ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንመልእኽተኛኡ ይሰድድ

እቲ ዝሓፀረን ዝቐልጠፈን ወንጌል፥ ንኢየሱስ ከም እቲ መከራ ዝተቐበለ ኣገልጋሊ ዝገልፅ፥ ንሱ ከዓ፥ “ክግልገል ዘይኮነስ ከገልግል፥ ህይወቱ ድማ ቤዛ ብዙሓት ክህብ” ኢሉ ዝመፀ።

ምዕራፍ 1።

መጀመርታ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣቦና። a a v1 ገሊኦም ጥንታውያን ቅዳሓት፥ “ወዲ ኣቦና” ዝብል የብሎምን። ከምቲ ኣብ ነቢይ ኢሳይያስ ተፅሒፉ ዘሎ፦ “እንሆ፥ ነቲ መንገድኻ ዘዳሉ መልእኽተኛይ ኣብ ቅድሜኻ እሰድዶ ኣለኹ። ኣብ በረኻ ዝእውጅ ድምፂ ኣዋጅ ነጋሪ፦ ‘መንገዲ እግዚኣብሄር ኣዳልዉ፥ ጐደናታቱ ኣቕንዑ።’”

ዮሃንስ ኣብ በረኻ እናጥመቐ ተራእየ፤ ንሕድገት ሓጢኣት ድማ ናይ ንስሃ ጥምቀት ኣወጀ። ኵሎም ሰብ ይሁዳን ኵሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ድማ ናብኡ ወፁ፤ ሓጢኣቶም እናተናዘዙ ኸዓ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ኣጥመቖም። ዮሃንስ ከዓ ኻብ ፀጕሪ ግመል ዝተሰርሐ ክዳን ተኸዲኑ፥ ኣብ ሕቘኡ ድማ ፈልቊ ቘርበት ተዓጢቑ ነበረ፤ ኣንበጣን መዓር ፅዴናን ድማ ይበልዕ ነበረ። ከምዙይ ኢሉ ድማ ኣወጀ፦ “ብድሕረይ ካባይ ዝሕይል ይመፅእ ኣሎ፤ ኣነ ኣድኒነ መእሰሪ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ኣይበቅዕን እየ። ኣነስ ብማይ ኣጥሚቐኩም እየ፤ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ከጥምቐኩም እዩ።”

ኣቦ ኣብ ልዕሊ ወዱ ይዛረብ

በተን መዓልቲታት እቲኣተን ኢየሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መፀ፤ ብዮሃንስ ከዓ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠመቐ። ሽዑ ብኡብኡ ኻብቲ ማይ ክወፅእ እንተሎ፥ ሰማያት ክቕደድ፥ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኸም ርግቢ ናብ ልዕሊኡ ክወርድ ረአየ።

ካብ ሰማይ ድማ ድምፂ መፀ፦ “ፍቑር ወደይ ንስኻ ኢኻ፤ ብኣኻ ባህ ይብለኒ።”

ብኡብኡ ድማ መንፈስ ቅዱስ ናብ በረኻ ኣውፅኦ። ኣብ በረኻ ኸዓ ብሰይጣን እናተፈተነ፥ ምስ ኣራዊት በረኻ ኾይኑ ኣርብዓ መዓልቲ ፀንሐ፤ መላእኽቲ ድማ ኣገልገልዎ።

ዮሃንስ ምስ ተኣስረ ድማ ኢየሱስ ናብ ገሊላ መፂኡ፥ ወንጌል ኣቦና ይሰብኽ ነበረ፥

ከምዙይ ድማ በለ፦ “እታ ጊዜ ተፈፂማ ኣላ፥ መንግስቲ ኣቦናውን ቀሪባ ኣላ፤ ተነስሑ ብወንጌል ድማ እመኑ።”

ኢየሱስ ንቐዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ይፅውዕ

ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ክሓልፍ እንተሎ፥ ንስምኦንን ንሓዉ እንድርያስን መርበብ ኣብ ባሕሪ ክድርብዩ ረአዮም፤ ገፈፍቲ ዓሳ ነይሮም እዮም እሞ።

ኢየሱስ ድማ “ንዑ ተኸተሉኒ፥ ገፈፍቲ ሰብ ድማ ክገብረኩም እየ” በሎም።

ብኡብኡ ድማ መርበቦም ሓዲጎም ተኸተልዎ።

ቁሩብ ንቕድሚት ምስ ከደ ኸዓ፥ ንያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ንሓዉ ዮሃንስን ኣብ ጃልባኦም ኾይኖም መርበቦም ከዐርዩ ረአዮም። ብኡብኡ ድማ ፀውዖም፤ ንኣቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ዕሱባት ኣብ ጃልባ ሓዲጎም ከዓ ተኸተልዎ።

ስልጣን ኣብ ልዕሊ ፀልማት

ናብ ቅፍርናሆም ከዓ ኸዱ። ብኡብኡ ድማ ብሰንበት ናብ ቤተ ፀሎት ኣትዩ ክምህር ጀመረ። ከምቶም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ፥ ከም ስልጣን ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፥ ብትምህርቱ ተገረሙ። ብኡብኡ ኸዓ ኣብቲ ቤተ ፀሎቶም ርኹስ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ ነበረ፤ ዓው ኢሉ ድማ ጨርሐ። ኣታ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ምሳና እንታይ ኣለካ? ከተጥፍኣና ዲኻ መፂእኻ? መን ምዃንካ እፈልጥ ኣለኹ፦ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሄር ኢኻ!

