ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ኣዘዞ
ዳዊት ክመውት እንተሎ ንሰሎሞን ብመንገዲ ኣቦና ክመላለስ ነገሮ፥ ደሓር ከዓ ዝፍፀሙ ኣረግቲ ዕዳታት ሰመየ። ሰሎሞን ድማ ፈፀሞም፦ ኣዶንያስ ንኣቢሳግ ክምርዖ ብምሕታቱ ተቐትለ፥ ኣብያታር ተሰደ፥ ኢዮኣብ ነቲ መሰውኢ ሒዙ ተቐትለ፥ ሳሚ ኸዓ ንቄድሮን ብምስጋሩ ተቐትለ።
2 1ዳዊት ዝመውተሉ ጊዜ ምስ ቀረበ፥ ንወዱ ሰሎሞን ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦ 2“ኣነ ከምቲ ኵሉ ምድሪ ዝኸዶ መንገዲ ኽኸይድ እየ። ንስኻ ፅኑዕ ኩን፤ ሰብኣይ ምዃንካ ድማ ኣርኢ። 3ትእዛዝ ኣቦኻ ሓሉ፤ ብመንገዱ ተመላለስ፤ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝተፃሕፈ ድማ ስርዓታቱን ትእዛዛቱን ፍርዳቱን ምስክራቱን ሓሉ፤ ኣብ ኵሉ እትገብሮ ነገርን ናብ ዝኸድካዮ ዅሉን ምእንቲ ኽትሰልጥ። 4ኣቦና ኸዓ ነቲ ብዛዕባይ ዝተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኸቝሞ እዩ፦ ‘ደቅኻ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ብሓቂ ኣብ ቅድመይ እናተመላለሱ መንገዶም እንተ ሓለዉ፥ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣይክስኣነካን እዩ።’
5ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ዝገበረለይ፥ ነቶም ክልተ ሓለቓ ሰራዊት እስራኤል፥ ንኣበኔር ወዲ ኔርን ንኣሜሳይ ወዲ ዮቴር፥ ዝገበሮ ንስኻ ባዕልኻ ትፈልጥ ኢኻ። ንሳቶም ቀቲሉ፥ ኣብ ጊዜ ሰላም ደም ውግእ ኣፍሰሰ፤ ደም ውግእ ከዓ ኣብ ቅናት ሕቘኡን ኣብ ኣሳእን ኣእጋሩን ገበረ። 6ከም ጥበብካ ጌርካ ግበር፤ ነቲ ሲበቱ ብሰላም ናብ መቓብር ከይወርድ ኣይትሕደጎ። 7ነቶም ደቂ ቤርዜሊ በዓል ገለዓድ ፅቡቕ ግበረሎም፤ ካብ ሓውካ ኣቤሴሎም ክሃድም እንተለኹ ደጊፎምኒ እዮም እሞ፥ ካብቶም ኣብ መኣድኻ ዝበልዑ ይኹኑ።
8እንሆ ምሳኻ ሳሚ ወዲ ጌራ፥ ብንያማዊ በዓል ባሑሪም ኣሎ፤ ናብ መሃናይም ኣብ ዝኸድኩላ መዓልቲ መሪር ረጊሙኒ እዩ። ግና ናብ ዮርዳኖስ ክቕበለኒ ወሪዱ መፀ፤ ኣነ ድማ ‘ብሰይፊ ኣይቀትለካን እየ’ ኢለ ብኣቦና መሓልኩሉ። 9ስለዙይ ከይተቐፅዐ ኣይትሕደጎ። ንስኻ ጥበበኛ ኢኻ፤ እንታይ ክትገብሮ ኸም ዘለካ ኽትፈልጥ ኢኻ፤ ንሲበቱ ብደም ናብ መቓብር ኣውርዶ።”
10ሽዑ ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ተቐበረ። 11ዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነገሰሉ ጊዜ ኣርብዓ ዓመት እዩ ነይሩ፤ ኣብ ኬብሮን ንሸውዓተ ዓመት ገዚኡ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ንሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ። 12ሽዑ ሰሎሞን ኣብ ዙፋን ኣቦኡ ዳዊት ተቐመጠ፤ መንግስቱውን ኣዝዩ ፀንዐ።
ሞት ዘስዓበ ልማኖ ኣዶንያስ
13ኣዶንያስ ወዲ ሓጊት ድማ ናብ እኖ ሰሎሞን ቤርሳቤህ መፀ። ንሳ ከዓ “ብሰላምዶ መፂእኻ?” ኢላ ጠየቐቶ። ንሱ ድማ “ብሰላም” ኢሉ መለሰ።
14ሽዑ ንሱ “ዝዛረበኪ ነገር ኣለኒ” በለ። ንሳ ድማ “ተዛረብ” በለቶ።
