ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሕጊ መስዋእቲ በደል

መስዋእቲ በደልን መስዋእቲ ሰላምን ብዝርዝር ቀሪቡ፦ ስጋ ምስጋና በታ መዓልቲ እቲኣ ይበላዕ፥ መብፅዓ ዝቐረበ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ፥ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ዅሉ ኸዓ ብሓዊ ይቃፀል። ስብሒ ወይ ደም ምብላዕ፥ ወይ ረኺስካ ምብላዕ፥ ንሰብ ካብ ህዝቡ ይቘርፆ፤ ሓኸለን የማናይ እግርን ናይ ካህናት እዮም።

ምዕራፍ 7።

“ሕጊ መስዋእቲ በደል እዙይ እዩ። ኣዝዩ ቅዱስ እዩ። ኣብታ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ፥ ነቲ መስዋእቲ በደል ይሕረዱ፤ ነቲ ደሙ ኸዓ ኣብ ኵሉ ወገን እቲ መሰውኢ ንፀጉ። ኵሉ ስብሑ ይቀርብ፦ እቲ ሕልሕል፥ ንናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ስብሒ፥ ክልቲኡ ዅላሊትን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሖምን፥ ምስ ዅላሊት ዝልዓል ቃንጡጥ ከብድን። እቲ ኻህን ድማ ንኣቦና ናይ ሓዊ ቝርባን ገይሩ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎም፤ መስዋእቲ በደል እዩ። ካብ ካህናት ዝኾነ ተባዕታይ ይብልዓዮ፤ ኣብ ቅዱስ ቦታ ጥራሕ ይበላዕ፤ ኣዝዩ ቅዱስ እዩ።

“እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእን መስዋእቲ በደልን ሓደ ሕጊ ኣለወን፤ ነቲ ብእኡ ዘስተስሪ ካህን ይኹን። እቲ ናይ ዝኾነ ሰብ ዝቃፀል መስዋእቲ ዘቕርብ ካህን፥ ቈርበት እቲ መስዋእቲ ንባዕሉ ይውሰዶ። ኵሉ ኣብ እቶን ዝተሰንከተ ቝርባን እኽሊ፥ ኵሉ ኸዓ ኣብ ቍራዕ ወይ ኣብ መቝሎ ዝተገብረ፥ ነቲ ዘቕርቦ ካህን ይኹን። ኵሉ ቝርባን እኽሊ፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ኾነ ንቑፅ፥ ንኵሎም ደቂ ኣሮን ማዕረ ይኹን።

ሕጊ መስዋእቲ ምስጋና

“ዝኾነ ሰብ ንኣቦና ዘቕርቦ መስዋእቲ ምስጋና ሕጊ እዙይ እዩ። ንምስጋና ገይሩ እንተ ኣቕረቦ፥ ምስኡ ብዘይቲ ዝተለወሰ ዘይበዅዐ ቕጫታትን፥ ዘይቲ ዝተለኸየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን፥ ብዘይቲ ፅቡቕ ለዊስካ ዝተገብረ ልሑም ሕሩጭ ቕጫታትን የቕርብ። ምስ መስዋእቲ ምስጋናኡ ዝበዅዐ ሕብስቲ የምፅእ። ካብ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ሓደ፥ ንኣቦና ፍሉይ መባእ ገይሩ የቕርብ፤ ነቲ ደም መስዋእቲ ምስጋና ዝንፅግ ካህን ይኹን። ስጋ መስዋእቲ ምስጋናኡ በታ ዝቐረበትሉ መዓልቲ ይበላዕ፤ ካብኡ ሓደ እኳ ኽሳዕ ንግሆ ኣይተትርፉ።

“መስዋእቱ መብፅዓ ወይ ብፍቓዱ ዝቐረበ እንተ ኾይኑ ግና፥ በታ ዘቕረበላ መዓልቲ ይበላዕ፤ እቲ ዝተረፈ ኸዓ ንፅባሒቱ ይበላዕ። ካብቲ ስጋ መስዋእቲ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ይቃፀል። ካብ ስጋ መስዋእቲ ምስጋናኡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዐ፥ ኣይቅቡልን እዩ፤ ነቲ ዘቕረቦ ኣይቑፀረሉን፤ ዘፀይፍ እዩ፤ እቲ ዝበልዖ ኸዓ በደሉ ይፅዋር።

