ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ

ንጐረቤት ብዛዕባ ሕድሪ ወይ ዝተረኽበ ነገር ምትላል፥ ኣብ ኣቦኻ ምጥላም ኮይኑ ይቑፀር፦ ብምሉኡ ይክሓስ፥ ሓምሻይ ኢድ ይውስኽ፥ ደሓር ከዓ ነቲ ድቤላ የምፅእ። ሓዊ መሰውኢ ከቶ ኣይጥፋእ፥ ናይ ካህናት ግደ ናይ መስዋእቲ እኽልን ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእን ድማ ተነቢሩ።

ምዕራፍ 6።

ኣቦና ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦

“ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዝተሓዝኦ ሕድሪ ወይ ትሕጃ ወይ ዝተሰርቀት ኣቕሓ ንጐረቤቱ ብምትላል ወይ ብምጥፍፋእ፥ ኣብ ኣቦኻ እንተ ጠለመ፥ ሓጢኣት ድማ እንተ ገበረ፥ ወይ ዝጠፍአ ነገር ረኺቡ ብዛዕባኡ ሓሰት እንተ ተዛረበ፥ ብሓሰት እንተ መሓለ፥ ሰብ በዝ ኵሉ ነገር ሓጢኣት ይገብር። ከምዙይ ሓጢኣት ገይሩ በደለኛ ምስ ኮነ፥ ነቲ ዝሰረቖ ወይ ብሓይሊ ዝወሰዶ ወይ እቲ ኣብኡ ዝተሓድረ ሕድሪ ወይ እቲ ዝረኸቦ ዝጠፍአ ነገር ይመልስ፤ ወይ ብዛዕባ ዝኾነ ብሓሰት ዝመሓለሉ፥ ብምሉኡ ይክሓስ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ሓምሻይ ኢድ ይውስኽ፤ በታ በደሉ ዘረጋገፀላ መዓልቲ ድማ ነቲ ዋናኡ ይሃቦ። ነቲ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቱ ድማ ናብ ኣቦኻ የምፅእ፦ ከም ኣገማምታኻ ካብ መጓሰ ነውሪ ዘይብሉ ድቤላ፥ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ ኾይኑ ናብቲ ኻህን የምፅኣዮ። እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ የስተስርየሉ፤ በቲ በደለኛ ዝገበሮ ዅሉ ነገር ድማ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።”

ዝቃፀል መስዋእቲ

ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦

“ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ኢልካ እዘዞም፦ ሕጊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ እዙይ እዩ፦ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ጊሓት ኣብ ልዕሊ ፍሕሚ እቲ መሰውኢ ይፀንሕ፤ ሓዊ መሰውኢ ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ክነድድ ኣለዎ። እቲ ኻህን ናይ ሃሪ ኽዳኑ ይልበስ፤ ናይ ሃሪ ስረ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ሰብነቱ ይዕጠቕ፤ ነቲ ሓዊ ኣብ መሰውኢ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ምስ በልዖ ዝተረፈ ሓሙዅሽቲ የልዕል፤ ኣብ ጐድኒ መሰውኢ ድማ የንብሮ። ድሕሪኡ ኽዳኑ ኣውፂኡ ኻልእ ይኽደን፤ ነቲ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ናብ ወፃኢ ሰፈር ናብ ንፁህ ቦታ የውፅእ። ሓዊ መሰውኢ ኽነድድ ኣለዎ፤ ኣይጥፋእ። እቲ ኻህን በብጊሓቱ ኣብ ልዕሊኡ ዕፀይቲ ይውስኽ፤ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ልዕሊኡ የዳሉ፤ ስብሒ እቲ መስዋእቲ ምስጋና ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ የቃፅል። እቲ ሓዊ ኣብ መሰውኢ ኵልሻዕ ክነድድ ኣለዎ፤ ኣይጥፋእ።

መስዋእቲ እኽሊ

“ሕጊ እቲ መስዋእቲ እኽሊ እዙይ እዩ፦ ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ የቕርብዎ። እቲ ኻህን ድማ ካብ ልሑም ሕሩጭን ዘይትን ናይቲ መስዋእቲ እኽሊ ምስ ኵሉ ዕጣን ምሉእ ሕፍኒ ወሲዱ፥ ነዝ ንመዘከርታ ዝኸውን ድማ ኣብ መሰውኢ ንኣቦኻ ጥዑም ጨና ኾይኑ የቃፅሎ። ኣሮንን ደቁን ነቲ ዝተረፈ ይብልዕዎ፤ ኣብ ቅዱስ ቦታ ድማ ብዘይ ብሑቕ ይብላዕ፤ ኣብ ኣፀድ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይብልዕዎ። ብብሑቅ ኣይስንከት። ካብቲ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእተይ ግደኦም ኾይኑ ሂበዮም ኣለኹ፤ ከምቲ ምእንቲ ሓጢኣትን ክንዲ በደልን ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ። ካብ ዘርኢ ኣሮን ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ይብልዓዮ፤ እዙይ ካብቲ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣቦኻ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ግደ እዩ። ዝነኽኦም ዅሉ ቅዱስ ይኸውን።”

ኣቦና ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦

“እቲ ኣሮንን ደቁን በታ ዝቕብኡላ መዓልቲ ንኣቦኻ ዘቕርብዎ ቍርባን እዙይ እዩ፦ ናይ ኵልሻዕ መስዋእቲ እኽሊ ኽኸውን፥ ኣስታት ክልተ መስፈሪ ልሑም ሕሩጭ፥ ፍርቁ ንጊሓት ፍርቁ ንምሸቱ። ብዘይቲ ኣብ መቝሎ ይዳሎ፤ ኣፀቢቕካ ለዊስካ ኣምፅኣዮ፤ ነቲ መስዋእቲ እኽሊ ድማ ቘሪስካ ኣቕርቦ፤ ንኣቦኻ ጥዑም ጨና እዩ። ካብ ደቁ እቲ ተኪኡ ዝቕባእ ካህን ድማ የዳልዎ፤ እዙይ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ፦ ብምሉኡ ይቃፀል። ናይ ካህን መስዋእቲ እኽሊ ዅሉ ብምሉኡ ይቃፀል፤ ኣይብላዕ።”

ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ

ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦

“ንኣሮንን ደቁን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ሕጊ ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዙይ እዩ፦ እቲ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ፥ ኣብታ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሕረደላ ስፍራ ይሕረድ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ። እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዘቕርቦ ካህን ይብልዓዮ፤ ኣብ ቅዱስ ቦታ፥ ኣብ ኣፀድ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይብላዕ። ነቲ ስግኡ ዝነኽኦ ዅሉ ቅዱስ ይኸውን። ካብ ደሙ ኣብ ክዳን እንተ ነፀገ ድማ፥ ነቲ ዝተነፅገ ቦታ ኣብ ቅዱስ ቦታ ሕፀቦ። እቲ ዝበሰለሉ ኣቕሓ መሬት ይሰበር፤ ኣብ ኣቕሓ ነሃስ እንተ በሲሉ ግና፥ ይደረዝ ብማይ ድማ ይተሓፀብ። ካብ ካህናት ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ይብልዓዮ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ። ደሙ ኣብ መቕደስ ንምስትስራይ ናብ መራኸቢ ድንኳን ዝኣቱ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ዅሉ ኣይብላዕ፤ ብሓዊ ይቃፀል።”