ሕዝቅያስ ኣብ ኣፍ ደገ ሞት
ኣቦና ኸም ዘይሓዊ ምስ ነገሮ፥ ሕዝቅያስ ገፁ ናብ መንደቕ መሊሱ በኸየ። ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ተወሰኸሉ፥ ፅላሎት ፀሓይ ድማ ከም ምልክት ንድሕሪት ተመለሰ። እቲ ዝፀሓፎ ፀሎቱ ብዛዕባ ራዕዲ ሞት ዘይንሕፍ እዩ፥ ህያዋን ከም ዝውድስዎ እናፈለጠ ድማ ይውዳእ።
38 1በተን መዓልቲታት እቲኣተን ሕዝቅያስ ንሞት ዘብፅሕ ሕማም ሓሚሙ ነበረ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ድማ ናብኡ መፂኡ፥ “ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ክትመውት ኢኻ እምበር ኣይክትሓውን ኢኻ እሞ፥ ንቤትካ ኣዳሉ” በሎ።
2ሽዑ ሕዝቅያስ ገፁ ናብ መንደቕ መሊሱ፥ ናብ ኣቦና ፀለየ፥ 3ከምዙይ ድማ በለ፦ “በጃኻ ኦ ኣቦይ፥ ኣብ ቅድሜኻ ብምሉእ ልቢ ብሓቅነት ከም ዝተመላለስኩ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ድማ ፅቡቕ ከም ዝገበርኩ ዘክር።” ሕዝቅያስ ከዓ መሪር ብኽያት በኸየ።
4ሽዑ ቃል ኣቦና ናብ ኢሳይያስ ከምዙይ ኢሉ መፀ፦
5“ናብ ሕዝቅያስ ከይድካ ኸምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ‘ኣቦና፥ ኣቦ ዳዊት ኣቦሓጎኻ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፀሎትካ ሰሚዐ፥ ንብዓትካ ድማ ረአኹ። እንሆ ኣብ ዕድሜኻ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ክውስኸልካ እየ።’ 6ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ካብ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፤ ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ክከላኸለላ እየ።
7“ኣቦና ነቲ ዝተዛረቦ ነገር ከም ዝፍፅሞ፥ ካብኡ ዝኾነ ምልክትካ እዙይ እዩ፦ 8እንሆ፥ ነቲ ፀሓይ ኣብ መሳልል ኣካዝ ዝወረደቶ ፅላሎት፥ ዓሰርተ መደያይቦ ንድሕሪት ክመልሶ እየ።” ሽዑ እታ ፀሓይ ነቲ ዝወረደቶ ዓሰርተ መደያይቦ ንድሕሪት ተመለሰት።
9ድሕሪ ሕማሙን ምሕዋዩን፥ ናይ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ፅሕፈት እዙይ እዩ፦ 10ኣነ ኸዓ “ኣብ ማእኸል መዓልቲታተይ ናብ ደገ መቓብር ክኣቱ እየ፤ ካብ ዝተረፈ ዓመታተይ ተገፊፈ” በልኩ። 11ኣነ ኸዓ “ንኣቦና ባዕሉ ኣብ ምድሪ ህያዋን ኣይርእን እየ፤ ኣብ ማእኸል እቶም ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ዝነብሩ ድማ፥ ደጊመ ንሰብ ኣይርእን እየ” በልኩ። 12ማሕደረይ ከም ድንኳን ጓሳ ተነቒሉ ካባይ ተወሲዱ። ንህይወተይ ከም ኣላማይ ጠቕሊለያ፤ ካብ ማእለማ ይቘርፀኒ ኣሎ፤ ካብ መዓልቲ ክሳዕ ለይቲ ተወድኣኒ ኣለኻ። 13ክሳዕ ንግሆ ስቕ ኢለ ተፀቤኹ፤ ንሱ ግና ከም ኣንበሳ ዅሉ ኣዕፅምተይ ይሰብሮ፤ ካብ መዓልቲ ክሳዕ ለይቲ ተወድኣኒ ኣለኻ። 14ከም ዛግራ ወይ ራዛ እጭርር ኣለኹ፤ ከም ርግቢ ድማ ኣንባህቕ ኣለኹ። ኣዒንተይ ንላዕሊ እናጠመታ ፈዘዛ። ኦ ጐይታ ኣቦ! ተፀቒጠ ኣለኹ፤ ዋሕስ ድሕነተይ ኩን! 15እንታይ ክብል? ንሱ ተዛሪቡኒ፥ ባዕሉ ድማ ገይርዎ። ብሰሪ ምረት ነፍሰይ ብዅሉ ዓመታተይ ሰለይ እናበልኩ ክኸይድ እየ። 16ኦ ጐይታ ኣቦ! ሰብ በዘን ነገራት እዚኣተን ይነብር፥ ህይወት መንፈሰይ ከዓ ኣብ ኵለን እዚኣተን ኣሎ። ስለዙይ ናብ ጥዕናይ መልሰኒ፥ ህያው ድማ ግበረኒ! 17ነቲ ዝተሳቐኽዎ መሪር ነገር፥ ብርግፅ ንሰናይተይ እዩ ነይሩ። ብፍቕርኻ ንህይወተይ ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ከልከልካያ፥ ኵሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻዮ ኢኻ እሞ። 18መቓብር ኣየመስግነካን እዩ፤ ሞትውን ምስጋናኻ ኣይዝምርን እዩ። እቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ንሓቅነትካ ተስፋ ክገብሩ ኣይኽእሉን። 19ህያዋን፥ ህያዋን እዮም ዘመስግኑኻ፥ ከምቲ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ፤ ኣቦ ንደቁ ሓቅነትካ የፍልጦም። 20ኣቦና ከድሕነኒ እዩ፤ መዝሙራተይ ድማ ኣብ ቤት ኣቦና ብዅሉ መዓልቲታት ህይወትና ብመሳርሒ ኣውታር ክንፃወት ኢና።
21ኢሳይያስ ከዓ “ጎጎ በለስ ወሲዶም ኣብቲ ዕብጠት ይግበርዎ፥ ሽዑ ኽሓዊ እዩ” ኢሉ ነበረ። 22ሕዝቅያስ ድማ “እቲ ናብ ቤት ኣቦና ኸም ዝድይብ ዝሕብር ምልክት እንታይ እዩ?” ኢሉ ሓቲቱ ነበረ።