ኣብ መንግስቲ ኣቦ መን ዝዓቢ እዩ?
ኣብ መንግስቲ ኣቦ መን ከም ዝዓቢ ምስ ተሓተ፥ ኢየሱስ ሓደ ቆልዓ ኣብ ማእኸሎም ኣቘመ። ብዛዕባ ንናእሽቱ ምዕንቃፍ የጠንቅቕ፥ ንሓውካ ብሕቡእ ከመይ ከም እትግንሖ ይነግር፥ ብሓደ ብዙሕ ዕዳ ዝተሓደገሉ ባርያ ድማ ይዓፅዎ፤ ንሱ ኸዓ ንሓደ ሰብ ብንእሽተይ ዕዳ ሓነቖ።
18 1በታ ጊዜ እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርት ናብ ኢየሱስ መፂኦም፥ “እምበኣር ኣብ መንግስቲ ኣቦና መን ዝዓቢ እዩ?” ኢሎም ሓተትዎ።
2ሓደ ንእሽተይ ቆልዓ ናብኡ ፀዊዑ፥ ኣብ ማእኸሎም ኣቐመጦ፤
3ከምዙይ ድማ በለ፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እንተ ዘይተመለስኩም ከም ናእሽቱ ቆልዑ ድማ እንተ ዘይኮንኩም፥ ናብ መንግስቲ ኣቦና ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም። 4እምበኣር ነብሱ ከም እዚ ንእሽተይ ቆልዓ ዘዋርድ ዝኾነ፥ ኣብ መንግስቲ ኣቦና ንሱ ዝዓቢ እዩ። 5ከምዙይ ዝበለ ሓደ ንእሽተይ ቆልዓ ብስመይ ዝቕበል ድማ፥ ንኣይ ይቕበል።”
ንናእሽቱ ምዕንቃፍ
6“ካብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዘዕንቅፍ ግና፥ ከቢድ መዲድ ኣብ ክሳዱ ተሰቒሉ፥ ኣብ መዓሙቝ ባሕሪ እንተ ጠሓለ ይሓይሾ።”
7“ብምኽንያት መዐንቀፊ ነገራት ንዓለም ወይለኣ! እቲ መዐንቀፊ ክመፅእ ግድን እዩ፥ ግና ነቲ ዘምፅኦ ሰብ ወይለኡ። 8ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣዐንቀፈትካ፥ ቆሪፅካ ደርብያ። ክልቲአን ኣእዳውካ ወይ ክልቲአን ኣእጋርካ ሒዝካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ ዝድርበ፥ ጕንዱ ወይ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ክትኣቱ ይሓይሽ።” 9ዓይንኻ እንተ ኣዐንቀፈትካ፥ መንቒልካ ደርብያ። ክልቲአን ሒዝካ ናብ ሓዊ ገሃነም ኻብ ዝድርበ፥ ብሓንቲ ዓይኒ ናብ ህይወት ክትኣቱ ይሓይሽ።
ኣቦ ነታ ዝጠፍአት ሓንቲ በጊዕ ይደሊ
10“ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ከይትንዕቕዎ ተጠንቀቑ። እብለኩም ኣለኹ፥ መላእኽቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ንገፅ ኣቦይ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኵልሻዕ ይርእዩ እዮም።” a a v10 እቶም ዝቐደሙ ፅሑፋት ኣብዙይ ፍቕዲ 11 የብሎምን፤ ዳሕረዎት ቅዳሓት ግና ከምዙይ ይውስኹ፦ “ወዲ ሰብ ነቶም ዝጠፍኡ ኼድሕን መፂኡ እዩ።”
12“እንታይ ይመስለኩም? ሓደ ሰብ ሚእቲ በጊዕ እንተልይዎ፥ ካብተን ሓንቲ እንተ ጠፍአት፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ ኣኽራን ገዲፉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክደልያ ዶ ኣይከይድን? 13እንተ ረኺብዋ ኸዓ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ካብተን ዘይጠፍኣ ተስዓን ትሽዓተን ንላዕሊ ብእኣ ይሕጐስ። 14ከምኡ ኸዓ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኽጠፍእ፥ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ፍቓዱ ኣይኮነን።”
ሓውካ እንተ በደለካ
