ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቤሴሎም ልቢ እስራኤል ይሰርቕ

ኣቤሴሎም ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ፥ ንነፍሲ ወከፍ ንፍርዲ ዝመፅእ ዝሰምዖ ኸም ዘየለ እናበለ፥ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ። ኣብ ኬብሮን ነጊሱ ድማ ንዳዊት ጥራሕ እግሩ ናብ ዓቐብ ደብረ ዘይቲ ኣህደሞ። ዳዊት ድማ ነቲ ታቦት መለሶ፥ ንኣቦና ኸዓ ምኽሪ ኣኪጦፌል ናብ ከንቱ ኽልውጦ ለመነ።

ምዕራፍ 15።

ድሕሪ እዙይ ኣቤሴሎም ሰረገላን ኣፍራስን፥ ቐቅድሚኡ ዝጐዩ ሓምሳ ሰባትን ኣዳለወ። ኣቤሴሎም ድማ ኣንጊሁ ተሲኡ ኣብ ጥቓ እታ ናብ ደገ እትወስድ መንገዲ ደው ይብል ነበረ። ባእሲ ዘለዎ ሰብ ናብ ንጉስ ንፍርዲ ክመፅእ እንተሎ ኸዓ፥ ኣቤሴሎም “ካብ ኣየነይቲ ኸተማ ኢኻ?” ኢሉ ይፅውዕ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ድማ “ባርያኻ ካብ ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል እዩ” ይብል ነበረ።

ሽዑ ኣቤሴሎም “እንሆ፥ እቲ ነገር ፅቡቕን ቅኑዕን እዩ፤ ግና ዝሰምዓካ ኻብ ንጉስ ዝተሾመ የለን” ይብሎ ነበረ። ኣቤሴሎም ድማ “ኣነ ደኣ ኣብ ምድሪ ዳኛ እንተ ዝሽየም! ባእሲ ወይ ነገር ዘለዎ ዅሉ ናባይ ምመፀ፥ ኣነ ኸዓ ፍትሒ ምሃብክዎ” ይብል ነበረ። ሓደ ሰብ ክሰግደሉ እንተ ቐረበ ኸዓ፥ ኣቤሴሎም ኢዱ ዘርጊሑ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ። ኣቤሴሎም ነቲ ናብ ንጉስ ንፍርዲ ዝመፅእ ዅሉ እስራኤላዊ ኸምዙይ ገበረሉ፤ ከምዙይ ገይሩ ኸዓ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ድማ፥ ኣቤሴሎም ነቲ ንጉስ “በይዛኻ፥ ነቲ ንኣቦና ዝተመባፃዕክዎ መብፅዓ ክፍፅም ናብ ኬብሮን ክኸይድ ፍቐደለይ። ኣብ ኣራም ኣብ ዘላ ጌሹር ክነብር እንተለኹ፥ ‘ኣቦና ናብ ኢየሩሳሌም እንተ መለሰኒ፥ ክሰግደሉ እየ’ ኢለ ተመባፂአ ነይረ” በሎ።

ንጉስ ድማ “ብሰላም ኪድ” በሎ። ኣቤሴሎም ከዓ ተሲኡ ናብ ኬብሮን ከደ።

ኣቤሴሎም ድማ ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ስዉራት ልኡኻት ለኣኸ፦ “ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም፥ ‘ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ!’ በሉ።”

ክልተ ሚእቲ ዕዱማት ሰባት ካብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣቤሴሎም ከዱ፤ ንፁሃት ኮይኖም ከዓ፥ ብዛዕባ እቲ ውዲት ገለ እኳ ኣይፈለጡን። ኣቤሴሎም እቲ መስዋእቲ ከቕርብ እንተሎ፥ ናብ ጊሎ ልኢኹ ንኣኪጦፌል ጊሎናዊ፥ መኻሪ ዳዊት፥ ፀውዐ። እቲ ውዲት ድማ በርትዐ፤ ምስ ኣቤሴሎም ዝነበረ ህዝቢ ከዓ እናበዝሐ ኸደ።

