ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ዘገርም ልግሲ ኣቦ

ልግሲ ኣቦና የዓንቅፍ፦ ኣብ ዓሰርተ ሓደ ሰዓት ዝተቘፀሩ ሰራሕተኛታት ናይ ምሉእ መዓልቲ ዓስቢ ይቕበሉ፥ እቶም ቀዳሞት ህዝቢ ኸዓ ኣጕረምረሙ። ሓንቲ ኣደ ኽልተ ዙፋን ትሓትት፤ ኢየሱስ ፅዋዕ የቕርብ፥ ዕቤት ከም ባርነት ከም ዝመስል ድማ ይብል። ክልተ ዕዉራት ለመንቲ፥ ስቕ ክብሉ ተነጊርዎም፥ ዝያዳ ጨደሩ፥ ተሰምዑ ኸዓ።

ምዕራፍ 20።

“መንግስቲ ኣቦና ፥ ንኣታኽልቲ ወይኑ ሰራሕተኛታት ክቚፅር ኣንጊሁ ዝወፀ ሓደ በዓል ግራት ትመስል። ነቶም ሰራሕተኛታት ናይ ሓደ መዓልቲ ዓስቢ ኽኸፍሎም ተሰማምዐ፤ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ድማ ለኣኾም። ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ወፂኡ ፥ ካልኦት ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ኣብዘይብሎም ደው ኢሎም ረኣዮም። ንሳቶም ድማ “ንስኻትኩምውን ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ ፤ ዝግባእ ከዓ ክኸፍለኩም እየ” በሎም። ንሳቶምውን ከዱ። ከምኡ ኸዓ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ፥ ትሽዓተ ሰዓት ኣቢሉ ከዓ ደጊሙ ወፂኡ፥ ከምኡ ገበረ። ኣስታት ዓሰርተ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ወፂኡ ፥ ካልኦት ኣብኡ ደው ኢሎም ረኸበ። “ስለ ምንታይ ምሉእ መዓልቲ ስራሕ ኣብዘይብልኩም ኣብዙይ ደው ኢልኩም?” ድማ በሎም።”

ንሳቶም ድማ “ዝቘፀረና ሰብ ስለ ዘይነበረ እዩ” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ንስኻትኩምውን ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ” በሎም።

ምሸት ምስ ኮነ፥ እቲ በዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ነቲ ሓለቓ ሰራሕተኛታት “ነቶም ሰራሕተኛታት ፀዊዕኻ፥ ካብ ናይ መወዳእታ ጀሚርካ ክሳዕ ናይ ቀዳማይ ዓስቦም ክፈሎም” በሎ። እቶም ኣስታት ዓሰርተ ሓደ ሰዓት ዝተቘፀሩ ምስ መፁ ድማ ፥ ነፍሲ ወከፎም ናይ ሓደ መዓልቲ ዓስቢ ተቐበሉ። እቶም ቀዳሞት ምስ መፁ ፥ ዝበዝሕ ዝረኽቡ መሰሎም ፤ ንሳቶም ግና ነፍሲ ወከፎም ናይ ሓደ መዓልቲ ዓስቢ ረኸቡ። ምስ ተቐበሉ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ግራት ኣጕረምረሙ ፥ እናበሉ ኸዓ “እዚኣቶም ናይ መወዳእታ ሓንቲ ሰዓት ጥራሕ እዮም ዝሰርሑ ፤ ንስኻ ግና ፥ ንሕና ኽብደት እታ መዓልትን ረስኒ ሃሩርን ዝፃወርና ፥ ምሳና ማዕረ ገበርካዮም።”

ንሱ ኸዓ ንሓደ ኻባታቶም ኢሉ መለሰሉ፥ “ዓርከይ፥ ኣነ ኣይበደልኩኻን። ናይ ሓደ መዓልቲ ዓስቢ ምሳይዶ ኣይተሰማማዕካን? ናትካ ወሲድካ ኺድ። ነዝ ናይ መወዳእታ ሰራሕተኛ ፥ ከምቲ ናትካ ኽህቦ እደሊ ኣለኹ። በቲ ናተይ፥ ዝደለኽዎዶ ኽገብር ኣይፍቀደለይን እዩ? ወይ ኣነ ለጋስ ስለ ዝኾንኩ፥ ትቐንእ ኣለኻ? ስለዙይ እቶም ናይ መወዳእታ ቀዳሞት ፥ እቶም ቀዳሞት ድማ ናይ መወዳእታ ክኾኑ እዮም።”

