ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሶምሶን ደጌታት ጋዛ ተሸኪሙ ወሰደ

ሶምሶን ንደገታት ጋዛ ተሸኪሙ ወሰዶም፥ ድሕሪኡ ንዳሊላ ኣፍቀራ፥ ንሳ ኸዓ ምስጢሩ ኽትረክብ ተኸፊላ። ድሕሪ ሰለስተ ሓሰት ንሳ ምሉእ ልቡ ነገራ፥ ተላጪዩ ኸዓ ተበራበረ፥ ኣቦና ኸም ዝሓደጎ ድማ ኣይፈለጠን። ኣብ መጥሓን ዓዊሩ ፀጒሩ መሊሱ በቘለ፥ ደጊም ሓይሊ ኸዓ ለመነ።

ምዕራፍ 16።

ሶምሶን ናብ ጋዛ ከደ፤ ኣብኡ ድማ ሓንቲ ኣመንዝራ ረአየ፤ ናብኣ ኸዓ ኣተወ። ሰብ ጋዛ ድማ “ሶምሶን ናብዙይ መፂኡ ኣሎ” ዝብል ምስ ሰምዑ፥ ነታ ቦታ ኸቢቦም፥ ለይቲ ምሉእ ኣብ ደገ እታ ኸተማ ተፀበይዎ። “ምስ ወግሐ ክንቀትሎ ኢና” እናበሉ ድማ ለይቲ ምሉእ ስቕ በሉ። ሶምሶን ድማ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ኣብኡ ደቀሰ። ፍርቂ ለይቲ ኸዓ ተሲኡ፥ ነቲ ማዕፆ ደገ እታ ኸተማን ነቲ ኽልተ ኣዕማድን ሒዙ፥ ምስ መናሽጎኡ ኣልዒሉ ነቐሎም፥ ኣብ ማእገሩ ኣንቢሩ ድማ፥ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንፅር ኬብሮን ዘሎ ጎቦ ተሸኪሙ ወሰዶም።

ድሕሪዙይ ድማ ኣብ ለሰ ሴሮሕ ዘላ፥ ዳሊላ እትበሃል ሰበይቲ ኣፍቀራ። ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብኣ መፂኦም “ኣጋግይዮ እሞ እቲ ዓብዪ ሓይሉ ኣበይ ከም ዘሎ፥ ንሕና ኸዓ ከመይ ጌርና ኸም እንስዕሮን ከም እንኣስሮን ከም እነዋርዶን ፍለጢ። ነፍሲ ወከፍና ድማ ሽሕን ሚእትን ብሩር ክንህበኪ ኢና” በልዋ።

ዳሊላ ድማ ንሶምሶን “እቲ ዓብዪ ሓይልኻ ኣበይ ከም ዘሎ፥ ከመይ ጌርካ ኸም እትእሰር ከም እትዋረድን ንገረኒ” በለቶ።

ሶምሶን ድማ “ብሸውዓተ ገና ዘይነቐፀ ጥሉል ገመድ ቀስቲ እንተ ኣሰሩኒ፥ ክደክም እሞ ከም ካልእ ሰብ ክኸውን እየ” በላ።

ሽዑ ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ገና ዘይነቐፀ ጥሉል ገመድ ቀስቲ ናብኣ ኣምፅኡላ፤ ንሳ ድማ ብእኡ ኣሰረቶ። ኣብ ውሽጣዊ ኽፍሊ ድማ ተፀናትዮም ዝፅበዩ ሰባት ነበርዋ። “ሶምሶን! ፍልስጥኤማውያን ናባኻ መፂኦም!” በለቶ። ንሱ ግና ነቲ ገመድ ቀስቲ፥ ፈትሊ እንጣጢዕ ሓዊ ምስ ረኸበ ኸም ዝብተኽ፥ በተኾ። ስለዙይ ምስጢር ሓይሉ ኣይተፈለጠን።

ዳሊላ ድማ ንሶምሶን “ኣላጊፅካለይ ሓሶት ነጊርካንን ኣለኻ። ሕዚ ኸመይ ጌርካ ኸም እትእሰር ንገረኒ” በለቶ።

ንሱ ድማ “ዘይተገልገለ ሓድሽ ገመድ ኣፅኒዖም እንተ ኣሰሩኒ፥ ክደክም እሞ ከም ካልእ ሰብ ክኸውን እየ” በላ።

ዳሊላ ድማ ሓድሽ ገመድ ወሲዳ ብእኡ ኣሰረቶ፤ “ሶምሶን! ፍልስጥኤማውያን ናባኻ መፂኦም!” በለቶ። ኣብ ውሽጣዊ ኽፍሊ ድማ ተፀናትዮም ዝፅበዩ ሰባት ነበሩ። ንሱ ግና ነቲ ገመድ ከም ፈትሊ ጌሩ ኻብ ቀላፅሙ በተኾ።

ዳሊላ ድማ ንሶምሶን “ክሳዕ ሕዚ ኣላጊፅካለይ ሓሶት ነጊርካንን ኣለኻ። ከመይ ጌርካ ኸም እትእሰር ንገረኒ” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ነቲ ሸውዓተ ጭራ ርእሰይ ምስ ፈትሊ መፍተል ኣላሊምኪ ብሽኻል እንተ ኣፅናዕክዮ፥ ከም ካልእ ሰብ ክደክም እየ” በላ።

ንሳ ድማ ብሽኻል ኣፅንዓቶ፤ “ሶምሶን! ፍልስጥኤማውያን ናባኻ መፂኦም!” በለቶ። ንሱ ግና ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ፥ ነቲ ሽኻል መፍተልን ፈትልን ኣውፅአ።

