ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ዳን ዝቕመጠሉ ቦታ ይደሊ

ሰለይቲ እቶም ርስቲ ዘይብሎም ደቂ ዳን ነቲ ናይ ሚካ ሌዋዊ ካህን ካብ ኣቦና ቃል ሓተትዎ፥ ሰናይ ከዓ ረኸቡ። ሹዱሽተ ሚእቲ ዕጡቓት ሰባት ተመሊሶም ነቲ መቕደስ ገፈፍዎ፥ ነቲ ካህን ድማ ዝዓበየ ጉባኤ ሃብዎ፥ ንሱ ኸዓ ተሓጒሱ ኸደ። ነታ ህድእቲ ኸተማ ብሴፍ ወቕዕዋ፥ ነቲ ምስሊ ኸዓ ኣቘምዎ።

ምዕራፍ 18።

በቲ መዓልቲታት እቲ፥ እስራኤል ንጉስ ኣይነበሮን። ነገድ ዳን ድማ ዝቕመጠሉ ርስቲ ይደልዩ ነበሩ፤ ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ርስቲ ስለ ዘይበፅሖም እዩ። ደቂ ዳን ድማ ካብ ዓሌቶም፥ ካብ ፆርዓን ኤሽታኦልን፥ ነታ ምድሪ ክስልይዋን ከናድይዋን ሓሙሽተ ብርቱዓት ሰባት ሰደዱ። “ኪዱ ነታ ምድሪ ስልይዋ” ድማ በልዎም። ናብ ኰረብታ ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ ድማ በፂሖም ኣብኡ ሓደሩ።

ኣብ ጥቓ ቤት ሚካ እንተለዉ ድማ ድምፂ እቲ መንእሰይ ሌዋዊ ኣለልዩ፤ ናብኡ ኣግሊሶም ከዓ “መን ኣምፅአካ ናብዙይ? ኣብዝ ቦታ እዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ? ኣብዙይከ እንታይ ኣለካ?” በልዎ።

ንሱ ኸዓ “ሚካ ከምዙይን ከምዙይን ገበረለይ፤ ቆፀረኒ፥ ኣነ ድማ ኻህኑ ኮንኩ” በሎም።

ንሳቶም ድማ “በጃኻ ንኣቦና ሕተተልና፥ እቲ እንገብሮ ዘለና ጕዕዞ ይቐንዓልና እንተ ኾይኑ ምእንቲ ክንፈልጥ” በልዎ።

እቲ ካህን ድማ “ብሰላም ኪዱ፤ እቲ ጕዕዞኹም ኣብ ቅድሚ ኣቦና እዩ ዘሎ” በሎም።

እቶም ሓሙሽተ ሰባት ድማ ናብ ላይስ ከዱ፤ ነቶም ህዝባ ኸም ሲዶናውያን ብደሓን፥ ህዱኣትን ርጉኣትን ኮይኖም ክነብሩ፥ ኣብታ ምድሪ ዝኾነ ዘይስእኑን ሃብቲ ዝውንኑን ረአዩ። ካብ ሲዶናውያን ድማ ርሑቓት ነበሩ፤ ምስ ሓደ እኳ ርክብ ኣይነበሮምን። ናብ ኣዝማዶም ናብ ፆርዓን ኤሽታኦልን ምስ ተመለሱ ድማ፥ “እንታይ ረኸብኩም?” በልዎም።

ንሳቶም ከዓ “ተሲእኹም ንውረሮም! ነታ ምድሪ ርኢናያ፥ የመና ፅብቕቲ እያ። ንስኻትኩምከ ዝኾነ ኣይትገብሩን ዲኹም? ኬድኩም ነታ ምድሪ ንምውራስ ኣይትደናጐዩ። ናብኡ ምስ በፃሕኹም፥ ኣብ ገፊሕ ምድሪ ናብ ዝነብሩ እንተይተሓስቡ ዘለዉ ህዝቢ ክትበፅሑ ኢኹም። ኣቦና ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ሂብዋ እዩ፤ ኣብ ምድሪ ዝኾነ ዘይስእን ቦታ እዩ።”

ካብ ዓሌት ዳን ኣፅዋር ውግእ ዝዓጠቑ ሹዱሽተ ሚእቲ ሰባት፥ ካብ ፆርዓን ኤሽታኦልን ተልዓሉ። ደዪቦም ድማ ኣብ ቂርያትይዓሪም ናይ ይሁዳ ሰፈሩ። ስለዙይ ክሳዕ ሎሚ ሰፈር ዳን ተብሃለ፤ ንሱ ኣብ ምዕራብ ቂርያትይዓሪም እዩ ዘሎ። ካብኡ ናብ ኰረብታታት ኤፍሬም ሓሊፎም ናብ ቤት ሚካ በፅሑ።