ኢየሱስ ግና “ሱቕ በል፥ ካብኡ ድማ ውፃእ!” ኢሉ ገሰፆ።

እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ ኣንፈርዓፆ፥ ዓው ኢሉ ጨሪሑ ኸዓ ካብኡ ወፀ። ኵሎም ድማ ተገረሙ፤ ንስንሳቶም ከዓ “እዙይስ እንታይ እዩ? ሓድሽ ትምህርቲ ብስልጣን! ንርኹሳት መናፍስቲ እኳ ይእዝዞም፥ ንሳቶም ድማ ይእዘዝዎ!” ኢሎም ተጠያየቑ። ዝናኡ ድማ ብኡብኡ ናብ ኵሉ ዙርያ ሃገር ገሊላ ተዘርግሐ።

ፈውሲ ናብ ቤት ስምኦን ይመፅእ

ብኡብኡ ኸዓ ካብ ቤተ ፀሎት ወፂኡ፥ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ ቤት ስምኦንን እንድርያስን ከደ። ሓማት ስምኦን ከዓ ብረስኒ ሓሚማ ደቂሳ ነበረት፤ ብኡብኡ ድማ ብዛዕባኣ ነገርዎ። ቀሪቡ ድማ ኢዳ ሒዙ ኣተስኣ፤ እቲ ረስኒ ኸዓ ሓደጋ፥ ንሳ ድማ ኣገልገለቶም።

ምሸት ምስ ኮነ፥ ፀሓይ ምስ ዓረበት ከዓ፥ ንዅሎም ሕሙማትን ብኣጋንንቲ ዝተሳቐዩን ናብኡ ኣምፅእዎም። ኵላ እታ ኸተማ ድማ ኣብቲ ኣፍደገ ተኣከበ። ብዝተፈላለየ ሕማም ዝሓመመ ብዙሕ ሰብ ኣሕወየ፥ ብዙሓት ኣጋንንቲ ድማ ኣውፅአ፤ ነቶም ኣጋንንቲ ኸዓ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም እሞ፥ ክዛረቡ ኣይሓደጎምን።

ኢየሱስ ክፅሊ ይግለል

ገና ፀልማት እንተሎ፥ ኣንጊሁ ተሲኡ ናብ ፅምዊ ቦታ ወፀ፤ ኣብኡ ኸዓ ፀለየ። ስምኦንን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ድማ ደለይዎ፥ ምስ ረኸብዎ ኸዓ “ኵሉ ይደልየካ ኣሎ” በልዎ።

ንሱ ድማ “ኣብኡውን ክሰብኽ፥ ናብ ካልእ ቦታ፥ ናብተን ጐረባብቲ ኸተማታት ንኺድ፤ ንእኡ እየ መፂአ እሞ” በሎም።

ኣብ ኣብያተ ፀሎቶም እናሰበኸን ኣጋንንቲ እናውፅአን ከዓ ናብ ኵሉ ገሊላ ከደ።

እቲ ለምፃም ነፅሀ

ሓደ ለምፃም ድማ መፂኡ፥ ተምበርኪኹ፥ “እንተ ፈቐድካ፥ ከተንፅሃኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ለመኖ።

ኣዝዩ ራሂርሁ ድማ፥ ኢዱ ዘርጊሑ ተንኪፍዎ፥ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ” ድማ በሎ።

ብኡብኡ ድማ እቲ ለምፂ ሓደጎ፤ ነፂሁ ኸዓ። ኣትሪሩ ኣጠንቂቑ ድማ ብኡብኡ ሰደዶ፤

ከምዙይ ኢሉ ኸዓ በሎ፦ “ንሓደ እኳ ኸቶ ኣይትንገር፤ ኪድ ደኣ፥ ንርእስኻ ንካህን ኣርኢ፥ ምእንቲ ምንፃህ ድማ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኣቕርብ፤ እዙይ ንህዝቢ ምስክር ይኹኖም።”

ንሱ ግና ወፂኡ ነቲ ነገር ኣበርቲዑ ኣወጀ፤ እቲ ወረ ድማ ኣስፋሕፈሖ። ስለዙይ ኢየሱስ ኣብ ዝኾነ ኸተማ ብግልፂ ኽኣቱ ኣይከኣለን፤ ኣብ በረኻ ቦታታት ደኣ ይቕመጥ ነበረ እምበር። ካብ ኵሉ ወገን ከዓ ህዝቢ ናብኡ ይመፅእ ነበረ።