ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦና ንመውስቦ ዝሰርዖ ሰርዓት

ኢየሱስ ንመርዓ ኣብቲ ኣቦና ብመጀመርታ ብኸመይ ከም ዝፈጠሮም ይምስርቶ፥ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ዘባረርዎም ቈልዑ ይቕበል፥ ንሓደ ሰናይ ሃብታም መንእሰይ ድማ ኵሉ ኽሸይጥ ይነግሮ። ንሱ ኸዓ እናሓዘነ ኸደ። እቲ ንሰብ ዘይከኣል፥ ንኣቦና ይከኣል እዩ።

ምዕራፍ 19።

ኢየሱስ እዝ ቃላት እዙይ ምስ ወድአ፥ ካብ ገሊላ ወፂኡ ናብቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘሎ ሃገር ይሁዳ መፀ። ብዙሕ ህዝቢ ድማ ተኸተልዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣሕወዮም።

ፈሪሳውያን ድማ ክፍትንዎ መፁ እሞ “ሰብኣይ ብዝኾነ ምኽንያት ንሰበይቱ ክፈትሕ ይፍቀደሉዶ?” ኢሎም ጠየቕዎ።

ንሱ ኸዓ “ኣቦና እቲ ብመጀመርታ ዝፈጠሮም፥ ተባዕታይን ኣንስተይትን ጌሩ ኸም ዝፈጠሮም ኣየንበብኩምን ዲኹም? ‘ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይፅጋዕ፤ ክልቲኣቶም ድማ ሓደ ስጋ ይኾኑ’ ዝበለ ኣየንበብኩምን ዲኹም?” ኢሉ መለሰሎም። “ስለዙይ ድሕሪ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን፤ እምበኣር ነቲ ኣቦና ዘጋጠሞ ሰብ ኣይፈልዮ።”

ንሳቶም ድማ “እንተ ኾይኑስ ሙሴ ስለምንታይ ‘ናይ መፍትሒኣ ፅሑፍ ሂቡ ይስደዳ’ ኢሉ ኣዘዘ?” በልዎ።

ንሱ ኸዓ “ሙሴ ጭካነ ልብኹም ስለ ዝነበረ ኢዩ ንኣንስትኹም ክትፈትሑ ዝፈቐደልኩም እምበር፥ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን። ኣነ ኸዓ፥ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዘእቱ ዅሉ ይዝሙ እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።

ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ፍልልይ ሰብኣይን ሰበይትን ከምዙይ እንተ ኾይኑስ፥ ዘይምምርዓው ይሓይሽ” በልዎ።

ንሱ ኸዓ “ነዝ ቃል እዙይ ነቶም ዝተውሃቦም እንተ ዘይኮይኑ፥ ኵሉ ኽቕበሎ ኣይክእልን እዩ። ካብ ከብዲ እኖኦም ጀሚሮም ስልቡ ዝተወለዱ ስልብ ኣለዉ፤ ብሰብ ዝተሰለቡ ስልብ ኣለዉ፤ ምእንቲ መንግስቲ ኣቦና ኢሎም ባዕልቶም ዝተሰለቡ ስልብውን ኣለዉ። እቲ ኽቕበሎ ዝኽእል ይቀበሎ” በሎም።

ኢየሱስ ንንኣሽቱ ህፃውንቲ ተቐበሎም

ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ምእንቲ ክፅልየሎም፥ ንኣሽቱ ህፃውንቲ ናብኡ ኣምፅእዎም፤ ደቀ መዛሙርቱ ግና ነቶም ዘምፅእዎም ገሰፅዎም።

ኢየሱስ ግና “መንግስቲ ኣቦና ናይ ከምዚኣቶም እያ እሞ፥ ንኣሽቱ ህፃውንቲ ናባይ ይምፅኡ ሕደግዎም እምበር ኣይትኽልክልዎም” በሎም።

ኢዱ ድማ ኣንበረሎም፤ ካብኡ ኸዓ ኸደ።

እታ ዝጐደለቶ ሓንቲ ነገር

እንሆ ድማ ሓደ ሰብ ናብኡ ቀሪቡ “መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ፥ እንታይ ፅቡቕ ክገብር ኣለኒ?” ኢሉ ጠየቖ።

ንሱ ኸዓ “ብዛዕባ ፅቡቕ ስለምንታይ ትሓተኒ? ፅቡቕ፥ በይኑ ሓደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሊኻ ግና፥ ትእዛዛት ሓሉ” በሎ።

“ኣየኖት?” ኢሉ ጠየቖ። ኢየሱስ ድማ “ኣይትቕተል፥ ኣይትዘሙ፥ ኣይትስረቕ፥ ብሓሰት ኣይትመስክር፥ ነቦኻን እኖኻን ኣኽብር፥ ንብፃይካውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” በሎ።

እቲ ጐበዝ ድማ “እዝ ኵሉ ሓልየ እየ፤ ገና እንታይ ይጐድለኒ?” በሎ።

ኢየሱስ ድማ “ፍፁም ክትከውን እንተ ደሊኻ፥ ኪድ እሞ ጥሪትካ ሺጥካ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ ሃብቲ ክትረክብ ኢኻ፤ ድሕሪኡ መፂእኻ ተኸተለኒ” በሎ።

እቲ ጐበዝ እዙይ ምስ ሰምዐ ግና፥ ብዙሕ ጥሪት ነበሮ እሞ፥ እናጐሃየ ኸደ።

ኢየሱስ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ሃብታም ሰብ ናብ መንግስቲ ኣቦና ክኣቱ ኣፀጋሚ እዩ። ከም ብሓድሽ ድማ እብለኩም ኣለኹ፥ ካብ ሃብታም ሰብ ናብ መንግስቲ ኣቦና ምእታው፥ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል” በሎም።

ደቀ መዛሙርቱ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ እምብዛ ተገሪሞም “እምበኣር መን እዩ ክድሕን ዝኽእል?” ኢሎም ጠየቑ።

ኢየሱስ ድማ ጠሚቱ “እዙይ ንሰብ ዘይከኣል እዩ፤ ንኣቦና ግና ኵሉ ይከኣል እዩ” በሎም።

ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ “እንሆ፥ ንሕና ኵሉ ሓዲግና ተኸተልናካ፤ እምበኣር እንታይ ክንረክብ ኢና?” በሎ።

ኢየሱስ ድማ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ በቲ ሓድሽ ትውልዲ፥ ወዲ ሰብ ኣብ ዙፋን ክብሩ ምስ ተቐመጠ፥ ንስኻትኩም እቶም ዝተኸተልኩምኒ ድማ ኣብ ዓሰርተ ክልተ ዙፋናት ተቐሚጥኩም፥ ነተን ዓሰርተ ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርድዎም ኢኹም።

“ኵሉ ምእንቲ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ ወይ ኣሕዋት ወይ ኣሓት ወይ ኣቦ ወይ እኖ ወይ ውሉድ ወይ ግራውቲ ዝሓደገ፥ ሚእቲ ኢድ ክረክብ እዩ፤ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ክወርስ እዩ። ብዙሓት ቀዳሞት ግና ዳሕሮት ክኾኑ እዮም፤ ብዙሓት ዳሕሮትውን ቀዳሞት ክኾኑ እዮም።”