ሕዝቅያስ ክዳኑ ቀደደ
ሕዝቅያስ ነቲ መልእኽቲ ሰናክሬም ናብ ቤት ኣቦና ወሲዱ ኣብ ቅድሚኡ ዘርግሖ። ኢሳይያስ ድማ መልሲ ኣምፅአ፦ እቲ ተጀሃሪ ኣብ ኣፍንጫኡ ሻኽ ተገይሩሉ፥ በቲ ዝመፀሉ መንገዲ ድማ ናብ ገዝኡ ይምለስ። እቲ ኸበባ ብለይቲ የብቅዕ፤ ብገዛእ ደቁ ኸዓ ይቕተል።
37 1ንጉስ ሕዝቅያስ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ናይ ሓዘን ክዳን ተኸዲኑ ድማ ናብ ቤት ኣቦና ኣተወ። 2ንኤልያቄም ሓላፊ ቤተ መንግስትን ንሺብና ፀሓፊን ንዓበይቲ ካህናትን ወጮ ተኸዲኖም ናብ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ለኣኾም። 3ከምዙይ ድማ በልዎ፦ “ሕዝቅያስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሎሚ መዓልቲ ጭንቅን ተግሳፅን ንዕቐትን እያ። ቈልዑ ናብ ምውላድ በፂሖም ኣለዉ፥ ንምውላዶም ግና ሓይሊ የለን። 4ምናልባሽ ኣቦኻ ዘረባ እቲ ረብሻቄ፥ ነቲ ጐይታኡ ንጉስ ኣሶር ነቲ ህያው ኣቦ ኸዋርድ ዝለኣኾ፥ ይሰምዕ ይኸውን፤ ነቲ ዝሰምዖ ዘረባ ድማ ይገስፆ ይኸውን። ስለዙይ ስለ እቲ ዝተረፈ ተረፍ ፀሎት ኣልዕል።” a a v4 ረብሻቄ መዓርግ እዩ — እቲ ናይ ንጉስ ኣሶር ዓብዪ ሓለቓ ወተሃደር — ስም ሰብ ኣይኮነን።
5ኣገልገልቲ ንጉስ ሕዝቅያስ ናብ ኢሳይያስ ምስ መፁ፥
6ኢሳይያስ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ንጐይታኹም ከምዙይ በልዎ፦ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ በቲ ኣገልገልቲ ንጉስ ኣሶር ዝፀረፉኒ፥ ዝሰማዕኻዮ ዘረባ ኣይትፍራሕ። 7እንሆ፥ ኣነ መንፈስ ከእትወሉ እየ፤ ወረ ሰሚዑ ድማ ናብ ሃገሩ ክምለስ እዩ፤ ኣብኡ ኸዓ ብሰይፊ ኸውድቖ እየ።”
8እቲ ረብሻቄ ተመሊሱ ንጉስ ኣሶር ምስ ልብና ክዋጋእ ረኸቦ፤ እቲ ንጉስ ካብ ለኪሽ ከም ዝተበገሰ ሰሚዑ ነበረ እሞ። 9እቲ ንጉስ ድማ ብዛዕባ ቲርሃቃ ንጉስ ኵሽ፥ “ክዋግኣካ ወፂኡ ኣሎ” ዝብል ሰምዐ። እዙይ ምስ ሰምዐ ድማ ናብ ሕዝቅያስ ልኡኻት ለኣኸ፦ 10“ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ከምዙይ በልዎ፦ እቲ እትኣምኖ ኣምላኽካ፥ ‘ኢየሩሳሌም ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወድቕን እያ’ ኢሉ ኣየስሕትካ። 11እቶም ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራት ዝገበርወን፥ ፈፂሞም ከም ዘጥፍእወን ሰሚዕኻ ኣለኻ። ንስኻኸ ክትድሕንዶ ኢኻ? 12ኣማልኽቲ እቶም ኣህዛብ ነቶም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም፥ ንጎዛንን ንካራንን ንራዘፍን ኣብ ተላሳር ዝነበሩ ንደቂ ኤደን ኣድሒኖምዶ? 13ንጉስ ሓማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማ ሰፈርዋይምን ሄናን ዒዋህን ኣበይ ኣለዉ?”