15“ሓውካ ኣባኻ እንተ በደለ፥ ኪድ እሞ ንስኻን ንሱን በይንኹም ኴንኩም በደሉ ንገሮ። ንዓኻ እንተ ሰምዐ፥ ንሓውካ ኣምሊስካዮ ኣለኻ። 16እንተ ዘይሰምዐካ ግና፥ ኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር ምእንቲ ኽፀንዕ፥ ሓደ ወይ ክልተ ካልኦት ምሳኻ ውሰድ። 17ንኣኣቶም እንተ ዘይሰምዐ፥ ነታ ቤተ ክርስቲያን ንገር። ነታ ቤተ ክርስቲያን እውን እንተ ዘይሰምዐ፥ ከም ኣረሜናዊ ወይ ከም ተቐባሊ ቐረፅ ይኹንካ። 18ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይውን እሱር ይኸውን እዩ፥ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይውን ፍቱሕ ይኸውን እዩ። 19ከምኡውን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ካባኻትኩም ክልተ ሰባት ኣብ ምድሪ ብዛዕባ ዝልምንዎ ዝኾነ ነገር እንተ ተሰማምዑ፥ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ክገብረሎም እዩ። 20ክልተ ወይ ሰለስተ ብስመይ ኣብ ሓደ ተኣኪቦም እንተለዉ፥ ኣነ ኣብኡ ኣብ ማእኸሎም ኣለኹ እሞ።”
ይቕረታ ኣቦን ናትናን
21ሽዑ ጴጥሮስ ናብ ኢየሱስ መፂኡ፦ “ኦ ጐይታ! ሓወይ ኣባይ እንተ በደለ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ክብለሉ ኣለኒ? ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕ ዶ?” በሎ።
22ኢየሱስ ድማ፦ “ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕ ዘይኮነስ፥ ክሳዕ ሰብዓን ሸውዓተን ሳዕ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። 23“ስለዙይ መንግስቲ ኣቦና ምስ ሓሻኽሩ ሕሳብ ክገብር ዝደለየ ንጉስ ይመስል። 24ሕሳብ ክገብር ምስ ጀመረ፥ ብዙሕ ገንዘብ ዝዕዳ ሓደ ሰብ ናብኡ ኣምፅእዎ። 25ክኸፍል ስለ ዘይከኣለ ኸዓ፥ ጐይታኡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዅሉን ተሸይጦም እቲ ዕዳ ኽኽፈል ኣዘዘ።”
26እቲ ሓሽከር ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ተምበርኪኹ፥ “ተዓገሰኒ፥ ኵሉ ኸዓ ክመልሰልካ እየ” እናበለ ለመኖ። 27“ጐይታ እቲ ሓሽከር ከዓ ራሕሪሑሉ፥ ለቒቑ ሰደዶ፥ እቲ ዕዳ ድማ ሓደገሉ።”
28“እቲ ሓሽከር እቱይ ከዓ ወፂኡ፥ ካብኡ ሚእቲ መዓልቲ ዓስቢ ዝዕዶ ሓደ ብፃዩ ሓሽከር ረኺቡ፥ ሒዙ ኽሓንቆ ጀመረ፤ ‘ዕዳኻ ክፈለኒ!’ ድማ በሎ።”
29ብፃዩ ሓሽከር ከዓ ተምበርኪኹ፥ “ተዓገሰኒ፥ ክመልሰልካ እየ” እናበለ ለመኖ። 30“ንሱ ግና ኣበየ፥ ከይዱ ኸዓ ክሳዕ እቲ ዕዳ ዝኸፍሎ ናብ ቤት ማእሰርቲ ደርበዮ። 31ብፆቱ ሓሻኽር ከዓ እቲ ዝኾነ ርእዮም የመና ሓዘኑ፥ ከይዶም ድማ እቲ ዝኾነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ።”
32ሽዑ ጐይታኡ ፀዊዑ ከምዙይ በሎ፦ “ኣታ እኩይ ሓሽከር! ስለ ዝለመንካኒ እቲ ዅሉ ዕዳ ሓደግኩልካ። 33ከምቲ ኣነ ዝራሕራሕኩልካ፥ ንስኻ ድማ ንብፃይካ ሓሽከር ክትርህርሃሉ ኣይግበኣካን ዶ ነይሩ? 34ጐይታኡ ኸዓ ተቘጢዑ፥ ክሳዕ እቲ ዅሉ ዕዳ ዝመለሶ ናብቶም ሳቀይቲ ኣሕሊፉ ሃቦ። 35ነፍሲ ወከፍኩም ንሓዉ ካብ ልቡ እንተ ዘይሓደገሉ፥ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ክገብረኩም እዩ።”