ኣባኺ ጐደሎ የለን
እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ነፍሲ ወከፍ ክፋላ እናጠቐሰ ይውድሳ፤ መርዓቱን ሓፍቱን ይብላ፥ ኣባኣ ጐደሎ ኸም ዘየለ ይዛረብ። ንሳ ዝተዓፅወት ገነት፥ ዝተሓተመ ዓይኒ ማይ፥ ናቱ በይኑ እያ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንፋስ እናፀወዐት፥ ነታ ገነት ባዕላ እናኸፈተት፥ ትምልስ።
4 1ክንደይ ፅብቕቲ ኢኺ፥ ፍቕርተይ፥ ክንደይ ፅብቕቲ ኢኺ! ኣዒንትኺ ኣብ ድሕሪ መጐልበቢኺ ርግቢ እየን። ፀጉርኺ ካብ ጎቦታት ገለዓድ ዝወርድ ከም መጓሰ ኣጣል እዩ። 2ኣስናንኺ ከም መጓሰ ሕድሽ ዝተላፀያ ኣባጊዕ፥ ካብ ሕፅበት ዝደየባ እየን፤ ኵለን ማንታ ዝወለዳ፥ ካብተን ሓንቲ እኳ ዘውሃየት የለን። 3ከናፍርኪ ከም ቀይሕ ፈትሊ እየን፥ ኣፍኪ ኸዓ ፅቡቕ እዩ። ምዕጓርትኺ ኣብ ድሕሪ መጐልበቢኺ ኸም ፈረቓ ሮማን እየን። 4ክሳድኪ ብመስርዕ እምኒ ዝተሰርሐ ኸም ግንቢ ዳዊት እዩ፤ ኣብኡ ሽሕ ዋልታታት ተሰቒሉ ኣሎ፥ ኵሉ ዋልታ ናይ ጀጋኑ እዩ። 5ክልተ ኣጥባትኪ ከም ክልተ ጣዕዋ እራብ፥ ማንታ ሰስሓ፥ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት ዝሓምሳ እየን። 6እታ መዓልቲ ክሳዕ እትነፍስ፥ ፅላሎታት ድማ ክሳዕ ዝሃድሙ፥ ናብ እምባ ኸርበን ናብ ኩርባ ዕጣንን ክኸይድ እየ። 7ኵለንተናኺ ፅብቕቲ ኢኺ፥ ፍቕርተይ፤ ኣባኺ ጐደሎ የለን።
8ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፥ መርዓተይ፤ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ። ካብ ርእሲ እምባ ኣማና፥ ካብ ርእሲ ሰኒርን ኣርሞንኤምን፥ ካብ ጐዳጕዲ ኣናብስ፥ ካብ መቐመጢ ነብርታት ዘለዎ እምባታት ጠምቲ። 9ሓፍተይ፥ መርዓተይ፥ ልበይ ማሪኽክዮ፤ ብሓንቲ ጠመተ ኣዒንትኺ፥ ብሓደ ክቡር እምኒ ሕላገት ክሳድኪ ልበይ ማሪኽክዮ። 10ፍቕርኺ ክንደይ ፅብቕቲ እያ፥ ሓፍተይ፥ መርዓተይ! ፍቕርኺ ካብ ወይኒ ክንደይ ትሓይሽ፥ ጨና ዘይትኺ ድማ ካብ ኵሉ ቀመም ክንደይ ይሓይሽ! 11ከናፍርኪ ጠሊ መዓር የንጠብጥባ፥ መርዓተይ፤ ኣብ ትሕቲ ልሳንኪ መዓርን ፀባን ኣሎ፥ ጨና ኽዳውንትኺ ኸዓ ከም ጨና ሊባኖስ እዩ።
12ሓፍተይ፥ መርዓተይ፥ ዝተዓፅወት ገነት፥ ዝተዓፅወ ዒላ፥ ዝተሓተመ ዓይኒ ማይ እያ። 13ጨናፍርኪ ምስ ክቡር ፍረታት ኣታኽልቲ ሮማን እዩ፥ ሃናን ናርዶስን፥ 14ናርዶስን ዛዕፈራን፥ ቓንጫ ዶሪራን ቓርፋን፥ ምስ ኵሉ ኦም ዕጣን፥ ከርበን ዕረን፥ ምስ ኵሉ ብሉፅ ቀመማት። a a v14 ቓንጫ ዶሪራ ከም ቀመም ዝጥቀሙሉ፥ ጥዑም ዝጨናኡ ሽታ ዘለዎ ቓንጫ እዩ። 15ንስኺ ናይ ገነት ዓይኒ ማይ፥ ዒላ ህያው ማይ፥ ካብ ሊባኖስ ዝውሕዙ ወሓዝቲ ድማ ኢኺ። 16ኣታ ናይ ሰሜን ንፋስ፥ ተበራበር፤ ኣታ ናይ ደቡብ ንፋስ ድማ፥ ንዓ! ኣብ ልዕሊ ገነተይ ንፈስ፥ ቀመማታ ምእንቲ ኽፈስሱ። ፍቑረይ ናብ ገነቱ ይእቶ፥ ብሉፅ ፍረታታ ድማ ይብላዕ።