ኣብ ቅድሚ ኣቦ ዝተዘርግሐ
14ሕዝቅያስ ድማ ነታ መልእኽቲ ካብ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ፤ ናብ ቤት ኣቦና ደዪቡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዘርግሐ። 15ሕዝቅያስ ድማ ናብ ኣቦና ፀልዩ ከምዙይ በለ፦ 16“ኦ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ኣቦ እስራኤል፥ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፥ ንስኻ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅለን መንግስታት ምድሪ ኣቦና ኢኻ፤ ንስኻ ሰማይን ምድርን ፈጢርካ። 17ኦ ኣቦና፥ ኣድንን እሞ ስማዕ፤ ኦ ኣቦና፥ ኣዒንትኻ ኸፊትካ ርአ፤ ነቲ ሰናክሪብ ነቲ ህያው ኣቦ ኸዋርድ ዝለኣኾ ኵሉ ዘረባ ስማዕ። 18ኦ ኣቦና፥ ነገስታት ኣሶር ንዅሎም ኣህዛብን ንሃገራቶምን ብሓቂ ኣጥፊኦም እዮም፤ 19ነኣማልኽቶም ድማ ናብ ሓዊ ደርበይዎም፤ ንሳቶም ኣማልኽቲ ኣይኮኑን፥ ስራሕ ኢድ ሰብ፥ ዕንፀይትን እምንን ደኣ እዮም እምበር፤ ስለዙይ ኣጥፍእዎም። 20ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ኣቦና፥ ዅለን መንግስታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኣቦና ምዃንካ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።”
ኣቦ መለሰ
21ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ናብ ሕዝቅያስ ለኣኸ፦ ኣቦ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብዛዕባ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ናባይ ስለ ዝፀለኻ፥
22እዙይ እቲ ኣቦና ብዛዕባኡ ዝተዛረቦ ቃል እዩ፦ “እታ ድንግል ጓል ፅዮን ነዓቐትካ፥ ላገፀትልካ፤ ደድሕሬኻ ርእሳ ነቕነቐት እታ ጓል ኢየሩሳሌም። 23ንመን ኣዋሪድካን ፀሪፍካን? ናብ መን ድምፅኻ ኣልዒልካ፥ ኣዒንትኻ ኸዓ ብትዕቢት ኣልዒልካ? ናብቲ ቅዱስ እስራኤል! 24ብኣገልገልትኻ ኣቢልካ ንጐይታ ኣቦ ኣዋሪድካ፥ ከምዙይ ድማ ኢልካ፦ ‘ብብዝሒ ሰረገላታተይ ናብ ላዕለዋይ እምባታት ደየብኩ፥ ናብ ዝረሓቐ ወሰን ሊባኖስ። ነቶም ነዋሕቲ ፅሕድታት ቘረጽኩ፥ ዝሓሹ ብሮሽ ኣእዋም ድማ፤ ናብ ዝረሓቐ በሪኽ መፃእኹ፥ ናብ ፁዑቕ ዱሩ። 25ዒላታት ዀዓእኹ፥ ማይ ድማ ሰቲኹ፤ ብኸብዲ እግረይ ንዅሎም ወሓዝቲ ግብፂ ኣንፀፍክዎም።’ 26ኣይሰማዕካንዶ? ካብ ጥንቲ ኣነ ገይረ፤ ካብ ቀደም መዓልቲታት ኣነ መዲበዮ። ሕዚ ኸዓ ኣፈፂመዮ፥ ንስኻ ንዕሩዳት ከተማታት ኵምሪ ዑናታት ክትገብረን። 27እቶም ኣብተን ዝነብሩ፥ ሓይሎም ተገፊፎም፥ ተሸበሩን ሓፈሩን፤ ከም በቝሊ መሮር ኮኑ፥ ከም ልምሉም ሳዕሪ፥ ከም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዝበቍል ሳዕሪ፥ ከይዓበየ ዝነቐፀ። 28ንስኻ ኽትቅመጥ ከለኻ ኣነ እፈልጥ እየ፥ ክትወፅእ ከለኻን ክትኣቱ ከለኻን ኣባይ ክትቍጣዕ ከለኻን እፈልጥ እየ። 29ኣባይ ስለ ዝተቘጣዕካ፥ ትዕቢትካ ድማ ናብ ኣእዛነይ ስለ ዝበፅሐ፥ ቀለቤተይ ኣብ ኣፍንጫኻ ከእቱ እየ፥ ልጓመይ ድማ ኣብ ኣፍካ፤ ናብ ዝመፃእካሉ መንገዲ ድማ ክመልሰካ እየ።
30“እዝ ምልክትኩም እዙይ እዩ፦ ሎም ዓመት ባዕሉ ዝበቘለ ክትበልዑ ኢኹም፥ በታ ኻልአይቲ ዓመት ከዓ ካብኡ ዝበቍል ትበልዑ፥ በታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ ዝርኡን ዓፅዱን፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸሉ፥ ፍሪኣ ድማ ብልዑ። 31እቲ ዝደሓነ ተረፍ ቤት ይሁዳ ድማ፥ መሊሱ ንታሕቲ ሱር ክሰድድ፥ ንላዕሊ ድማ ፍረ ኽፈሪ እዩ። 32ካብ ኢየሩሳሌም ተረፍ ክወፅእ እዩ፥ ካብ እምባ ፅዮን ድማ ዝደሓነ ተረፍ ክወፅእ እዩ። ቅንኣት ኣቦ ሰራዊት ሰማይ እዙይ ክገብሮ እዩ።
33ስለዙይ ኣቦና ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣትውን፥ ኣብኣ ድማ ፍላፃ ኣይውርውርን፥ ብዋልታ ኣብ ቅድሚኣ ኣይቀውምን፥ ኣብ ልዕሊኣ ድልድል ሓመድ ኣይሰርሕን እዩ። 34በታ ዝመፀላ መንገዲ ክምለስ እዩ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣትዋን እዩ፥ ይብል ኣቦና። 35ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይ፥ ከምኡውን ምእንቲ ባርያይ ዳዊት ኢለ ከድሕን ክከላኸለላ እየ።”
36ሽዑ መልኣኽ ኣቦና ወፂኡ ኣብ ሰፈር ኣሶር ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተ ሽሕ ወቒዑ ቀተለ፤ ሰብ ንግሆ ኣንጊሁ ምስ ተልዓለ ድማ፥ እንሆ፥ ኵሎም ሬሳታት ምዉታት ነበሩ። 37ስለዙይ ሰናክሪም ንጉስ ኣሶር ተበጊሱ ከደ፥ ተመሊሱ ድማ ኣብ ነነዌ ተቐመጠ። 38ኣብ ቤት ጣዖት ኣምላኹ ኒስሮክ ክሰግድ እንተሎ፥ ደቁ ኣድራሜሌክን ሻሬጼርን ብሰይፊ ወቒዖም ቀተልዎ፤ ናብ ኣራራት ድማ ሃደሙ። ወዱ ኤሳርሓዶን ድማ ኣብ ክንድኡ ነገሰ።