15ንሱ ድማ “እታ መንግስቲ ናተይ ከም ዝነበረት፥ ኵሉ እስራኤልውን ከም ዝነግስ ናባይ ይጥምት ከም ዝነበረ፥ ንስኺ ትፈልጢ ኢኺ። ግና ተገምጊማ ናይ ሓወይ ኮይና፤ ካብ ኣቦና ንእኡ ስለ ዝነበረት እያ። 16ሕዚ ኸዓ ሓንቲ ዝልምነኪ ነገር ኣላትኒ፤ ኣይትኽልእኒ” በለ። ንሳ ድማ “ተዛረብ” በለቶ።
17ንሱ ድማ “ንንጉስ ሰሎሞን በጃኺ ለምንዮ፥ ንኣኺ ኣይኽልእክን እዩ እሞ፥ ንኣቢሳ እታ ሱናማዊት ሰበይቲ ኽትከውነኒ ይሃበኒ” በለ።
18ቤርሳቤህ ድማ “ፅቡቕ፤ ኣነ ብዛዕባኻ ንንጉስ ክዛረቦ እየ” በለት።
19ቤርሳቤህ ድማ ብዛዕባ ኣዶንያስ ክትዛረቦ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ከደት። እቲ ንጉስ ከዓ ክቕበላ ተሲኡ ሰገደላ፤ ኣብ ዙፋኑ ድማ ተቐመጠ። ንእኖ ንጉስ ከዓ ዙፋን ኣንበረላ፤ ንሳውን ኣብ የማን ኢዱ ተቐመጠት። 20ንሳ ድማ “ሓንቲ ንእሽተይ ዝልምነካ ነገር ኣላትኒ፤ ኣይትኽልኣኒ” በለት። እቲ ንጉስ ከዓ “ኦ እኖይ ለምኒ፤ ኣይኽልእክን እየ” በለ።
21ንሳ ድማ “ኣቢሳ እታ ሱናማዊት ንሓውካ ኣዶንያስ ሰበይቱ ኽትከውን ትወሃቦ” በለት።
22ንጉስ ሰሎሞን ከዓ ንእኖኡ ኸምዙይ ኢሉ መለሰላ፦ “ስለ ምንታይ ንኣዶንያስ ንኣቢሳ እታ ሱናማዊት እትልምንሉ ዘለኺ? ንሱ ዓብዪ ሓወይ እዩ እሞ፥ ነታ መንግስቲ ኸዓ ንእኡ ልምንሉ፤ ንእኡን ንኻህን ኣብያታርን ንኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን!” 23ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን ብኣቦና ኸምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ኣዶንያስ ነዝ ቓል እዙይ ኣብ ልዕሊ ህይወቱ እንተ ዘይተዛሪቡ፥ ኸምኡ፥ ካብኡ ዝገደደ እውን ይግበረኒ! 24ሕዚ ኸዓ፥ እቲ ዘፅንዓኒ፥ ኣብ ዙፋን ኣቦይ ዳዊት ዘቐመጠኒ፥ ከምቲ ቓል ዝኣተወለይ ድማ ቤት ዝገበረለይ ኣቦና ህያው እዩ፤ ኣዶንያስ ሎሚ ብርግፅ ክቕተል እዩ።”
25ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ለኣኾ፤ ንሱ ኸዓ ንኣዶንያስ ወቒዑ ቐተሎ፤ ንሱ ድማ ሞተ። 26እቲ ንጉስ ድማ ንኻህን ኣብያታር “ናብ ግራትካ ናብ ኣናቶት ኪድ። ሞት ይግብኣካ እዩ፤ ግና ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ዳዊት ታቦት ጐይታ ኣቦ ስለ ዝተሸከምካ፥ ኣብ ኵሉ ስቓዩውን ስለ እተኻፈልካ፥ ሕዚ ኣይቀትለካን እየ” በሎ። 27ሽዑ ሰሎሞን ነቲ ኣቦና ኣብ ሴሎ ብዛዕባ ቤት ኤሊ ዝተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኽፍፅሞ፥ ንኣብያታር ካብ ክህነት ኣቦና ኣወገዶ።
28እዝ ወረ ናብ ኢዮኣብ በፅሐ፤ ኢዮኣብ ድማ ናብ ኣቤሴሎም ዘይኮነስ ናብ ኣዶንያስ ዘንቢሉ ነበረ እሞ፥ ናብ ድንኳን ኣቦና ሃዲሙ ነቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ሓዞ። 29ኢዮኣብ ናብ ድንኳን ኣቦና ኸም ዝሃደመን ኣብ ጥቓ መሰውኢ ኸም ዘሎን፥ ንንጉስ ሰሎሞን ነገርዎ። ሽዑ ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ “ኪድ እሞ ውቕዓዮ” ኢሉ ለኣኾ።
30በናያስ ድማ ናብ ድንኳን ኣቦና መፂኡ ንኢዮኣብ “ንጉስ ‘ውፃእ’ ይብል ኣሎ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣይፋሉን፥ ኣብዙይ ክመውት እየ” ኢሉ መለሰ። በናያስ ድማ “ኢዮኣብ ከምዙይ በለ፥ ከምዙይ ከዓ መለሰለይ” ኢሉ ንንጉስ ነገሮ።
