ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ከፈትኩ፥ ንሱ ግና ከይዱ ነበረ

ናብ ገነቱ ኸም ዝመፀ ይዛረብ። ደሓር እታ ሰበይቲ ብዛዕባ ሓንቲ ለይቲ ኣብ ኣፍ ደገ ዝተደናጐየትላን ደንጕያ ዝኸፈተትላን፥ ንሱ ኸዓ ከይዱ ዝረኸበትሉን ትነግር። እናደለየት ከዓ እቶም ዘብዐኛታት ወቕዕዋ። ካብ ካልእ እንታይ ከም ዝፈልዮ ምስ ተሓተተት፥ ካብ ርእሱ ክሳዕ እግሩ ገለፀቶ።

ምዕራፍ 5።

ናብ ገነተይ መፂአ ኣለኹ፥ ኦ ሓፍተይ፥ መርዓተይ፤ ከርበይ ምስ ቀመመይ ኣከብኩ፤ ወለላ መዓረይ ምስ መዓረይ በላዕኩ፤ ወይነይ ምስ ፀባይ ሰቴኹ። ኣቱም ኣዕሩኽ፥ ብልዑ፤ ስተዩ፥ ኣቱም ፍቑራት፥ ኣፅጊብኩም ስተዩ!

ደቀስኩ፥ ልበይ ግና ነቒሑ ነበረ። ድምፂ! ፍቑረይ የንኳኵሕ ኣሎ፦ “ክፈትለይ፥ ኦ ሓፍተይ፥ ፍቕረይ፥ ርግበይ፥ ፍፅምተይ፤ ርእሰይ ብኣውሊ ተሓፂቡ እዩሞ፥ ፀጕረይውን ብነጠብጣብ ለይቲ።” ቀሚሸይ ኣውፂአ ነይረ፤ ከመይ ኢለ መሊሰ ኽኽደኖ? ኣእጋረይ ሓፂበ ነይረ፤ ከመይ ኢለ ከረስሖም? ፍቑረይ ኢዱ ናብቲ መፃውር ኣእተወ፥ ልበይ ድማ ኣብ ውሽጠይ ተናወፀ። ነቲ ማዕፆ ንፍቑረይ ክኸፍተሉ ተንሳእኹ፥ ኣእዳወይ ድማ ከርበ ኣንጠብጠባ፥ ኣፃብዕተይ ከዓ ፈሳሲ ከርበ፥ ኣብ መንኰራዅር እቲ መፃውር። ነቲ ማዕፆ ንፍቑረይ ከፈትኩሉ፥ ፍቑረይ ግና ገፁ መሊሱ ከይዱ ነበረ። ክዛረብ እንተሎ ነፍሰይ ሰጠመት። ደለኽዎ፥ ግናኸ ኣይረኸብክዎን፤ ፀዋዕክዎ፥ ግና ኣይመለሰለይን። እቶም ዘብዐኛታት ኣብ ከተማ እናዞሩ ኸለዉ ረኸቡኒ፤ ወቕዑኒ፥ ኣቝሰሉኒ፤ እቶም ሓለውቲ መናድቕ ነፀላይ ካባይ ወሰድዎ። ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ንፍቑረይ እንተ ረኺብክናኦ፥ ኣምሕለክን ኣለኹ፥ ብፍቕሪ ከም ዝሓመምኩ ንገርኦ። ኣቲ ኻብ ኣንስቲ ዝበለፅኪ መልክዐኛ፥ ፍቑርኪ ካብ ካልእ ፍቑር እንታይ ይበልፅ? ፍቑርኪ ካብ ካልእ ፍቑር እንታይ ይበልፅ፥ ከምዙይ እተምሕልና?

ፍቑረይ ዘንፀባርቕን ቀያሕን እዩ፥ ካብ ዓሰርተ ሽሕ ዝተፈለየ። ርእሱ ፅሩይ ወርቂ እዩ፤ ፀጕሩ ተቛማዕ፥ ከም ኳዅ ፀሊም እዩ። ኣዒንቱ ኸም ርግቢ፥ ኣብ ወሰን ወሓዝቲ ማያት፥ ብፀባ ዝተሓፀባ፥ ከም ዕንቊ ኣብ ቦታአን ዝተቐመጣ። ምዕጉርቱ ኸም ናይ ቀመማት ኣታኽልቲ፥ ናይ ጥዑም ጨና ዘለዎ ሓምሊ ግምብታት እዩ። ከናፍሩ ዕምበባ ሱፍ እየን፥ ፈሳሲ ኸርበ ዘንጠብጥባ። ኣእዳዉ ዘንጊ ወርቂ እየን፥ ብዕንቊ ዝተሸለማ። ኣካላቱ ዝበረቐ ስኒ ሓርማዝ እዩ፥ ብሰንፔር ዝተሸለመ። ኣእጋሩ ኣብ መሰረት ፅሩይ ወርቂ ዝቖማ፥ ናይ ኣልባስጥሮስ ኣዕማድ እየን። ትርኢቱ ኸም ሊባኖስ፥ ከም ፅሕድታት ሕሩይ። ኣፉ ኵለንትናኡ ጥዑም እዩ፥ ብምሉኡ ድማ ዘብህግ እዩ። እዝ ፍቑረይ እዩ፥ እዝ ድማ ፈታዊየይ እዩ፥ ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም።