ክብሪ ኣቦና ይግለፅ
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኣሮን ንባዕሉ መጀመርታ፥ ድሕሪኡ ኸዓ ንህዝቢ፥ ልክዕ ከምቲ ዝተኣዘዞ የቕርብ። ባረኾም ድማ፥ ክብሪ ኣቦና ኸዓ ተገልፀ — ሓዊ ወፂኡ ነቲ መስዋእቲ በልዖ፥ ብዘሎ ህዝቢ ድማ ብሓጐስ ኣእወየ፥ ብገፆምውን ወደቑ።
9 1ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ሙሴ ንኣሮንን ንደቁን ንዓበይቲ እስራኤልን ፀውዐ። 2ንኣሮን ከዓ ከምዙይ በሎ፦ “ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ጣዕዋ ብዕራይን ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ማጕላን፥ ክልቲኦም ጐደሎ ዘይብሎም ንኣኻ ውሰድ፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ድማ ኣቕርቦም። 3ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዙይ በሎም፦ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዲበላ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ከዓ ዓመት ዝገበረ ጣዕዋን ጡቦት በጊዕን፥ ጐደሎ ዘይብሎም ውሰዱ፤ 4ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክትስውእዎ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ብዕራይን ማጕላን፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ መስዋእቲ እኽልን ድማ ውሰዱ፤ ሎሚ ኣቦና ክግለፀልኩም እዩ እሞ።”
5ነቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ድማ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣምፅእዎ፤ ኵሉ እቲ ማሕበር ከዓ ቀሪቡ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ደው በለ። 6ሙሴ ኸዓ “ክብሪ ኣቦና ምእንቲ ክግለፀልኩም፥ ነቲ ኣቦና ዝኣዘዞ ግበሩ” በለ። 7ሙሴ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ናብ መሰውኢ ቅረብ፤ ናትካ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእትን ዝቃፀል መስዋእትን ኣቕሪብካ ንባዕልኻን ነቲ ህዝብን ኣስተስሪ። ነቲ ናይ ህዝቢ መስዋእቲ ኣቕሪብካ ኸዓ፥ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዞ፥ ኣስተስርየሎም።”
8ኣሮን ድማ ናብ መሰውኢ ቀሪቡ፥ ነቲ ንባዕሉ ዝኸውን፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ጣዕዋ ሓረዶ። 9ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደም ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣፃብዕቱ ኣብኡ ጠሚዑ፥ ኣብ ኣቕርንቲ መሰውኢ ገበሮ፤ ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ መሰውኢ ኣፍሰሶ። 10ነቲ ስብሕን ዅላሊትን ቃንጡጥ ከብድን ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ግና፥ ከምቲ ኣቦና ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ። 11ነቲ ስጋን ቘርበትን ከዓ ኣብ ወፃኢ እቲ ሰፈር ብሓዊ ኣቃፀሎ። 12ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ ሓረዶ። ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደም ኣረከብዎ፤ ንሱ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ነፀጎ። 13ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ በብኽፍሉ ምስ ርእሱ ኣረከብዎ፤ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ። 14ነቲ ኣምዑትን ኣእጋርን ድማ ሓፂቡ፥ ምስቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ። 15ነቲ ናይ ህዝቢ መስዋእቲ ድማ ኣቕረበ፤ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቶም ዝስዋእ ዲበላ ወሲዱ ሓረዶ፤ ከምቲ ቀዳማይ ከዓ ምእንቲ ሓጢኣት ኣቕረቦ። 16ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ ኣቕሪቡ፥ ከምቲ ስሩዕ ኣቕረቦ። 17ነቲ መስዋእቲ እኽሊ ድማ ኣምፂኡ፥ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ ኣልዒሉ፥ ብዘይ እቲ ናይ ንግሆ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ። 18ነቲ ናይ ህዝቢ መስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ብዕራይን ማጕላን ድማ ሓረዶም፤ ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደም ኣምፅኡሉ፥ ንሱ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ነፀጎ። 19ናይቲ ብዕራይን ማጕላን ስብሒ ግና፥ ሕልሕሉን ነቲ ዝጕልብብ ስብሕን ዅላሊትን ቃንጡጥ ከብድን፥ 20ነቲ ስብሒ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓኸለ ኣንበርዎ፤ ንሱ ድማ ነቲ ስብሒ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ። 21ኣሮን ግና ነቲ ሓኸለን የማነይቲ እግርን፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና እናወዝወዘ ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወፈዮ። 22ኣሮን ድማ ኣእዳዉ ናብቲ ህዝቢ ኣልዒሉ ባረኾም፤ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእትን ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕሪቡ ድማ ወረደ።
23ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ መራኸቢ ድንኳን ኣተዉ፤ ወፂኦም ከዓ ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ፤ ክብሪ ኣቦና ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ተገለፀሉ። 24ካብ ቅድሚ ኣቦና ድማ ሓዊ ወፀ፤ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ዝቃፀል መስዋእትን ስብሕን ከዓ በልዖ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ርእዩ፥ ብሓጐስ ዓለለ፥ ብገፆም ከዓ ተደፍኡ። a a v24 እቲ ወሪዱ ነቲ መስዋእቲ ዝበልዐ ሓዊ፥ ናይ ኣቦና ባዕሉ መልሲ ነበረ፤ እዙይ ከዓ ነቲ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ዝተገብረ ስርየት ሓጢኣት ብግልፂ ምቕባሉን ናብኡ ድማ ምቕራቦምን እዩ።