31እቲ ንጉስ ድማ “ከምቲ ዝበሎ ፈፅም። ወቒዕካ ቕበሮ፤ ነቲ ኢዮኣብ ብዘይ ምኽንያት ዘፍሰሶ ንፁህ ደም ድማ ካባይን ካብ ስድራ ኣቦይን ኣወግዶ። 32ኣቦና ድማ ነቲ ዘፍሰሶ ደም ኣብ ርእሱ ባዕሉ ክመልሶ እዩ፤ ንሱ ኻብኡ ዝበልፁን ዝሓሹን ክልተ ሰብኡት፥ ንኣበኔር ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን ንኣሜሳይ ወዲ ዮቴር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳን፥ ኣቦይ ዳዊት ከይፈለጠ ብሰይፊ ወቒዑ ቐቲልዎም እዩ እሞ። 33ደሞም ድማ ናብ ርእሲ ኢዮኣብን ናብ ርእሲ ዘርኡን ንዘለኣለም ይውረድ፤ ንዳዊት ግና፥ ንዘርኡን ንቤቱን ንዙፋኑን ካብ ኣቦና ንዘለኣለም ሰላም ይኹን።”
34ሽዑ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ደዪቡ ንኢዮኣብ ወቒዑ ቐተሎ፤ ኣብ ገዛ ባዕሉ ኣብ ምድረ በዳ ድማ ተቐበረ። 35እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ክንዲ ኢዮኣብ ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞ፤ ኣብ ክንዲ ኣብያታር ከዓ ንኻህን ሳዶቅ ሸሞ።
36ሽዑ እቲ ንጉስ ንሳሚ ፀዊዑ “ኣብ ኢየሩሳሌም ቤት ስራሕ ኣብኣ ድማ ተቐመጥ፤ ናብ ካልእ ቦታ ኸዓ ካብኣ ኣይትውፃእ። 37ናብ ወፃኢ ወፂእኻ ንሩባ ቄድሮን ኣብ እትሳገረላ መዓልቲ፥ ብርግፅ ከም እትመውት ፍለጥ፤ ደምካ ኣብ ርእስኻ ይኹን።”
38ሳሚ ድማ ንንጉስ “እቲ ቓልካ ፅቡቕ እዩ። ከምቲ ጐይታይ ንጉስ ዝበሎ፥ ኣነ ባርያኻ ከምኡ ኽገብር እየ” በሎ። ሳሚ ኸዓ ኣብ ኢየሩሳሌም ነዊሕ ጊዜ ተቐመጠ።
39ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ ካብ ኣገልገልቲ ሳሚ ክልተ ሰባት ናብ ኣኪሽ ወዲ መዓካ፥ ንጉስ ጌት፥ ሃዲሞም ከዱ። ንሳሚ ድማ “እንሆ ኣገልገልትኻ ኣብ ጌት ኣለዉ” ተባሂሉ ተነግሮ።
40ሽዑ ሳሚ ተሲኡ ኣድጉ ፀዓነ፤ ነቶም ኣገልገልቱ ኽደሊ ድማ ናብ ኣኪሽ ናብ ጌት ከደ፤ ከይዱ ኸዓ ነቶም ኣገልገልቱ ኻብ ጌት ኣምፅኦም። 41ሳሚ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ጌት ከይዱ ከም ዝተመለሰ ንሰሎሞን ምስ ተነግሮ፥ 42እቲ ንጉስ ድማ ንሳሚ ልኢኹ ፀዊዑ ከምዙይ በሎ፦ “ብኣቦና ኣምሒለ፥ ‘ወፂእኻ ናብ ዝኾነ ቦታ ብእትኸደላ መዓልቲ፥ ብርግፅ ከም እትመውት ፍለጥ’ ኢለ ኣጠንቂቐካዶ ኣይነበርኩን? ንስኻ ኸዓ ‘እቲ ቓልካ ፅቡቕ እዩ፤ ክእዘዝ እየ’ በልካኒ። 43እሞ ስለ ምንታይ ደኣ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዝመሓልካዮ መሐላን ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ትእዛዝን ዘይሓለኻዮ?” 44እቲ ንጉስ ድማ ንሳሚ ኸምዙይ ከዓ በሎ፦ “ነቲ ንዳዊት ኣቦይ ዝገበርካዮ ዅሉ ክፉእ፥ ባዕልኻ ብልብኻ ትፈልጦ ኢኻ። ሕዚ ድማ ኣቦና ነቲ ክፍኣትካ ናብ ርእስኻ ክመልሶ እዩ። 45ንጉስ ሰሎሞን ግና ብሩኽ ክኸውን እዩ፤ ዙፋን ዳዊት ከዓ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ።” 46እቲ ንጉስ ድማ ንበናያስ ወዲ ዮዳሄ ኣዘዞ፤ ንሱ ኸዓ ወፂኡ ንሳሚ ወቒዑ ቐተሎ እሞ ንሱ ሞተ። ስለዙይ እታ መንግስቲ ኣብ ኢድ ሰሎሞን ፀንዐት።