ኢየሱስ ብዛዕባ መስቀል ኣቐዲሙ ይንግር

ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ እንተሎ ፥ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ንበይኖም ወሲዱ ፥ ኣብ መንገዲ ኸምዙይ በሎም፦

“እንሆ ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና ፤ ወዲ ሰብ ድማ ናብ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ኣሕሊፉ ክውሃብ እዩ ፤ ንሳቶም ከዓ ናብ ሞት ክፈርድዎ እዮም ፥ ንኣህዛብ ድማ ከላግፁሉን ክገርፍዎን ክሰቕልዎን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም ፤ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኸዓ ክትንስእ እዩ።”

ናይ ሓቂ ዕቤት ምግልጋል እዩ

ሽዑ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ደቃ ናብኡ መፂኣ፥ ተምበርኪኻ ገለ ነገር ለመነት።

ንሱ ኸዓ “እንታይ ትደልዪ ኣለኺ?” በላ። ንሳ ድማ “እዚኣቶም ክልተ ደቀይ፥ ኣብ መንግስትኻ፥ ሓደ ብየማን ኢድካ፥ ሓደ ኸዓ ብፀጋም ኢድካ ኽቕመጡ ኣዝዝ” በለቶ።

ኢየሱስ ግና ኢሉ መለሰ ፥ “እትልምንዎ ዘለኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም። ነታ ኣነ ኽሰትያ ዝቐረብኩ ፅዋ ክትሰትይዋዶ ትኽእሉ ኢኹም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ንኽእል ኢና” በልዎ።

ንሱ ኸዓ “ፅዋዐይ ክትሰትዩ ኢኹም፤ ብየማን ኢደይን ብፀጋም ኢደይን ምቕማጥ ግና፥ ነቶም ኣቦይ ዘዳለዎሎም ደኣ እምበር፥ ኣነ ዝህቦ ኣይኮነን” በሎም።

እቶም ዓሰርተ ኸዓ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ በቶም ክልተ ኣሕዋት ተቘጥዑ።

ኢየሱስ ድማ ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “መራሕቲ ኣህዛብ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዝገዝኡ ፥ ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ከም ዝሕዙ ፥ ትፈልጡ ኢኹም። ኣባኻትኩም ግና ከምኡ ኣይኹን። እቲ ኣባኻትኩም ዓብዪ ክኸውን ዝደሊ ደኣ፥ ኣገልጋልኹም ይኹን እምበር፤ እቲ ኣባኻትኩም ቀዳማይ ክኸውን ዝደሊ ድማ ፥ ባርያኹም ይኹን ፤ ከምቲ ወዲ ሰብ፥ ክግልገል ዘይኮነስ፥ ከገልግል፥ ህይወቱ ኸዓ ቤዛ ብዙሓት ክህብ ዝመፀ እዩ።”

ክልተ ዕዉራት ምርኣይ ይረኽቡ

ካብ ኢያሪኮ ኽወፁ እንተለዉ፥ ብዙሕ ህዝቢ ተኸተልዎ። ኣብ ጥቓ መንገዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ክልተ ዕዉራት ፥ ኢየሱስ ይሓልፍ ከም ዘሎ ሰሚዖም ፥ “ኦ ጐይታ ፥ ወዲ ዳዊት ፥ ምሓረና!” ኢሎም ኣእወዩ። a a v30 “ወዲ ዳዊት” ዝብል ፥ ካብ ንጉሳዊ ሓረግ ዳዊት ንዝመፅእ ፥ ተስፋ ዝተውሃቦ ንጉስ ዘመልክት ፥ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ኣፀቢቑ ዝፍለጥ ማዕርግ ነበረ። እቶም ህዝቢ ድማ ስቕ ክብሉ ገሰፅዎም ፤ ንሳቶም ግና “ኦ ጐይታ ፥ ወዲ ዳዊት ፥ ምሓረና!” እናበሉ ዝያዳ ኣእወዩ።

ኢየሱስ ድማ ደው ኢሉ ፀውዖም ፥ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ?” በሎም።

ንሳቶም ድማ “ኦ ጐይታ ፥ ኣዒንትና ኽኽፈታልና” በልዎ።

ኢየሱስ ድማ ራሂሩሁ ፥ ኣዒንቶም ተንከየ ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ምርኣይ ረኺቦም ተኸተልዎ።