ዳዊት ካብ ወዱ ኣቤሴሎም ይሃድም

ሓደ ልኡኽ ድማ ናብ ዳዊት መፂኡ “ልቢ ሰብ እስራኤል ናብ ኣቤሴሎም ዘንቢሉ” በሎ።

ዳዊት ድማ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣገልገልቲ “ተሲእኹም ንህደም፤ ካብ ኣቤሴሎም ሓደ እኳ ኻባና ኣየምልጥን እዩ እሞ። ቀልጢፉ ኸይረኽበናን ከየጥፍኣናን ነታ ኸተማ ድማ ብሰይፊ ኸይወቕዓን፥ ተሃወኹ” በሎም።

ኣገልገልቲ ንጉስ ድማ “ጐይታና ንጉስ ዝመረፆ ዅሉ፥ ኣገልገልትኻ ድሉዋት ኢና” ኢሎም መለሱሉ።

ንጉስ ከዓ ወፀ፤ ኵሉ ስድራ ቤቱ ድማ ተኸተልዎ፤ ነታ ቤት ንጉስ ክሕልዋ ግና ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰን ሓደገ። a a v16 ኣንስቲ ወሰን ካብ ቀንዲ ሰበይቲ ዝወሓደ ሕጋዊ መሰል ዘለወን ካልኣዎት ኣንስቲ ነበራ። ንጉስ ድማ ወፀ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ተኸተሉ፤ ኣብታ ዳሕረወይቲ ቤት ድማ ደው በሉ። ኵሎም ኣገልገልቱ ድማ፥ ምስ ኵሎም ከሊታውያንን ፊሊታውያንን፥ ብጐድኑ ሓለፉ፤ እቶም ካብ ጌት ዝሰዓብዎ ዅሎም ሽዱሽተ ሚእቲ ጌታውያንን ቐቅድሚ ንጉስ ሓለፉ። b b v18 ከሊታውያንን ፊሊታውያንን እቶም ፍሉያት ሓለውቲ ዳዊት ነበሩ።

ንጉስ ድማ ንኢታይ ጌታዊ “ንስኻ ኸ ስለ ምንታይ ምሳና ትመፅእ? ተመሊስካ ምስቲ ሓድሽ ንጉስ ተቐመጥ፤ ንስኻ ጓና ኢኻ፥ ካብ ሃገርካ ዝረሓቕካ ስደተኛ ኢኻ። ትማሊ ኢኻ መፂእኻ። ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ከይፈለጥኩ ኸለኹ፥ ሎሚ ምሳና ዘኽልለካ ዲየ? ተመለስ፥ ኣሕዋትካ ኸዓ ምሳኻ ውሰድ። ኣቦና ምሕረትን ሓቅን ይግበረልካ።”

ኢታይ ድማ ነቲ ንጉስ “ኣቦናን ጐይታይ ንጉስን ህያዋን ከም ዝኾኑ ርግፅ፥ ጐይታይ ንጉስ ኣብ ዝሃለወ፥ ህይወት ኮነ ሞት፥ ባርያኻ ኣብኡ ክኸውን እዩ” ኢሉ መለሰሉ።

