ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ተስኢ፥ ፍትውተይ፥ ንዒ

እታ ሰበይቲ ፅላሉ፥ ኣዳራሽ መስተ፥ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ርእሳ እናዘከረት ትዛረብ። ሽዑ ነቲ ብመሳዅቲ ዝፅውዖ ፅውዓ ትደግም፦ ክረምቲ ሓሊፉ፥ በለስ ትበስል ኣላ፥ ንዒ። ነተን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም ድማ ንፍቕሪ ኸይተዳለወት ከይተተስእኣ ንኽልተ ሻዕ ተጠንቅቐን።

ምዕራፍ 2።

ኣነ ናይ ሳሮን ፅገሬዳ፥ ናይ ለሰታት ዕምበባ ሱፍ እየ። ከም ዕምበባ ሱፍ ኣብ መንጎ ኣሻዅ ቈጥቋጥ፥ ፍትውተይ ከኣ ኣብ መንጎ ኣዋልድ ከምኡ እያ። ከም ኦም ቱፋሕ ኣብ መንጎ ኣእዋም ዱር፥ ፍቑረይ ከኣ ኣብ መንጎ ኣወዳት ከምኡ እዩ። ብዓብዪ ሓጐስ ኣብ ፅላሉ ኮፍ በልኩ፥ ፍረኡ ድማ ንጐረሮይ ጥዑም ነበረ። ናብ ኣዳራሽ መስተ ኣእተወኒ፥ ሰንደቕ ዕላማኡ ኸዓ ኣብ ልዕለይ ፍቕሪ ነበረ። ብዘለላ ወይኒ ደግፉኒ፥ ብቱፋሕ ኣርውዩኒ፥ ብፍቕሪ ሓሚመ እየ እሞ። ፀጋም ኢዱ ኣብ ትሕቲ ርእሰይ ኣላ፥ የማን ኢዱ ኸዓ ይሐቍፈኒ። ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ በተን ሰስሓታትን ብዋልያታት በረኻን ኣምሕለክን፦ ንፍቕሪ ክሳዕ ባዕላ እትደሊ ኣይተተስእኣን ኣይተበራብርኣን።

ድምፂ ፍቑረይ! እንሆ ኣብ ልዕሊ እምባታት እናዘለለ፥ ኣብ ልዕሊ ኰረብታታት እናነጠረ ይመፅእ ኣሎ። ፍቑረይ ከም ሰስሓ ወይ ከም ጥቡዕ ዓጋዜን እዩ። እንሆ፥ ኣብ ድሕሪ መንደቕና ደው ኢሉ ኣሎ፥ ብመሳዅቲ እናጠመተ፥ ብዓይኒ ርግቢ እናማዕደወ። ፍቑረይ ከምዙይ ይብለኒ ኣሎ፦ ተስኢ፥ ፍትውተይ፥ መልክዐኛይ፥ ንዒ፥ ክረምቲ ሓሊፉ እዩ እሞ፥ ዝናም ድማ ወዲኡ ሓሊፉ እዩ። ዕምበባታት ኣብ ምድሪ ተገሊፆም፥ ግዜ ደርፊ በፅሐ፥ ድምፂ ባሪቶ ድማ ኣብ ምድርና ይስማዕ ኣሎ። በለስ ንፍሬኣ ተብስል ኣላ፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ዓምቢቦም፥ መኣዛኦም ይህቡ ኣለዉ። ተስኢ፥ ፍትውተይ፥ መልክዐኛይ፥ ንዒ። ኣቲ ርግበይ፥ ኣብ ንቓዓት ከውሒ፥ ኣብ መሕብኢ ፀድፊ፥ ገፅኪ ኣርእይኒ፥ ድምፅኺ ኣስምዕኒ፥ ድምፅኺ ጥዑም እዩ እሞ፥ ገፅኪ ድማ መልክዐኛ እዩ። ነተን ውኻርያታት፥ ነተን ኣታኽልቲ ወይኒ ዘበላሽዋ ናእሽቱ ውኻርያታት ሓዙልና፥ ኣታኽልቲ ወይንና ዓምቢቦም ኣለዉ እሞ። ፍቑረይ ናተይ እዩ፥ ኣነ ድማ ናቱ እየ፤ ኣብ መንጎ ዕምበባ ሱፍ ይጓሲ ኣሎ። መዓልቲ ክሳዕ እትነፍስ፥ ፅላሎት ክሳዕ ዝሃድም፥ ኣታ ፍቑረይ፥ ተመለስ፥ ከም ሰስሓ ድማ ኩን፥ ወይ ኣብ እምባታት ባተር ከም ጥቡዕ ዓጋዜን።