ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣብ ዘይነበረሉ ዘመን

ሓደ ሌዋዊ ናብ ቤት ኣቦና እናኸደ ነታ ዝጠለመቶ ሰበይቲ ወሰኑ ኽመልሳ ከደ፥ ዘእትዎ ዝረኸበ ድማ ሓደ ኣረጊት ጓና ጥራሕ ኮነ። ሰብ እታ ኸተማ ነታ ገዛ ኸበብዋ፥ እቲ ሌዋዊ ኸዓ ንሳ ናብ ወፃኢ ደፍኣ። ወጋሕታ ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ ተገምሰሰት። ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ቘረፃ።

ምዕራፍ 19።

በቲ ዘመን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን። ሓደ ኣብ ርሑቕ ኰረብታታት ኤፍሬም ዝቕመጥ ሌዋዊ ድማ፥ ካብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ሰበይቲ ወሰን ወሰደ። እታ ሰበይቲ ወሰኑ ኸዓ ጠለመቶ፤ ሓዲጋቶ ድማ ናብ ቤት ኣቦኣ ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ከደት፤ ኣብኡ ኸዓ ኣርባዕተ ወርሒ ፀንሐት። ሰብኣያ ድማ ናብ ልባ ተዛሪቡ ኽመልሳ ኢሉ፥ ምስ ኣገልጋሊኡን ክልተ ኣእዱግን ደድሕሪኣ ተልዓለ። ንሳ ኸዓ ናብ ቤት ኣቦኣ ኣእተወቶ፤ ኣቦ እታ ጓል ድማ ምስ ረአዮ ተሓጐሰ። ሓሙኡ፥ ኣቦ እታ ጓል፥ ክፀንሕ ገደዶ፤ ንሱ ኸዓ ሰለስተ መዓልቲ ምስኡ ፀንሐ፤ ኣብኡ ድማ በልዑን ሰተዩን ደቀሱን።

በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተሲኦም፥ ንሱ ኸዓ ክኸይድ ተሲኡ፤ ኣቦ እታ ጓል ግና ነቲ ሰጋኡ “ቑሩብ እንጀራ በሊዕኻ ኺድ” በሎ። ክልቲኦም ተቐሚጦም ብሓደ በልዑን ሰተዩን። ኣቦ እታ ጓል ድማ ነቲ ሰብኣይ “በይዛኻ፥ ሎሚ ለይቲ ሕደር እሞ ልብኻ ይተሓጐስ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ክኸይድ ተሲኡ፤ ሓሙኡ ግና ገደዶ እሞ፥ መሊሱ ኣብኡ ሓደረ። በታ ሓምሸይቲ መዓልቲ ክኸይድ ኣንጊሁ ተሲኡ፤ ኣቦ እታ ጓል ከዓ “በይዛኻ፥ ርእስኻ ኣበርትዕ፥ ክሳዕ ቀትሪ ምስ ሓለፈ ድማ ፅናሕ” በሎ። ክልቲኦም ድማ በልዑ። እቲ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ወሰኑን ኣገልጋሊኡን ክኸይድ ተሲኡ እንተሎ፥ ሓሙኡ፥ ኣቦ እታ ጓል፥ ከምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ መዓልቲ ክትሓልፍ ቀሪባ እያ፤ ሕደር። እንሆ፥ መዓልቲ ሓሊፋ እያ፤ ኣብዙይ ሕደር እሞ ልብኻ ይተሓጐስ። ፅባሕ ኣንጊህኻ ተሲእኻ፥ ብመንገድኻ ኺድ፥ ናብ ቤትካ ተመለስ።” እቲ ሰብኣይ ግና ክሓድር ኣበየ፤ ተሲኡ ኸደ፥ ምስ ክልተ ዝተፅዓና ኣእዱጉን ሰበይቲ ወሰኑን ከዓ ኣብ መንፅር ኢያቡስ (ኢየሩሳሌም) መፀ። ኣብ ጥቓ ኢያቡስ ምስ በፅሑ፥ መዓልቲ ኣዝያ ድማ ሓሊፋ ነበረት እሞ፥ እቲ ኣገልጋሊ ነቲ ጐይታኡ “በይዛኻ ንዓ፥ ናብዛ ኸተማ ኢያቡሳውያን ኣቢልና ኣቲና ንሕደር” በሎ።

ጐይታኡ ድማ “ካብ ደቂ እስራኤል ናብ ዘይኮነት ናብ ጓና ኸተማ ኣይንኣቱን ኢና፤ ናብ ገባዖን ክሳዕ ንበፅሕ ንቕድሚት ክንቅፅል ኢና” ኢሉ መለሰሉ። ነቲ ኣገልጋሊኡ ድማ “ንዓ፥ ናብ ሓደ ኻብዘን ቦታታት በፂሕና ኣብ ገባዖን ወይ ኣብ ራማ ንሕደር” በሎ። ብመንገዶም ከዓ ቀፀሉ፤ ፀሓይ ድማ ኣብ ጥቓ ገባዖን ናይ ብንያም ዓረበቶም። ኣብ ገባዖን ክሓድሩ ኸዓ ኣቢሎም ኣተዉ። ንሱ ድማ ኣትዩ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐመጠ፤ ናብ ቤቱ ኣእትዩ ዘሕድሮም ግና ሓደ እኳ ኣይነበረን።

ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ድማ ምሸት ካብ ስራሕ ወፍሩ መፀ። ንሱ ኻብ ኰረብታታት ኤፍሬም ዝመፀ ኾይኑ፥ ኣብ ገባዖን ከም ጓና ይነብር ነበረ፤ እቶም ሰብ እታ ቦታ ኸዓ ደቂ ብንያም ነበሩ። እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ኣንቃዕሪሩ፥ ነቲ ጋሻ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ረአዮ እሞ “ናበይ ኢኻ እትኸይድ? ካበይከ መፂእኻ?” ኢሉ ጠየቖ።

ንሱ ኸዓ በሎ፦ “ካብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ናብ ርሑቕ ኰረብታታት ኤፍሬም ንጎዓዝ ኣለና፤ ዓደይ ከዓ ኣብኡ እዩ። ናብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ኸይደ ነይረ፥ ሕዚ ድማ ናብ ቤት ኣቦና እኸይድ ኣለኹ፤ ናብ ቤቱ ዘእትወኒ ግና ሓደ እኳ የለን። ንኣእዱግና ዝኸውን ሓሰርን ድርቋን ኣለና፤ ንኣይ፥ ንግዝእትኻ፥ ነቲ ምስ ኣገልገልትኻ ዘሎ ጐበዝ ዝኸውን እንጀራን ወይንን ከዓ ኣሎ፤ ዝጐደለና ሓደ እኳ የለን።”

እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ድማ “ሰላም ንዓኻ ይኹን። ዘድልየካ ዅሉ ኣነ ኽህበካ እየ፤ ኣብ ኣደባባይ ጥራሕ ኣይትሕደር” በሎ። ናብ ቤቱ ኣእተዎ፥ ነእዱጎም ድማ ድርቋ ሃበን፤ ንሳቶም ከዓ ኣእጋሮም ተሓፂቦም በልዑን ሰተዩን።

ልቦም ተሓጒሱ እንተሎ ድማ፥ እንሆ፥ ገለ ኸፋእቲ ሰብ እታ ኸተማ ነታ ቤት ከበብዋ፤ ነቲ ማዕፆ ኸዓ ኳሕኲሑ፤ ነቲ በዓል እታ ቤት ኣረጊት ሰብኣይ ድማ “ነቲ ናብ ቤትካ ዝኣተወ ሰብኣይ ኣውፅኣልና፥ ምእንቲ ኽንፈልጦ” ኢሎም ዓለሉ።

እቲ በዓል እታ ቤት ናብኣቶም ወፂኡ ኸዓ “ኣይፋልኩምን ኣሕዋተይ፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ ናብ ቤተይ መፂኡ እዩ እሞ፥ በይዛኹም ክፉእ ኣይትግበሩ፤ ነዝ ነውሪ እዙይ ኣይትግበሩ። እንሆ፥ ድንግል ጓለይን ሰበይቲ ወሰኑን ኣለዋ፤ ንኣኣተን ከውፅአልኩም። ኣነውርወን ደስ ዝበለኩም ድማ ግበርወን፤ ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ ግና ነዝ ነውሪ እዙይ ኣይትግበሩ።”

እቶም ሰባት ግና ክሰምዕዎ ኣይደለዩን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ ናብኣቶም ኣውፅኣ፤ ንሳቶም ከዓ ምሉእ ለይቲ ክሳዕ ወጋሕታ ዓመፅዋ፥ ኣነወርዋ ኸዓ፤ ኣጋ ወጋሕታ ድማ ሰደድዋ። ኣጋ ወጋሕታ ኸዓ እታ ሰበይቲ መፂኣ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት እቲ ጐይታኣ ዝነበሮ ሰብኣይ ክሳዕ ዝወግሕ ወዲቓ ነበረት። ጐይታኣ ድማ ንግሆ ተሲኡ፥ መዓፁ እታ ቤት ከፊቱ፥ ብመንገዱ ኽኸይድ ወፀ፤ እንሆ ኸዓ ሰበይቲ ወሰኑ ኣእዳዋ ኣብ ድርኵዂት ገይራ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ቤት ወዲቓ ነበረት። እቲ ሰብኣይ ድማ “ተስኢ፥ ንኺድ” በላ። መልሲ ግና ኣይነበረን። ሽዑ ኣብ ኣድጊ ፅዒኑ ናብ ቤቱ ኸደ።

ናብ ቤቱ ምስ በፅሐ ድማ፥ ካራ ወሲዱ ንሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ፥ መፅዓ መፅዓ ገይሩ ናብ ዓሰርተ ኽልተ ቝራፅ ቆራሪፁ፥ ናብ ኵላ ዶብ እስራኤል ሰደዳ። ዝረአይዎ ዅሎም ከዓ “ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ካብ ዝወፁሉ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ፥ ከምዙይ ዝበለ ነገር ኣይተገብረን፥ ኣይተራእየን። ኣስተብህሉሉ፥ ተመያየጡሉ፥ ተዛረቡ ኸዓ” በሉ።