ኣቦ ንካህናቱ ይቕድስ
ሙሴ ንኣሮንን ንደቁን ሓፀቦም፥ ኣልበሶም፥ ቀብኦም፥ ኣብ የማናይ እዝኖም፥ ዓባይ ዓባ ኢዶምን ዓባይ ዓባ እግሮምን ከዓ ደም ገበረሎም፥ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ንሸውዓተ መዓልቲ ቀደሶም። ባዕልቶም ንርእሶም ኣይመረፁን፤ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ኣቦና ክግበር ዝኣዘዞ እዩ።
8 1ኣቦና ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦
2“ንኣሮንን ምስኡ ንደቁን፥ ነቲ ኣልባስን መቕብኢ ዘይትን፥ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕን፥ ነቶም ክልተ ማጓሉን፥ ነቲ መሶብ ዘይበዅዐ ቕጫን ውሰድ፤ 3ንብዘሎ ማሕበር ከዓ ኣብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ኣክብ።”
4ሙሴ ኸዓ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዞ ገበረ፤ እቲ ማሕበር ድማ ኣብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ተኣከበ። 5ሙሴ ድማ ነቲ ማሕበር “እዝ ኣቦና ክግበር ዝኣዘዞ ነገር እዙይ እዩ” በሎም። 6ሽዑ ሙሴ ንኣሮንን ንደቁን ኣቕሪቡ፥ ብማይ ሓፀቦም። 7ነቲ ቀሚሽ ውሽጢ ንኣሮን ከደኖ፤ ብቕናት ኣዕጠቖ፤ ነቲ ቀሚሽ ላዕሊ ኣልበሶ፤ ነቲ ኤፉድ ገበረሉ፤ በቲ ብብልሓት ዝተኣልመ ቕናት ኤፉድ ኣዕጢቑ ኸዓ ኣሰሮ። 8ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኣብ ልዕሊኡ ገበረ፤ ኣብቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኸዓ ነቲ ኡሪምን ቱሚምን ገበረ። a a v8 ኡሪምን ቱሚምን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዝዕቀቡ፥ ኣብ ኣገደስቲ ውሳነታት ድማ መምርሒ እግዚኣብሄር ንምሕታት ዝግልገሉ ቅዱሳት ኣቑሑ ነበሩ። 9ኣብ ርእሲ ኣሮን ድማ መጠምጠምያ ገበረሉ፤ ኣብ ቅድሚት እቲ መጠምጠምያ ኸዓ ነቲ ወርቂ ገይፂ፥ እቲ ቕዱስ ኣኽሊል፥ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረሉ። 10ሽዑ ሙሴ መቕብኢ ዘይቲ ወሲዱ፥ ነቲ መቕደስን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ቀብአ፤ ቀደሶም ድማ። 11ካብኡ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ሸውዓተ ሻዕ ነፀገ፤ ነቲ መሰውእን ኵሉ ኣቑሑኡን፥ ነቲ ገበራ ምስ ኣጋሮኡን ክቕድሶም ቀብኦም። 12ካብ መቕብኢ ዘይቲ ኸዓ ኣብ ርእሲ ኣሮን ኣፍሰሰ፤ ክቕድሶ ድማ ቀብኦ። b b v12 ኣሮን ሊቀ ካህናት ኮይኑ ምቅባኡ፥ ናብ ኢየሱስ፥ ነቲ ኣቦና ንውሉዱ ናብኡ ምእንቲ ኼቕርብ ዝቐብኦ ዓብዪ ሊቀ ካህናት የመልክት። 13ሽዑ ሙሴ ንደቂ ኣሮን ኣቕሪቡ፥ ቐማውሽ ከደኖም፤ ቅናውቲ ኣዕጠቖም፤ ኣብ ርእሶም ከዓ ቖብዕ ገበረሎም፤ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ።
14ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ኣቕረበ፤ ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ርእሱ ኣንበሩ። 15ሙሴ ኸዓ ሓረዶ፤ ነቲ ደም ወሲዱ ድማ ብኣፃብዕቱ ኣብ ኵሉ ቀርኒ እቲ መሰውኢ ልኸዮ፤ ነቲ መሰውኢ ድማ ኣንፀሆ። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ፤ ከፅልለሉ ድማ ነቲ መሰውኢ ቀደሶ። 16ነቲ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዘሎ ዅሉ ስብሕን ቃንጡጥ ከብድን፥ ክልቲኡ ዀላሊት ምስ ስብሖምን ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣቃፀሎ። 17ነቲ ዝራብዕ ግና፥ ቈርበቱን ስጋኡን ፈርሱን፥ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ካብቲ ሰፈር ኣውፂኡ ብሓዊ ኣቃፀሎ።
18ነቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ማጕላ ኣቕረበ፤ ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ርእሱ ኣንበሩ። 19ሙሴ ኸዓ ሓረዶ፤ ነቲ ደም ድማ ኣብ ኵሉ ወገን እቲ መሰውኢ ነፀጎ። 20ነቲ ማጕላ በብብልዕቱ ቘራረፆ፤ ነቲ ርእስን ነቲ ቑርራፅን ስብሕን ድማ ኣቃፀሎ። 21ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላትን ኣእጋርን ብማይ ሓፀቦ፤ ነቲ ብምሉኡ ማጕላ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣቃፀሎ፤ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ጥዑም ጨና፥ ናይ ሓዊ ቝርባን ንኣቦና ኾነ፤ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ።
22ነቲ ኻልኣይ ማጕላ፥ ነቲ ናይ ምቕባል ክህነት ማጕላ ኣቕረበ፤ ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ርእሱ ኣንበሩ። 23ሙሴ ኸዓ ሓረዶ፤ ካብ ደሙ ወሲዱ ድማ፥ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኒ ኣሮንን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ገበሮ። 24ሙሴ ንደቂ ኣሮን ኣቕረበ፤ ካብ ደም ድማ ኣብ የማነይቲ መስቈር ኣእዛኖምን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኣእዳዎምን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኣእጋሮምን ገበረ፤ ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ ኵሉ ወገን እቲ መሰውኢ ነፀጎ። 25ነቲ ስብሕን እቲ ሕልሕልን፥ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዘሎ ዅሉ ስብሕን፥ ቃንጡጥ ከብድን፥ ክልቲኡ ዀላሊት ምስ ስብሖምን፥ የማነይቲ እግርን ወሰደ። 26ካብቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዘሎ መሶብ ዘይበዅዐ ቕጫ ኸዓ፥ ሓደ ቕጫን፥ ዘይቲ ዝተለወሶ ሓደ ቕጫን፥ ሓደ ረቂቕ ቅጫን ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ስብሕን የማነይቲ እግርን ኣንበሮም። 27ነዝ ዅሉ ኣብ ኢድ ኣሮንን ኣብ ኢድ ደቁን ገበሮ፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ድማ እናወዝወዘ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወዝወዞ። 28ሙሴ ኸዓ ካብ ኣእዳዎም ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎም፤ ናይ ምቕባል ክህነት መስዋእቲ፥ ጥዑም ጨና፥ ናይ ሓዊ ቝርባን ንኣቦና ነበረ። 29ሙሴ ነቲ ሓኸለ ወሲዱ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና እናወዝወዘ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወዝወዞ፤ ካብቲ ናይ ምቕባል ክህነት ማጕላ ድማ ግዴ ሙሴ ነበረ፤ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዞ። 30ሙሴ ኸዓ ካብ መቕብኢ ዘይትን ካብ ኣብ መሰውኢ ዝነበረ ደምን ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ኣብ ልዕሊ ኣልባሱን፥ ኣብ ልዕሊ ደቁን ኣብ ልዕሊ ኣልባሶምን ነፀጎ። ከምዙይ ገይሩ ከዓ ንኣሮንን ንኣልባሱን፥ ንደቁን ንኣልባሶምን ቀደሶም።
31ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ በሎም፦ “ነቲ ስጋ ኣብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ኣብስልዎ፤ ‘ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ’ ኢለ ኸም ዝኣዘዝኩ፥ ካብቲ ኣብ መሶብ ናይ ምቕባል ክህነት መስዋእቲ ዘሎ ቕጫ ጌርኩም ኣብኡ ብልዕዎ። 32ካብቲ ስጋን ካብቲ ቕጫን ዝተረፈ ኵሉ ኸዓ፥ ብሓዊ ኣቃፅልዎ። 33ናይ ምቕባል ክህነትኩም መዓልቲታት ክሳዕ ዝውዳእ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ካብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ኣይትውፁ፤ መዓርግ ክህነትኩም ክሳዕ ዝፍፀም ሸውዓተ መዓልቲ እዩ እሞ። 34ከምቲ ሎሚ ዝተገብረ፥ ምእንቲ ኽፅልለልኩም ኣቦና ክግበር ኣዚዙ እዩ። 35ከይትሞቱ ድማ፥ ትእዛዝ ኣቦና እናሓለኹም፥ ሸውዓተ መዓልቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ተቐመጡ፤ ከምዙይ እየ ተኣዚዘ።” 36ኣሮንን ደቁን ድማ ኣቦና ብኢድ ሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ።