ሚካ ንኣምልኾ ኣቦ ሓደገ
ሚካ ነቲ ዝሰረቖ ብሩር ኣዲኡ ተኣመነ፤ ንሳ ኸዓ ባረኸቶ ንኣቦና ድማ ቀደሰቶ — ብእኡ ኣማልኽቲ ብምስራሕ። መቕደስ ሰርሐ፥ ንወዱ ቀደሰ፥ ዝዘውር ሌዋዊ ቆፀረ፥ ኣቦና ሰናይ ከም ዝገብረሉ ኸዓ ደምደመ። ነፍሲ ወከፍ እቲ ኣብ ዓይኑ ቅኑዕ ዝመሰሎ ይገብር ነበረ።
17 1ካብ ደጕዓ ኤፍሬም ዝነበረ ሚካ ዝስሙ ሓደ ሰብ ነበረ። 2ንእኖኡ ድማ “እቲ ካባኺ ዝተወስደ፥ ንስኺ ዝረገምክዮ ሽሕን ሚእትን ሰቅል ብሩር፥ ክትረግሚ ኸለኺ ሰሚዐ ነይረ፤ እንሆ፥ እቲ ብሩር ኣባይ ኣሎ፤ ኣነ ወሰድክዎ” በላ። እኖኡ ኸዓ “ኣቦና ንወደይ ይባርኾ” በለት።
3እቲ ሽሕን ሚእትን ሰቅል ብሩር ድማ ንእኖኡ መለሰላ፤ ንሳ ኸዓ “ነዝ ብሩር እዙይ፥ ፅሩብ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ንምግባር፥ ምእንቲ ወደይ ኢለ፥ ካብ ኢደይ ንኣቦና ፈልየ ቀዲሰዮ ኣለኹ፤ ሕዚ ድማ ንኣኻ እመልሰልካ ኣለኹ” በለት።
4እቲ ብሩር ድማ ንእኖኡ መለሰላ፤ እኖኡ ኸዓ ክልተ ሚእቲ ሰቅል ወሲዳ ነቲ ኣንጠረኛ ሃበቶ፤ ንሱ ድማ ፅሩብ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ገበረ፤ ኣብ ቤት ሚካ ኸዓ ነበረ።
5እዝ ሰብኣይ ሚካ መቕደስ ነበሮ፤ ኤፉድን ምስሊ ተራፊምን ገበረ፤ ካብ ደቁ ንሓደ ድማ ካህን ክኸውን ቐደሶ። 6በቲ ጊዜ እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን፤ ነፍሲ ወከፍ እቲ ኣብ ኣዒንቱ ቅኑዕ ዝመሰሎ ይገብር ነበረ። 7ካብ ቤተ ልሔም ይሁዳ፥ ካብ ዓሌት ይሁዳ ዝኾነ ሓደ መንእሰይ ሌዋዊ ነበረ፤ ኣብኡ ድማ ይቕመጥ ነበረ። 8እዝ ሰብኣይ እዙይ ዝቕመጠሉ ካልእ ቦታ ኽደሊ፥ ካብ ቤተ ልሔም ይሁዳ ወፀ፤ እናተጓዕዘ ድማ ናብ ደጕዓ ኤፍሬም፥ ናብ ቤት ሚካ በፅሐ። 9ሚካ ኸዓ “ካበይ ኢኻ ትመፅእ?” በሎ። ንሱ ድማ “ካብ ቤተ ልሔም ይሁዳ ዝመፃእኹ ሌዋዊ እየ፤ ዝቕመጠሉ ቦታ እናደለኹ እኸይድ ኣለኹ” በሎ።
10ሚካ ድማ “ምሳይ ተቐመጥ፤ ኣቦን ካህንን ኩነኒ፤ ኣነ ኸዓ ዓመት ዓመት ዓሰርተ ሰቅል ብሩርን ክዳውንትን ምግብኻን ክህበካ እየ” በሎ። እቲ ሌዋዊ ድማ ኣተወ። 11እቲ ሌዋዊ ድማ ምስ እቲ ሰብኣይ ክቕመጥ ፍቓደኛ ኮነ፤ እቲ መንእሰይ ከዓ ነቲ ሰብኣይ ከም ሓደ ወዱ ኮኖ። 12ሚካ ኸዓ ነቲ ሌዋዊ ቐደሶ፤ እቲ መንእሰይ ድማ ካህን ኮኖ፤ ኣብ ቤት ሚካውን ተቐመጠ። 13ሚካ ድማ “ሌዋዊ ካህን ኮይኑ ረኺበ ኣለኹ እሞ፥ ሕዚ ኣቦና ሰናይ ከም ዝገብረለይ ፈሊጠ ኣለኹ” በለ። a a v13 ሚካ ንጣዖታቱ ዝከናኸን ሌዋዊ ስለ ዝቘፀረ፥ ኣቦና ኸም ዝባርኾ ርግፀኛ እዩ፤ እዙይ ከዓ ነቲ ባዕልና ዝሰራሕናዮ ኣምልኾ ስም ኣቦ ምጥቃም፥ ዘሕዝን ነገር እዩ።