ቍጥዓ ኣቦ ንፅዮን የባድማ
እቲ ገጣሚ ነዚ ዝገበረ መን ምዃኑ ይገልፅ። እቲ ልዑል ኣቦ ቐስቲ ገተረ፥ ነቲ መንደቕ ቅድሚ ምፍራሱ ሰፈሮ፥ ንፅዮን ከም ፀላኢ ኮነ። ቈልዑ ኣብ ሕቕፊ ኣዴታቶም ይሞቱ። ዝፍታሕ የለን፤ እታ ግጥሚ ኣቦና ክርእን ከስተውዕልን ጥራሕ ትሓትት።
2 1ከመይ ጌሩ እቲ ልዑል ኣቦ ብቍጥዓኡ ንጓል ፅዮን ብደመና ደፈና! ክብሪ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርበዮ፤ በታ መዓልቲ ቍጥዓኡ ኸዓ መርገፂ እግሩ ኣይዘከረን። a a v1 መርገፂ እግሩ፦ እቲ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም፥ እቲ ህላወ እግዚኣብሄር ዝሓደረሉ ምድራዊ ቦታ እዩ። 2እቲ ልዑል ኣቦ ንዅሉ ማሕደራት ያእቆብ ብዘይ ምሕረት ወሓጦ፤ ብቍጥዓኡ ንፅኑዓት ቦታታት ጓል ይሁዳ ኣፍረሶም። ንመንግስታን ንመራሕታን ኣሕሲሩ ናብ ምድሪ ኣውደቖም። 3ብብርቱዕ ቍጥዓ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ሓይሊ ገፈፋ፤ የማነይቲ ኢዱ ሰሓበ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላኢ ኸዓ ኣቃልዖም። ኣብ ያእቆብ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ነደደ፥ ብዅሉ ወገን ከዓ ይበልዕ። 4ከም ፀላኢ ቐስቲ ገተረ፥ የማነይቲ ኢዱ ኸም መፃርሪ ኣቕንዐ፤ ንዅሎም እቶም ዝፅብቑ ዝነበሩ ቀተሎም። ኣብ ድንኳን ጓል ፅዮን ከዓ ቍጥዓኡ ኸም ሓዊ ኣፍሰሰ። 5እቲ ልዑል ኣቦ ኸም ፀላኢ ኮነ፤ ንእስራኤል ወሓጣ። ንዅሉ ኣዳራሽ ወሓጦ፥ ንፅኑዓት ቦታታት ከዓ ኣዕነዎ፥ ሓዘንን መልቀስን ከዓ ኣብ ጓል ይሁዳ ኣብዝሐ። 6ንፅላሉ ኸም ገነት ገፈፎ፥ ንቦታ ኣኼባኡ ኣዕነዎ። ኣቦና ንፅዮን በዓልን ሰንበትን ኣረስዓ፥ ብብርቱዕ ቍጥዓኡ ኸዓ ንንጉስን ንኻህንን ደርበዮም። 7እቲ ልዑል ኣቦ ንመሰውኢ ነፀገ፥ ንመቕደስ ኣፀየፈ፤ ንመናድቕ ኣዳራሽ ኣብ ኢድ ፀላኢ ኣሕሊፉ ሃቦ። ኣብ ቤት ኣቦና ኸም ናይ በዓል መዓልቲ ድምፂ ኣስምዑ። 8ኣቦና ንመንደቕ ጓል ፅዮን ከዕንዎ ወሰነ። መዐቀኒ ገመድ ዘርግሐ፤ ኢዱ ኻብ ምጥፋእ ኣይከልከለን። ንመከበብያን ንመንደቕን ኣልቀሶም፤ ብሓንሳእ ድማ ዓነዉ። 9ደገታታ ናብ ምድሪ ጠሓላ፤ ንመሸጎራ ኣዕንዩ ሰበሮ። ንጉሳን መሳፍንታን ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣለዉ፤ ሕጊ የለን፤ ነቢያት ከዓ ካብ ኣቦና ራእይ ኣይረኽቡን። 10ሽማግለታት ጓል ፅዮን ስቕ ኢሎም ኣብ ምድሪ ተቐሚጦም፤ ኣብ ርእሶም ሓመድ ነስነሱ፥ ክዳን ሓዘን ለበሱ። ኣጓላት ኢየሩሳሌም ርእሰን ናብ ምድሪ ኣድነና። 