ሽዑ እቶም ነታ ምድሪ ላይስ ዝሰለሉ ሓሙሽተ ሰባት ንኣዝማዶም “ኣብዘን ኣባይቲ እዚኣተን ኤፉድን ተራፊምን ዝተፀርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ከም ዘለወን ትፈልጡ ዲኹም? ሕዚ ኸዓ እንታይ ከም እትገብሩ ምከሩ” በልዎም። ናብኡ ኣግሊሶም ድማ ናብ ቤት እቲ መንእሰይ ሌዋዊ፥ ናብ ቤት ሚካ መፂኦም ሰላም በልዎ። እቶም ኣፅዋር ዝዓጠቑ ሹዱሽተ ሚእቲ ሰባት ደቂ ዳን ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ደው በሉ። እቶም ነታ ምድሪ ዝሰለሉ ሓሙሽተ ሰባት ኣትዮም ነቲ ዝተፀርበ ምስልን ኤፉድን ተራፊምን ዝፈሰሰ ምስልን ወሰዱ፤ እቲ ካህን ከዓ ምስቶም ኣፅዋር ዝዓጠቑ ሹዱሽተ ሚእቲ ሰባት ኮይኑ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ነበረ።

እዞም ሰባት እዚኦም ናብ ቤት ሚካ ኣትዮም ነቲ ዝተፀርበ ምስልን ኤፉድን ተራፊምን ዝፈሰሰ ምስልን ምስ ወሰዱ፥ እቲ ካህን “እንታይ ኢኹም እትገብሩ ዘለኹም?” በሎም።

ንሳቶም ድማ “ስቕ በል! ኢድካ ኣብ ኣፍካ ኣንብር፥ ምሳና ድማ ንዓ። ኣቦናን ካህንን ኩን። ንቤት ሓደ ሰብኣይ ካህን ምዃን ይሓይሸካ፥ ወይ ኣብ እስራኤል ንሓደ ነገድን ዓሌትን ካህን ምዃን?” በልዎ።

እቲ ካህን ድማ ልቡ ተሓጐሰ። ነቲ ኤፉድን ተራፊምን ዝተፀርበ ምስልን ወሲዱ ኸዓ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ኣተወ። ሽዑ ተመሊሶም ተልዓሉ፤ ነቶም ቈልዑን እንስሳታቶምን ኣቑሑቶምን ድማ ቅድሚኦም ገበሩ። ካብ ቤት ሚካ ወፂኦም ምስ ረሓቑ፥ እቶም ኣብ ጥቓኣ ዝነበሩ ሰባት ተፀዊዖም ንደቂ ዳን ኣርከብዎም። ንደቂ ዳን ድማ ዓው ኢሎም ፀውዑ። ንሳቶም ከዓ ግልፅ ኢሎም ንሚካ “ሰባትካ ፀዊዕካ እትስዕበና፥ እንታይ ኴንካ ኢኻ?” በልዎ።

ንሱ ኸዓ “እቶም ዝገበርክዎም ኣማልኽተይን ነቲ ካህንን ወሲድኩም ከድኩም። እንታይ ደኣ ተሪፉኒ? ከመይከ ኢኹም ‘እንታይ ኴንካ’ እትብሉኒ?” በለ።

ደቂ ዳን ድማ “ድምፅኻ ኣብ ማእኸልና ኣይስማዕ፤ ከይኸውን ነዱራት ሰባት ይወርሩኻ፥ ንስኻ ድማ ህይወትካን ህይወት ስድራኻን ተጥፍእ” በልዎ።

ደቂ ዳን ድማ ብመንገዶም ከዱ፤ ሚካ ኸዓ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ሓያላት ምዃኖም ምስ ረአየ፥ ተመሊሱ ናብ ገዛኡ ኸደ። ንሳቶም ድማ እቲ ሚካ ዝገበሮን ነቲ ኻህኑን ወሲዶም ናብ ላይስ መፁ፥ ናብ ህዱእን እንተይተሓስበን ህዝቢ፤ ብስሕለት ሰይፊ ወቒዖም ወድእዎም፤ ነታ ኸተማ ድማ ብሓዊ ኣንደድዋ። ነታ ኸተማ ኻብ ሲዶን ርሒቓ ስለ ዝነበረት፥ ምስ ሓደ እኳ ርክብ ስለ ዘይነበረ ኸዓ፥ ዘድሕኖም ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኣብቲ ናይ ቤትረሖብ ለሰ ድማ ትርከብ ነበረት። ደቂ ዳን ከዓ ነታ ኸተማ ከም ብሓድሽ ሰሪሖም ኣብኣ ተቐመጡ። ነታ ኸተማ ድማ ብስም ወለዶም ዳን ወዲ እስራኤል “ዳን” ኢሎም ሰመይዋ፤ እታ ኸተማ ግና ቀደም ላይስ ትብሃል ነበረት። ደቂ ዳን ድማ ነቲ ዝተፀርበ ምስሊ ንገዛእ ርእሶም ኣቘምዎ። ዮናታን ወዲ ጌርሳም ወዲ ሙሴ ንሱን ደቁን ድማ ክሳዕ እታ ምድሪ ዝተማረኸትላ መዓልቲ ንነገድ ደቂ ዳን ካህናት ኮኑ። ነቲ ሚካ ዝገበሮ ዝተፀርበ ምስሊ ድማ፥ ቤት ኣቦና ኣብ ሺሎ ኽሳዕ ዝነበረት ኵሉ ጊዜ ንገዛእ ርእሶም ኣቘምዎ።