፥ 38ወዲ ሄኖስ፥ ወዲ ሴት፥ ወዲ ኣዳም፥ ወዲ ኣቦና።