ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዝቐረበ ዘይተኣዘዘ ሓዊ
ናዳብን ኣብዩድን ኣቦኦም ዘይኣዘዞ ሓዊ ኣምፅኡ፥ ካብኡ ዝወፀ ሓዊ ኸዓ በልዖም። ኣሮን ስቕ በለ። ድሕሪኡ ካህናት ኣብ ግልጋሎቶም ወይኒ ኸይሰትዩ ተኸልከሉ፥ ቅዱስ ካብ ዘይቅዱስ ክፈልዩን ክምህሩን ተኣዘዙ — ሙሴ ኸዓ ነቲ ዘይተበልዐ መስዋእቲ ዝምልከት ሓዘን ኣሮን ተቐበሎ።
10 1ናዳብን ኣብዩድን፥ ደቂ ኣሮን፥ ነፍሲ ወከፍ ፀፅንሃሁ ወሰዱ፤ ሓዊ ድማ ገበሩሉ፤ ዕጣን ኣንበሩሉ፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኸዓ ዘይተኣዘዘ ሓዊ ኣቕረቡ፤ እዙይ ድማ ኣይኣዘዞምን ነበረ። 2ካብ ቅድሚ ኣቦና ድማ ሓዊ ወፀ፤ ንኣኣቶም ከዓ በልዖም፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦናውን ሞቱ። a a v2 እቲ ነቲ ኣምልኾ ህዝቢ ኽቕበል ካብ ኣቦና ዝወረደ ሓዊ፥ ሕዚ ነቶም ብሸለልትነት ዝቐረብዎ ኽበልዕ ይወርድ ኣሎ፤ ቅርበቱ ፀጋን ቅዱስ ሓውን እዩ።
3ሙሴ ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ኣቦና ዝበሎ እዙይ እዩ፦ ‘ኣብቶም ናባይ ዝቐርቡ ኣነ ኽቕደስ እየ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢውን ክኸብር እየ።’” ኣሮን ከዓ ስቕ በለ።
4ሙሴ ድማ ንሚሳኤልን ንኤልዳፋንን፥ ደቂ ዑዝኤል ሓወቦ ኣሮን ፀዊዑ “ቅረቡ፤ ነሕዋትኩም ካብ ቅድሚ መቕደስ ናብ ወፃኢ ሰፈር ፁርዎም” በሎም። 5ቀሪቦም ድማ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ፥ ምስ ቀማውሾም ናብ ወፃኢ ሰፈር ፀርዎም።
6ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁ ኣልኣዛርን ኢታምርን ከምዙይ በሎም፦ “ከይትሞቱ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ማሕበር ቍጥዓ ኸይመፅእን፥ ርእስኹም ኣይትቀልዑ፤ ክዳውንትኹምውን ኣይትቕደዱ። ኣሕዋትኩም ግና፥ ኵሉ ቤት እስራኤል፥ ነቲ ኣቦና ዘንደዶ ሓዊ ይብከዩ። 7ከይትሞቱ ኸዓ ካብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ኣይትውፅኡ፤ መቕብኢ ዘይቲ ኣቦና ኣባኻትኩም ኣሎ እዩ እሞ።” ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ድማ ገበሩ።
8ኣቦና ድማ ንኣሮን ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
9“ንስኻን ደቅኻን ናብ መራኸቢ ድንኳን ክትኣትዉ እንተለኹም፥ ከይትሞቱ፥ ወይኒ ወይ ዝሰክር መስተ ኣይትስተዩ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ፤ 10ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፥ ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ምእንቲ ኽትፈልዩ፥ 11ነቲ ኣነ ብሙሴ ዝነገርኩዎም ዅሉ ሕግጋት ድማ ንደቂ እስራኤል ምእንቲ ኽትምህሩ።”
12ሙሴ ድማ ንኣሮንን ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ደቁ፥ ኣልኣዛርን ኢታምርን ከምዙይ በሎም፦ “ነቲ ካብ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣቦና ዝተረፈ መስዋእቲ እኽሊ ውሰዱ፤ ኣብ ጎኒ መሰውኢ ኸዓ ብዘይ ብሑቝ ብልዕዎ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ። 13ኣብ ቅዱስ ቦታ ድማ ብልዕዎ፤ ንሱ ኻብ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣቦና ግዴኻን ግደ ደቅኻን እዩ፤ ከምኡ ተኣዚዘ እየ እሞ። 14ንስኻን ደቅኻን ኣዋልድካን ግና፥ ነቲ ዝውዝወዝ ሓኸለን ነቲ ዝቐርብ እግርን ኣብ ንፁህ ቦታ ኽትበልዑ ትኽእሉ ኢኹም፤ እዚኣቶም ካብ መስዋእቲ ሰላም ደቂ እስራኤል ግዴኻን ግደ ደቅኻን ኮይኖም ተዋሂቦም እዮም እሞ። b b v14 ናይ ምውዝዋዝ መስዋእቲ፥ እቲ ኻህን ነቲ ብፅሒት ናብ መሰውኢ እናቐረበን እናመለሰን ዝገብሮ ስርዓት ነበረ፤ ንእግዚኣብሄር እናወፈዮ ኸም ግደ ክህነት ድማ ተመሊሱ ዝቕበሎ ነበረ። 15ነቲ ዝቐርብ እግርን ነቲ ዝውዝወዝ ሓኸለን ምስቲ ብሓዊ ዝቃፀል ስብሒ የምፅእዎ፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኸዓ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ የቕርብዎ፤ ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዞ፥ እዚኣቶም ንኣኻን ንደቅኻን ናይ ዘለኣለም ግዴኹም እዮም።”
16ሙሴ ድማ ብዛዕባ እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ጤል ብጥንቃቐ ደለየ፤ እንሆ ኸዓ ተቓፂላ ረኸባ። ኣብ ልዕሊ ኣልኣዛርን ኢታምርን፥ እቶም ዝተረፉ ደቂ ኣሮን፥ ተቘጢዑ ድማ ከምዙይ በለ፦ 17“ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ስለ ምንታይ ኣብ ስፍራ መቕደስ ዘይበላዕኩምዎ? ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ፥ ኣቦና ንበደል ማሕበር ምእንቲ ኽተልዕሉን ኣብ ቅድሚ ኣቦና ምእንቲ ኸተስተስርዩሎምን ሂቡኩም እዩ። 18እንሆ፥ ደሙ ናብ ውሽጢ መቕደስ ኣይኣተወን፤ ስለዙይ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ኣብ መቕደስ ክትበልዕዎ ምተገብአኩም።”
19ኣሮን ድማ ንሙሴ “እንሆ፥ ሎሚ ደቀይ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእን ነቲ ዝቃፀል መስዋእቶምን ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣቕረቡ፤ እዝ ዅሉ ኸዓ በፅሐኒ። ሎሚ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ እንተ በላዕክዎዶ፥ ንኣቦና ደስ ምበሎ ነይሩ?” በሎ።
20ሙሴ እዙይ ምስ ሰምዐ ደስ በሎ።