ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ኣዘዘ፦ ነቲ ግራት ዓድጎ

ሰራዊት ባቢሎን ንኢየሩሳሌም እናኸበባ፥ ኤርሚያስ ድማ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ እንተሎ፥ ኣቦና ነቲ ኣብ ኣናቶት ዘሎ ግራት ወዲ ሓወቦኡ ክዕድግ፥ ነቲ ውዕል ድማ ኣብ ናይ መሬት ኣቕሓ ክሓትም ይነግሮ። ብዛዕባ እቲ ዝጋጮ ነገር ይፅሊ፥ ኣብዚ ገና ግራውቲ ከም ዝዕደግ ድማ ይንገሮ።

ምዕራፍ 32።

ኣብ መበል ዓሰርተ ዓመት ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ናቡከደነፆር፥ ካብ ኣቦና ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቃል እዙይ እዩ። በቲ ጊዜ እቲ ሰራዊት ባቢሎን ንኢየሩሳሌም ይኸብዋ ነበሩ፤ ነቢይ ኤርሚያስ ከዓ ኣብ ኣፀድ ዘብዐኛ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ይሁዳ ተዓፅዩ ነበረ።

ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣሲርዎ ነበረ እሞ፥ ከምዙይ ኢሉ ነበረ፦ “ስለ ምንታይ ‘ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ነዛ ኸተማ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ክህባ እየ፥ ንሱ ኸዓ ክሕዛ እዩ፤

“ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ካብ ኢድ ባቢሎናውያን ኣየምልጥን እዩ፤ ብርግፅ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፉ ክውሃብ እዩ፤ ምስኡ ኣፍ ንኣፍ ክዛረብ፥ ዓይኒ ንዓይኒ ድማ ክርእዮ እዩ። ንሴዴቅያስ ናብ ባቢሎን ክወስዶ እዩ፤ ክሳዕ ዝበፅሖ ድማ ኣብኡ ክነብር እዩ፥ ይብል ኣቦና። ንባቢሎናውያን እንተ ተዋጋእኩምዎም እውን ኣይከተዕወቱን ኢኹም።’ ”

ኤርሚያስ ድማ ከምዙይ በለ፦ “ቃል ኣቦና ናባይ መፀ፦

እንሆ፥ ሃናምኤል ወዲ ሻሉም፥ ሓወቦኻ፥ ነቲ ኣብ ኣናቶት ዘሎ ግራተይ ዓድጎ፥ መሰል ምቕዳው ናትካ እዩ እሞ ዓድጎ ኢሉ ክነግረካ ክመፅእ እዩ።”

ከምቲ ኣቦና ዝበሎ ድማ ሃናምኤል ወዲ ሓወቦይ ናብ ኣፀድ ዘብዐኛ ናባይ መፀ፤ ከምዙይ ኢሉ ድማ በለኒ፦ “ነቲ ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዘሎ ግራተይ ዓድጎ፤ መሰል ውርሻ ናትካ እዩ፤ ምቕዳው ድማ ናትካ እዩ እሞ ንኣኻ ዓድጎ።” ሽዑ እዙይ ቃል ኣቦና ምዃኑ ፈለጥኩ።

ነቲ ኣብ ኣናቶት ዘሎ ግራት ድማ ካብ ሃናምኤል ወዲ ሓወቦይ ዓደግኩ፤ ሸውዓተ ኣውንስ ዝኸውን ብሩር ከዓ መዘንኩሉ። ኣብቲ ውዕል ድማ ፈሪመ ሓተምክዎ፤ መሰኻኽር ፀዋዕኩ፤ ነቲ ገንዘብ ከዓ ብሚዛን መዘንክዎ። ሽዑ ነቲ ዝተሓተመ ውዕል ምዕዳግ፥ ምስ ውዕሉን ስርዓቱን፥ ነቲ ክፉት ቅዳሕ ድማ ወሰድኩ፤ ነቲ ውዕል ምዕዳግ ድማ ኣብ ቅድሚ ሃናምኤል ወዲ ሓወቦይ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈረሙ መሰኻኽር፥ ኣብ ቅድሚ ኵሎም እቶም ኣብ ኣፀድ ዘብዐኛ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰብ ይሁዳ፥ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ወዲ መሕስያ ሃብክዎ።

