ኣቦ ንወዱ የተስኦ
እተን ኣንስቲ ኣንጊሄን ናብ መቓብር በፂሐን ተኸፊቱ ረኸባኦ፥ እቶም ሓለውቲ ኸም ምዉታት ኮይኖም፥ መልኣኽ ከዓ ኣቦኡ ኸም ዘተሰኦ ይነግር። እቶም ወታደራት ነቲ ሬሳ ኸም ዝተሰርቐ ኺብሉ ተኸፍሉ። ኣብ እምባ ገሊላ ገሊኦም ገና ይጠራጠሩ፥ ኰይኑ ግና ኵሎም ናብ ኵሉ ህዝቢ ተልኣኹ።
28 1ድሕሪ ሰንበት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ክወግሕ እንተሎ፥ ማርያም መግደላዊትን እታ ኻልአይቲ ማርያምን ነቲ መቓብር ክርእያ መፃ። 2ብድንገት ድማ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኮነ፤ መልኣኽ ኣቦና ኻብ ሰማይ ወሪዱ፥ ነቲ እምኒ ገምጢሉ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። 3ትርኢቱ ኸም መብረቕ ነበረ፤ ክዳኑ ድማ ከም በረድ ፃዕዳ ነበረ። 4እቶም ሓለውቲ ድማ ብፍርሃቱ ኣንቀጥቀጡ፥ ከም ምዉታትውን ኮኑ። 5እቲ መልኣኽ ግና ነተን ኣንስቲ ኸምዙይ በለን፦ “ኣይትፍርሓ፤ ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ትደልያ ኸም ዘለኽን እፈልጥ ኣለኹ እሞ። 6ኣብዙይ የለን፤ ከምቲ ዝበሎ ተሲኡ እዩ። ንዓ፥ ነቲ ደቂሱ ዝነበረ ቦታ ርኣያ። 7ቀልጢፍክን ኪዳ፥ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ከምዙይ ኢልክን ንገራኦም፦ ‘ካብ ምዉታት ተሲኡ እዩ። እንሆ፥ ናብ ገሊላ ይቕድመኩም ኣሎ፤ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም።’ ስምዓ፥ ነጊረክን ኣለኹ።”
8ንሳተን ድማ ብፍርሃትን ብዓብዪ ሓጐስን ቀልጢፈን ካብቲ መቓብር ወፃ፥ ንደቀ መዛሙርቱ ኽነግራኦም ጐየያ።
9ኢየሱስ ድማ ብድንገት ተራኸበን እሞ “ሰላም!” በለን። ንሳተን ከዓ ቀሪበን ኣእጋሩ ሓዛ፥ ሰገዳሉ። 10ሽዑ ኢየሱስ ከምዙይ በለን፦ “ኣይትፍርሓ፤ ኪዳ፥ ነሕዋተይ ናብ ገሊላ ክኸዱ ንገራኦም፤ ኣብኡ ኽርእዩኒ እዮም።”
ናይ እቶም ሓለውቲ ናይ ሓሰት ወረ
11ንሳተን ኣብ መንገዲ እንተለዋ ድማ፥ ገሊኦም ሓለውቲ ናብታ ኸተማ ኣትዮም፥ እዝ ዅሉ ዝኾነ ነገር ነቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ነገርዎም። 12ምስ ዓበይቲ ተኣኪቦም ምኽሪ መኺሮም ድማ፥ ነቶም ተዋጋእቲ ብዙሕ ገንዘብ ሃብዎም፥ 13ከምዙይ ኢሎም በልዎም፦ “ ‘ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መፂኦም፥ ንሕና ደቂስና እንተለና ሰረቕዎ’ በሉ። 14እዝ ነገር እዙይ ናብ ኣመሓዳሪ እንተ በፂሑ፥ ንሕና ክንሓባብሎ፥ ንኣኻትኩምውን ካብ ጭንቂ ነፃ ክንገብረኩም ኢና።” 15ንሳቶም ድማ ነቲ ገንዘብ ወሲዶም ከምቲ እተኣዘዝዎ ገበሩ፤ እዝ ወረ እዙይ ከዓ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእኸል ኣይሁድ ተዘርግሐ።
ኣቦ ንዅሎም ኣህዛብ ዝሃቦ ተልእኾ
16እቶም ዓሰርተ ሓደ ደቀ መዛሙርቲ ድማ፥ ናብ ገሊላ፥ ናብቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም እምባ ኸዱ። 17ምስ ረአይዎ ድማ ሰገዱሉ፥ ገሊኦም ግና ተጠራጠሩ።
18ኢየሱስ ድማ ቀሪቡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ እዩ። 19ስለዙይ ኪዱ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም፥ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩምዎም፥ a a v19 እቲ ስም ሓደ እዩ፦ ሓደ ስም፥ ሰለስተ ኣካላት — ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን። 20ዝኣዘዝኩኹም ዅሉ ኽሕልዉ ድማ ምሃርዎም። እንሆ፥ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵልሻዕ ምሳኻትኩም እየ።”