ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

መዓልቲ መርዓ እቲ ንጉስ

እታ ሰበይቲ ነቲ እትፈትዎ ኣብታ ፀላም ከተማ ትደልዮ፥ ንዘብዐኛታት ትሓትት፥ ደሓር ከዓ ረኺባቶ፥ ናብ ገዛ ኣዲኣ ክሳዕ እተእትዎ ኣይትሓድጎን። ካልኦት ድምፅታት ድማ ነታ ዝተሓለወት ዓረብያ ሰሎሞን፥ ኣብ መዓልቲ መርዓኡ ዝተኸለለ ንጉስ፥ ክትቀርብ እንተላ ይጥምቱ።

ምዕራፍ 3።

ኣብ መደቀስየይ ብለይቲ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ደለኽዎ፤ ደለኽዎ፥ ግና ኣይረኸብክዎን። ሕዚ ተሲአ ንኸተማ ክዘውር፥ ብኣውራ መንገድታትን ኣደባባያትን፤ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ክደሊ እየ። ደለኽዎ፥ ግና ኣይረኸብክዎን። እቶም ኣብ ከተማ እናዞሩ ዝነበሩ ዘብዐኛታት ረኸቡኒ። “ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ርኢኹምዎዶ?” ገና ካባታቶም ሓሊፈ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ረኸብክዎ። ሒዘዮ ኸዓ ናብ ገዛ እነይ፥ ናብ ክፍሊ እታ ዝፀነሰትኒ ክሳዕ ዘእትዎ ክኸይድ ኣይሓደግክዎን። ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ በሰስሓታትን በዓጋዜን መሮርን ኣምሕለክን ኣለኹ፦ ንፍቕሪ ክሳዕ ባዕሉ ዝደሊ ኣይተለዓዕልኦን ኣይተበራብርኦን።

እዚኣ ኻብ በረኻ ኸም ኣዕማድ ትኪ እትድይብ ዘላ፥ ብከርበን ብዕጣንን ብዅሉ ጥዑም ዝጨናኡ መረቕ ነጋዳይን ዝተቐብአት፥ መን እያ? እንሆ፥ ዓረብያ ሰሎሞን ባዕሉ እያ፥ ኣብ ዙርያኣ ድማ ስሳ ጀጋኑ፥ ካብ ጀጋኑ እስራኤል ዝኾኑ ኣለዉ፥ ኵሎም ኣስይፍቲ ዝሓዙ፥ ንውግእ ዝተላመዱ እዮም፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኣንፃር ፍርሓት ለይቲ ሰይፉ ኣብ ጎኑ ዓጢቑ ኣሎ። ንጉስ ሰሎሞን ካብ ዕንፀይቲ ሊባኖስ ንባዕሉ ዓረብያ ገበረ። ኣዕምዳ ብብሩር፥ ድጋፋ ብወርቂ፥ መቐመጢኣ ብሓምራዊ ዓለባ ገበረ፤ ውሽጣ ድማ ብኣዋልድ ኢየሩሳሌም ብፍቕሪ ዝተነፀፈ ነበረ። ኣትን ኣዋልድ ፅዮን፥ ውፅኣ፤ ነቲ እኖኡ ኣብ መዓልቲ መርዓኡ፥ ኣብታ ልቡ ዝተሓጎሰላ መዓልቲ ዝደፍኣትሉ ኣኽሊል ተኸሊሉ ዘሎ ንጉስ ሰሎሞን ጠምትኦ።