ኣብ ቅድሚኦም ድማ ንባሩኽ ከምዙይ ኢለ ኣዘዝክዎ፦

“ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ኣቦ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነዚኣቶም ውዕላት፥ ነቲ ዝተሓተመ ውዕል ምዕዳግን ነቲ ክፉት ውዕልን ወሲድካ፥ ነዊሕ ጊዜ ምእንቲ ኽፀንሑ፥ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣንብሮም። ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ኣቦ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ እሞ፦ ኣባይትን ግራውትን ኣታኽልቲ ወይንን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ መሊሶም ክዕደጉ እዮም።”

ፀሎት ኤርሚያስ፦ ዝኸብደካ ነገር የለን

ነቲ ውዕል ምዕዳግ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ድሕሪ ምሃበይ፥ ናብ ኣቦና ከምዙይ ኢለ ፀለኹ፦ “ኣየ ጐይታ ኣቦ! እንሆ ንስኻ ባዕልኻ ብዓብዪ ሓይልኻን ብዝርግሕቲ ቕልፅምካን ሰማይን ምድርን ፈጠርካ፤ ካባኻ ዝኸብድ ነገር የለን። ንኣሽሓት ምሕረት ትገብር፤ በደል ኣቦታት ግና ናብ ሕቚፊ ደቆም ድሕሪኦም ትፈዲ፤ ኦ ዓብዪ፥ ሓያል ኣቦ፥ ስሙ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ እዩ። ብምኽሪ ዓብዪ፥ ብግብሪ ሓያል፤ ኣዒንትኻ ኣብ ኵሉ መንገዲ ደቂ ሰብ ክፉት እዩ፤ ንነፍሲ ወከፍ ከም መንገዱ፥ ከም ፍረ ግብሩ ትፈዲ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ምልክትን ተኣምራትን ገበርካ፤ ክሳዕ ሎሚ ድማ ኣብ እስራኤልን ኣብ ማእኸል ደቂ ሰብን፥ ከምዝ ሎሚ ኾይኑ ዘሎ፥ ንርእስኻ ስም ገበርካ። ንህዝብኻ እስራኤል ድማ ብምልክትን ብተኣምራትን ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልፅምን ብዓብዪ ፍርሓትን ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፃእካዮም። ነታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ እታ ንኣቦታቶም ክትህቦም ዝመሓልካሎም ምድሪ፥ ሃብካዮም። ኣትዮም ድማ ሓዝዋ፤ ግና ቃልካ ኣይሰምዑን፥ ብሕግኻ ድማ ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ክገብርዎ ዝኣዘዝካዮም ኵሉ ኣትረፍዎ፤ ስለዙይ እዝ ዅሉ መዓት እዙይ ኣብ ልዕሊኦም ኣምፃእካ። መኽበቢ ነታ ኸተማ ንምሓዝ ናብኣ በፂሑ ኣሎ፤ በቲ ሴፍን ጥሜትን ፌራን ከዓ፥ እታ ኸተማ ነቶም ዝዋግእዋ ባቢሎናውያን ተዋሂባ ኣላ። እቲ ዝተዛረብካዮ ድማ ኾይኑ፤ እንሆ ንስኻ ትርእዮ ኣለኻ። ግናኸ ንስኻ፥ ኦ ጐይታ ኣቦ፥ እታ ኸተማ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን እናተዋሃበት እንተላ፥ ‘ነቲ ግራት ብገንዘብ ዓድጎ፥ መሰኻኽር ከዓ ፀውዕ’ ኢልካኒ።”

ሽዑ ቃል ኣቦና ናብ ኤርሚያስ ከምዙይ ኢሉ መፀ፦

“እንሆ ኣነ ኣቦ ዅሉ ስጋ እየ፤ ዝኸብደኒ ነገርዶ ኣሎ? ስለዙይ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ነዛ ኸተማ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን፥ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ክህባ እየ፥ ንሱ ኸዓ ክሕዛ እዩ። እቶም ነዛ ኸተማ ዝዋግእዋ ባቢሎናውያን መፂኦም፥ ነዛ ኸተማ ብሓዊ ከንድድዋ እዮም፤ ነተን እቲ ህዝቢ ኣብ ናሕሲ ኣባይቲ ንበዓል ዕጣን ዘዕጠነላን ንኻልኦት ኣማልኽቲ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሰላን፥ ብዙይ ከዓ ዘቘጥዑኒ ኣባይቲ፥ የንድድወን እዮም።

“ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም፥ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ጥራሕ ገበሩ እምበር ካልእ ኣይገበሩን፤ ደቂ እስራኤል ድማ ብግብሪ ኣእዳዎም ከቘጥዑኒ እምበር፥ ካልእ ኣይገበሩን፥ ይብል ኣቦና።

“እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብታ ዝተሰርሐትላ መዓልቲ ጀሚራ ክሳዕ ሕዚ፥ ኵራይን ቍጥዐይን ኣለዓዒላትለይ እያ፤ ስለዙይ ካብ ቅድመይ ከርሕቓ እየ፤ ብምኽንያት እቲ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ኬቘጥዑኒ ዝገበርዎ ዅሉ ክፍኣት፤ ንሳቶም፥ ነገስታቶም፥ መሳፍንቶም፥ ካህናቶም፥ ነቢያቶም፥ ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን። ዝባኖም ናባይ መለሱ እምበር፥ ገፆም ኣይገበሩለይን፤ መሊሰ መሊሰ እኳ እንተ መሃርክዎም፥ ክሰምዑ ወይ ተግሳፅ ክቕበሉ ኣበዩ። ነተን ርኹሳት ነገሮም ድማ ኣብታ ብስመይ እትፅዋዕ ቤት ኣቘሙ፥ ምእንቲ ኸርክስዋ። ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ድማ መስገዲ በዓል ሰርሑ፤ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ንሞሎኽ ኣሕለፉ፤ እዙይ ዘፀይፍ ነገር ገይሮም ንይሁዳ ምእንቲ ኼሕጥኡ፥ ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ኣብ ልበይ ዘይሓሰብክዎን ነገር እዩ።”

ንሳቶም ውሉደይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነ ድማ ኣቦኦም ክኸውን እየ

“ሕዚ ኸዓ ብዛዕባ እዛ ‘በሴፍን ጥሜትን ፌራን ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ተዋሂባ’ እትብልዋ ኸተማ፥ ኣቦ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

እንሆ ካብተን ብዅራይን ብቍጥዐይን ብዓብዪ ነድርን ፋሕ ኣቢለዮም ዝነበርኩ ኵለን ምድሪታት ክእክቦም እየ፤ ናብዝ ቦታ እዙይ ክመልሶም እየ፤ ብደሓን ድማ ከቕምጦም እየ። ንሳቶም ድማ ውሉደይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነ ኸዓ ኣቦኦም ክኸውን እየ። ንዘለኣለም ምእንቲ ኽፈርሑኒ፥ ንፅቡቖምን ንፅቡቕ ደቆም ድሕሪኦምን ኢለ፥ ሓደ ልብን ሓደ መንገድን ክህቦም እየ። ፅቡቕ ካብ ምግባሮም ከቶ ዘይምለስ፥ ናይ ዘልኣለም ኪዳን ምሳቶም ክኣቱ እየ፤ ካባይ ከቶ ምእንቲ ኸይርሕቑ ድማ፥ ፍርሓተይ ኣብ ልቦም ከንብር እየ። ብእኣቶም ተሓጒሰ ፅቡቕ እገብረሎም፤ ብምሉእ ልበይን ብምሉእ ነፍሰይን ከዓ ብሓቂ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ክተኽሎም እየ።”

ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከምቲ ነዝ ህዝቢ እዙይ እዝ ዅሉ ዓብዪ መዓት ዘምፃእኩሉ፥ ከምኡ ድማ እቲ ዝተመባፃዕክዎ ዅሉ ፅቡቕ ከምፅአሎም እየ። ኣብዛ ባድማ፥ ሰብ ኮነ እንስሳ ዘይብላ፥ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ተዋሂባ ኢኹም እትብልዋ ምድሪ፥ ግራውቲ ክዕደግ እዩ። ኣብ ምድሪ ብንያም፥ ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ከተማታት ይሁዳ፥ ኣብ ደጕዓ፥ ኣብ ቈላ፥ ኣብ ደቡብ፥ ግራውቲ ብብሩር ክዕደግ እዩ፤ ሰነድ ድማ ክፅሓፍን ክሕተምን ብመሰኻኽር ከዓ ክረጋገፅን እዩ፤ ምርኮኦም ክመልሰሎም እየ እሞ” ይብል ኣቦና።