“ርኹስ ነገር ዝነኸአ ስጋ ኣይብላዕ፤ እቲ ስጋ ብሓዊ ይቃፀል። እቲ ስጋ ግና ንፁህ ዝኾነ ዅሉ ይብልዓዮ። ረኺሱ እንተሎ ኻብ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ኣቦና ዝበልዐ ሰብ ግና፥ ካብ ህዝቡ ይቚረፅ። a a v20 ‘ካብ ህዝቢ ምቚራፅ’ ማለት፥ ካብ ማሕበር ኪዳን እስራኤል ምግላል ማለት እዩ፤ ምናልባሽ ብፍርዲ እግዚኣብሄር ወይ ብግብሪ እታ ማሕበር ዝፍፀም እዩ። ርኹስ ነገር ዝነኸአ ዅሉ፥ ርኽሰት ሰብ ኮነ፥ ርኹስ እንስሳ ኾነ፥ ወይ ዝኾነ ርኹስ ዘፀይፍ ነገር ነኺኡ፥ ካብ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ኣቦና እንተ በልዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይቚረፅ።”

ኣቦ ስብሕን ደምን ይኽልክል

ኣቦና ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦

“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ካብ ብዕራይ ኮነ ኻብ በጊዕ ወይ ካብ ጤል ዝኾነ ስብሒ ኣይትብልዑ። ስብሒ ገምቢ ወይ ኣራዊት ዝሰባበሮ እንስሳ ንዝኾነ ነገር የገልግል፤ ፈፂምኩም ግና ኣይትብልዑዎ። ካብቲ ብሓዊ ዝቐረበለይ እንስሳ ስብሒ ዝበልዐ ዅሉ፥ ካብ ህዝቡ ይቚረፅ። ኣብ ኵሉ እትነብርዎ፥ ካብ ዑፍ ኮነ ኻብ እንስሳ፥ ዝኾነ ደም ፈፂምኩም ኣይትብልዑ። ዝኾነ ደም ዝበልዐ ዅሉ ሰብ፥ ካብ ህዝቡ ይቚረፅ።”

ግደ ኻህናት

ኣቦና ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦

“ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ንኣይ መስዋእቲ ምስጋናኡ ዘቕርብ ዅሉ፥ ካብቲ መስዋእቲ እቱይ መባኡ ናባይ የምፅእ። ናይ ሓዊ ቝርባነይ ብኣእዳዉ የምፅእ፤ ነቲ ስብሒ ምስ ሓኸለ የምፅኦ፤ ነቲ ሓኸለ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዘ ኸም መስዋእቲ ኸቕርቦ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ስብሒ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ፤ እቲ ሓኸለ ግና ናይ ኣሮንን ደቁን ይኹን። ካብ መስዋእቲ ምስጋናኹም ድማ፥ የማናይ እግሪ ፍሉይ መባእ ገይርኩም ንካህን ሃቡ። ካብ ደቂ ኣሮን ነቲ ደምን ስብሕን መስዋእቲ ምስጋና ዘቕርብ፥ የማናይ እግሪ ኸም ግዴኡ ይውሰዶ። ነቲ ዝውዝወዝ ሓኸለን ነቲ ፍሉይ መባእ ዝኾነ እግርን፥ ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኤል ወሲደ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ናይ ዘለኣለም ግዴኦም ገይረ ንካህን ኣሮንን ደቁን ሂበዮም እየ።”

ካብቲ ናይ ሓዊ ቝርባን ኣቦና፥ ግደ ኣሮንን ደቁን እዙይ እዩ፤ ንኣቦና ኸም ካህናት ኮይኖም ከገልግሉ ኻብ ዝቐረቡላ መዓልቲ ጀሚሩ። ኣቦና በታ ዝቐብኦም መዓልቲ፥ እዙይ ካብ ደቂ እስራኤል ክወሃቦም ኣዘዘ፤ ንዅሉ ውሉድ ወለዶኦም ናይ ዘለኣለም ግዴ እዩ። ናይ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእትን መስዋእቲ በደልን መስዋእቲ ምቕባል ክህነትን መስዋእቲ ምስጋናን ሕጊ እዙይ እዩ፥ ነዙይ ኣቦና በታ ንደቂ እስራኤል ኣብ በረኻ ሲና መባኦም ንኣቦና ኸቕርቡ ዝኣዘዘሎም መዓልቲ፥ ኣብ ከረን ሲና ንሙሴ ዝኣዘዞ እዩ።