ዳዊት ድማ ንኢታይ “ኪድ፥ ተሳገር” በሎ። ኢታይ ጌታዊ ኸዓ ምስ ኵሎም ሰቡን ምስኡ ዝነበሩ ኵሎም ቈልዑን ተሳገረ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ክሳገር እንተሎ፥ ብዘላ እታ ምድሪ ዓው ኢላ በኸየት። ንጉስ ድማ ንሩባ ቄድሮን ተሳገረ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ናብ ምድረ በዳ ገፁ ተሳገረ። ሳዶቅ ድማ ኣብኡ ነበረ፤ ምስኡ ኸዓ ንታቦት ኪዳን ኣቦና ዝፆሩ ኵሎም ሌዋዊን ነበሩ። ንታቦት ኣቦና ኣውሪዶም ኣቐመጥዎ፤ ኣብያታር ከዓ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ወፂኡ ኽሳዕ ዝውዳእ፥ መስዋእቲ ኣቕረበ። ንጉስ ድማ ንሳዶቅ “ንታቦት ኣቦና መሊስካ ናብታ ኸተማ ውሰዶ። ኣቦና ብኣይ ደስ እንተ ኢሉዎ፥ መሊሱ ኸምፅአኒ፥ ንእኡን ነቲ ዝነብረሉ ቦታን ድማ ከርእየኒ እዩ። ግና ‘ብኣኻ ደስ ኣይበለንን’ እንተ በለ፥ እንሆ ኣነ፥ ከምቲ ዝፈተዎ ይግበረኒ” በለ። ንጉስ ድማ ንኻህን ሳዶቅ ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻዶ ረኣዪ ኣይኮንካን? ብሰላም ናብታ ኸተማ ተመለስ፤ ክልቲኦም ደቅኻ ድማ ምሳኻ ውሰድ፥ ኣኪማኣስ ወድኻን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን። ካባኻ ዝነግረኒ ቓል ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣብ መሳገሪ ምድረ በዳ ክፅበ እየ” በሎ። ሳዶቅን ኣብያታርን ድማ ንታቦት ኣቦና መሊሶም ናብ ኢየሩሳሌም ወሰድዎ፤ ኣብኡውን ተቐመጡ።

ዳዊት ድማ ናብ ደብረ ዘይት ደየበ፤ እናደየበ ኸዓ በኸየ፤ ርእሱ ተኸዲኑ እግሩ ድማ ጥራሕ ነበረ። ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተኸዲኑ፥ እናበኸዩ ደየቡ። c c v30 እቲ ዝተጠለመ ንጉስ፥ ናብ ደብረ ዘይት እናደየበ እናበኸየ፥ ነቲ ድሕሪ ነዊሕ ነዝ ሓደ ሩባ እዙይ ተሳጊሩ፥ ሓደ ዝተኣመኖ ፈታዊ ብዝጠለሞ ለይቲ ኣብዝ ሓደ ኰረብታ እዙይ ዝሓዘነ ኢየሱስ ይምስል።

ንዳዊት ድማ “ኣኪጦፌል ኣብ ማእኸል እቶም ምስ ኣቤሴሎም ተማሳጢሮም ዘለዉ ይርከብ” ኢሎም ነገርዎ። ዳዊት ከዓ “ኦ ኣቦ፥ ንምኽሪ ኣኪጦፌል ዕሽነት ግበሮ” ኢሉ ፀለየ።

ዳዊት ናብቲ ንኣቦና መስገዲ ዝነበሮ ርእሲ እምባ ምስ በፅሐ፥ እንሆ፥ ኵሲ ኣርካዊ፥ ክዳኑ ተቐዲዱ ኣብ ርእሱ ድማ ሓመድ ኣንቢሩ፥ ኽቕበሎ ኣብኡ ነበረ። ዳዊት ድማ “ምሳይ እንተ መፃእኻ፥ ሸኽሚ ደኣ ትኾነኒ” በሎ።

“ግና ናብታ ኸተማ ተመሊስካ ንኣቤሴሎም ‘ኦ ንጉስ፥ ኣነ ባርያኻ ክኸውን እየ፤ ቀደም ንኣቦኻ ኸም ዘገልገልክዎ፥ ሕዚ ድማ ንኣኻ ኸገልግለካ እየ’ እንተ በልካዮ፥ ሽዑ ንምኽሪ ኣኪጦፌል ምእንታይ ከተፍርሶ ትኽእል ኢኻ። ሳዶቅን ኣብያታርን እቶም ካህናት ድማ ምሳኻ ኣብኡ ኣለዉ። ኣብ ቤት ንጉስ እትሰምዖ ዅሉ ነገር ድማ ንገሮም። ክልቲኦም ደቆም ድማ ኣብኡ ምሳታቶም ኣለዉ፥ ኣኪማኣስ ወዲ ሳዶቅን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን። ኵሉ እትሰምዖ ድማ ብኣኣቶም ገይርካ ለኣኸለይ።”

ኣቤሴሎም ናብ ኢየሩሳሌም እናኣተወ ኸሎ፥ ኵሲ እቲ ፈታዊ ዳዊት ድማ ናብታ ኸተማ ኣተወ።