11ኣዒንተይ ብብኽያት ደኸማ፤ ከብደይ ይናወፅ፤ ብሰሪ ጥፍኣት ጓል ህዝበይ ልበይ ናብ ምድሪ ፈሰሰ፥ ቈልዑን ህፃናትን ኣብ ኣደባባያት ከተማ ይደኽሙ ኣለዉ። 12ነኣዴታቶም “እንጀራን ወይንን ኣበይ ኣሎ?” ይብሉ፥ ኣብ ኣደባባያት ከተማ ከም ቍሱላት እናደኸሙ፥ ህይወቶም ኣብ ሕቕፊ ኣዴታቶም እናፈሰሰ። 13ኦ ጓል ኢየሩሳሌም፥ እንታይ ክብለኪ እኽእል? ምስ እንታይከ ከመዓራርየኪ? ኣቲ ድንግል ጓል ፅዮን፥ ከፅናንዓኪ ምስ እንታይ ከመሳስለኪ? ዕንወትኪ ኸም ባሕሪ ሰፊሕ እዩ እሞ፥ መን ከሕውየኪ ይኽእል? 14ነቢያትኪ ሓሰትን መታለልን ራእይ ረአዩልኪ፤ ምርኮኺ ምእንቲ ኽመልሱ ንኣበሳኺ ኣይገለፁልክን፥ ሓሰትን መስሓትን ትንቢት ደኣ ረአዩልኪ እምበር። 15ኵሎም ሓለፍቲ መንገዲ ኣእዳዎም የጣቕዑልኪ፤ ኣብ ልዕሊ ጓል ኢየሩሳሌም ይፍሕሱ፥ ርእሶምውን ይነቕንቑ፦ “እዚኣዶ እታ ፍፁም ፅባቐ፥ ሓጐስ ኵላ ምድሪ ዝብሃል ዝነበረት ከተማ እያ?” 16ኵሎም ፀላእትኺ ኣፎም ኣብ ልዕሌኺ ይኸፍቱ፤ ይፍሕሱ፥ ኣስናኖም ይሐርቑ፥ ከምዙይ ኢሎም ይጭድሩ፦ “ወሓጥናያ! እታ ዝናፈቕናያ መዓልቲ እዚኣ እያ፤ ረኺብናያ፥ ረአናያ!” 17ኣቦና ነቲ ዝመደቦ ገበሮ፤ ነቲ ኻብ ጥንቲ ዝኣዘዞ ቃሉ ፈፀሞ። ብዘይ ርህራሀ ኣፍረሶ፤ ንፀላኢ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ዝሕጐስ ገበረ፥ ሓይሊ ፀላእትኺ ድማ ኣልዓለ። 18ልቢ እቶም ህዝቢ ናብ ጐይታ ኣቦ ፀርሐ። ኣቲ መንደቕ ጓል ፅዮን፥ ንብዓትኪ ለይትን መዓልትን ከም ወሓዚ ይውረድ! ንነፍስኺ ዕረፍቲ ኣይትሃቢ፥ ኣዒንትኺ ዕረፍቲ ኣይረኽባ። 19ተስኢ! ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ ሓለዋ ለይቲ ብለይቲ ጨድሪ! ልብኺ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ኣቦ ኸም ማይ ኣፍስሲ! ምእንቲ ህይወት ደቅኺ፥ እቶም ኣብ ኵሉ ቀራናታት መንገዲ ብጥሜት ዝደኽሙ፥ ኣእዳውኪ ናብኡ ኣልዕሊ። 20ኦ ኣቦና፥ ረአ እሞ ሕሰብ፦ ንመን ኢኻ ኸምዙይ ገይርካዮ ትፈልጥ? ኣንስቲዶ ፍረ ከርሰን፥ እቶም ዝሓቘፈኦም ህፃናት ይበልዓ? ካህንን ነቢይንዶ ኣብ መቕደስ ጐይታ ኣቦ ይቀተሉ? 21ንእሽቶን ዓብዪን ኣብ ኣደባባያት ኣብ መሬት ተገምሲሶም ኣለዉ፤ ኣዋልደይን ኣጕባዘይን ብሰይፊ ወደቑ። በታ መዓልቲ ቍጥዓኻ ቐተልካዮም፥ ብዘይ ርህራሀ ሓረድካዮም። 22ከም ናብ መዓልቲ በዓል፥ ፍርሓት ካብ ኵሉ ወገን ፀዋዕካ፤ በታ መዓልቲ ቍጥዓ ኣቦና ኸዓ ዘምለጠ ወይ ዝተረፈ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ነቶም ዝሓቘፍክዎምን ዘዕበኽዎምን ፀላእየይ ኣጥፍኦም።