ንሳ ድማ “ልብኻ ምሳይ እንተ ዘየሎ፥ ከመይ ጌርካ ‘የፍቅረኪ እየ’ ትብለኒ? ሰለስተ ሻዕ ኣላጊፅካለይ፤ እቲ ዓብዪ ሓይልኻ ኣበይ ከም ዘሎ ኸዓ ኣይነገርካንን” በለቶ።

በብመዓልቱ ብዘረባኣ ኣፅቢቓ ምስ ኣሸገረቶን ምስ ኣገደደቶን፥ ነፍሱ ክሳዕ ሞት ደኸመት። ሽዑ ምሉእ ልቡ ነገራ፦ “ኣነ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚረ ናይ ኣቦና ናዝራዊ እየ እሞ፥ ኣብ ርእሰይ መላፀ ኣይሓለፈን። እንተ ተላፂኸ ኸዓ፥ ሓይለይ ይገድፈኒ፥ ክደክም እሞ ከም ካልእ ሰብ ክኸውን እየ።”

ዳሊላ ድማ ምሉእ ልቡ ኸም ዝነገራ ምስ ረአየት፥ ናብ ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ልኢኻ “ምሉእ ልቡ ነጊሩኒ ኣሎ እሞ፥ ሕዚ ኸም ብሓድሽ ደይቡ” ኢላ ፀውዓቶም። ንሳቶም ከዓ ነቲ ብሩር ኣብ ኢዶም ሒዞም ናብኣ ደየቡ። ኣብ ኣብራኻ ድማ ኣደቀሰቶ፤ ሓደ ሰብ ፀዊዓ ኸዓ ነቲ ሸውዓተ ጭራ ርእሱ ኣላፀየቶ። ንምዋራዱ ጀመረት፤ ሓይሉ ድማ ገደፎ። ንሳ ድማ “ሶምሶን! ፍልስጥኤማውያን ናባኻ መፂኦም!” በለቶ። ንሱ ኸዓ ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ “ከምቲ ቐደም ወፂአ ነፍሰይ ከናውፅ እየ” በለ። ግና ኣቦና ኸም ዝገደፎ ኣይፈለጠን።

ፍልስጥኤማውያን ድማ ሒዞም ኣዒንቱ ነቐሉ፤ ናብ ጋዛ ኸዓ ኣምፅእዎ። ብሰናሰል ነሃስ ኣሲሮም ድማ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የፍጭ ነበረ። ፀጕሪ ርእሱ ግና ምስ ተላፀየ፥ ከም ብሓድሽ ክበቅል ጀመረ።

ኣቦ ንሶምሶን ከም ብሓድሽ የፀንዖ

ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ድማ ንዳጎን ኣምላኾም ዓብዪ መስዋእቲ ኸቕርቡ ክሕጐሱን ተኣኻኸቡ፤ “ኣምላኽና ንሶምሶን ፀላኢና ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ሂቡና” ኸዓ በሉ። እቲ ህዝቢ ድማ ምስ ረአይዎ ንኣምላኾም ኣመስገንዎ፤ “እቲ ንምድርና ዘዕነወ፥ ንቕቱላትናውን ዘብዝሐ ፀላኢና፥ ኣምላኽና ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ሂቡና” ኸዓ በሉ።

ልቦም ደስ ምስ በሎም ድማ “ከዘናግዓና ንሶምሶን ፀውዕዎ” በሉ። ንሶምሶን ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፂኦም ኣምፅእዎ፤ ንሱ ድማ ኣዘናግዖም። ኣብ መንጎ እቲ ኣዕማድ ከዓ ደው ኣበልዎ። ሶምሶን ድማ ነቲ ኢዱ ዝሓዘ ቘልዓ “እታ ገዛ ዝቖመትሉ ኣዕማድ ክድህስሶ ሕደገኒ፥ ኣብኡ ድማ ክፅጋዕ” በሎ። እታ ገዛ ድማ ሰብኡትን ኣንስትን መሊኣ ነበረት፤ ኵሎም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ኣብኡ ነበሩ፤ ኣብ ናሕሲ ኸዓ ሶምሶን ክፃወት እናረአዩ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኡትን ኣንስትን ነበሩ። ሽዑ ሶምሶን ናብ ኣቦና ፀዊዑ፦ “ኦ ጐይታ ኣቦ! በጃኻ ዘክረኒ። ስለ ኽልተ ኣዒንተይ ብሓደ ወቕዒ ኣብ ፍልስጥኤማውያን ፍርዲ ምእንቲ ኽፍፅም፥ ኣብዛ ሓንቲ ሻዕ ጥራሕ ኣፅንዐኒ” በለ። ሶምሶን ድማ ነቲ ነታ ገዛ ዝፅውርዋ ኣብ ማእኸል ዘለዋ ኽልተ ኣዕማድ ሒዙ፥ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ሓደ፥ ፀጋመይቲ ኢዱ ኸዓ ኣብቲ ሓደ ገይሩ፥ ተፅገዖም። ሶምሶን ድማ “ምስ ፍልስጥኤማውያን ክመውት” በለ። ብዅሉ ሓይሉ ኸዓ ደፍኦም፤ እታ ገዛ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሹመኛታትን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኣብኣ ዝነበረ ህዝብን ወደቐት። ስለዙይ ብሞቱ ኻብቲ ብህይወቱ ዝቐተሎ ንላዕሊ ቐተለ።

ኣሕዋቱን ኵሉ ቤት ኣቦኡን ድማ ወሪዶም ወሲዶም ኣደዪቦም፥ ኣብ መንጎ ፆርዓን ኤሽታኦልን ኣብ መቓብር ማኑሄ ኣቦኡ ቐበርዎ። ንእስራኤል ከዓ ዕስራ ዓመት ፈረዶም።