መልሲ ኢዮብ፦ ሓጥኣንሲ ስለ ምንታይ ይሰልጦም?
ኢዮብ በቲ ፈተውቱ ዝንዕቕዎ መርትዖ ይምልስ፦ ረሲኣን የረጉን ይሕይሉን፥ ደቆም ይስዕስዑ፥ ንእግዚኣብሄር ‘ሕደገና’ ኢሎም ድማ ብሰላም ይሞቱ። ፅጉብን መሪርን ብሓባር ኣብ ሓመድ ይድቅሱ። መፅናንዒኦም ሓሰት እዩ ይብል።
21 1ሽዑ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ 2“ንቓለይ ኣፀቢቕኩም ስምዑ፤ እዝ ከዓ እትህቡኒ መፀናንዒ ይኹን። 3ክዛረብ እንተለኹ ዓገሱኒ፤ ምስ ተዛረብኩ ኸዓ ከተላግፁ ትኽእሉ ኢኹም። 4ኣነስ፥ ጥርዓነይ ኣብ ልዕሊ ሰብዶ እዩ? ስለ ምንታይ ደኣ ትዕግስተይ ዘይጠፍእ? 5ንኣይ ጠሚትኩም ተገረሙ፤ ኢድኩም ድማ ኣብ ኣፍኩም ግበሩ። 6እዙይ ክዝክር እንተለኹ እሸበር፤ ንስጋይውን ራዕዲ ሓዞ። 7ሓጥኣን ስለ ምንታይ ይነብሩ፥ ኣሪጎም ድማ ብሓይሊ ይበዝሑ? 8ደቆም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ምሳታቶም ተደላዲሎምን ተፀኒዖምን ኣለዉ፤ ዘርኦም ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኣሎ። 9ኣባይቶም ብሰላም ኣለዋ፥ ካብ ፍርሓት ድማ ናፃ እየን፤ በትሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊኦም ኣይወድቕን። 10ብዕራዮም ይዋሰብ፥ ከቶ ኣይፈሽልን፤ ላሕሞም ትወልድ፥ ጥንሲ ድማ ኣይወርዳን። 11ንናእሽቱ ደቆም ከም መጓሰ ይፍንውዎም፤ ደቆም ድማ ይዘልሉ። 12ብኸበሮን ብበገናን ይዝምሩ፤ ብድምፂ እምብልታ ድማ ይሕጎሱ። 13መዓልቲታቶም ብብልፅግና የሕልፉ፤ ብሰላም ድማ ናብ መቓብር ይወርዱ። 14ንእግዚኣብሄር ግና ከምዙይ ይብልዎ፦ “ሕደገና! ንመንገድኻ ኽንፈልጥ ኣይንደልን ኢና። 15እቲ ዅሉ ዝኽእል መን እዩ፥ ክነገልግሎ? ንእኡ እንተ ፀለናዮኸ እንታይ ክዓብሰልና እዩ?” 16ብልፅግናኦም ግና ኣብ ኢዶም ኣይኮነን፤ ምኽሪ ሓጥኣን ካባይ ይርሓቕ። 17መብራህቲ ሓጥኣን ክንደይ ሻዕ እዩ ዝጠፍእ? መዓቶም ክንደይ ሻዕ እዩ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ? እግዚኣብሄር ብዂራኡ ክንደይ ሻዕ እዩ ስቓይ ዝዕድል? 18ክንደይ ሻዕ እዮም ከም ሓሰር ቅድሚ ንፋስ ዝኾኑ፥ ከምቲ ንፋስ ኣውሎ ዝፀርጎ ብቝቡቕ? 19ንስኻትኩም “እግዚኣብሄር ቅፅዓት ሰብ ንደቁ የቐምጦ” ትብሉ ኣለኹም። ንሱ ባዕሉ ምእንቲ ኽፈልጦ፥ ንሰብ ባዕሉ ይፈድዮ። 20ኣዒንቱ ጥፍኣቱ ይረኣያ፤ ቍጥዓ እቲ ዅሉ ዝኽእል ድማ ይስተ። 21ኣዋርሑ ተቘሪፁ ምስ ሞተ፥ ድሕሪኡ ብስድራ ቤቱ እንታይ ይግደስ? 22ንእግዚኣብሄር ፍልጠት ዝምህሮ ኣሎዶ? ነቶም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ዝፈርድ ንሱ ባዕሉ እዩ እሞ። 23ሓደ ሰብ ብምሉእ ሓይሉ ይመውት፥ ፈፂሙ ዓሪፉን ተፀኒዑን፤ 24ስጋኡ ብፅቡቕ ተመጊቡ፥ ኣንጕዐ ኣዕፅምቱ ድማ ገና ርሑስ እዩ። 25ካልእ ከዓ ብምረት ነፍሱ ይመውት፥ ሰናይ ከቶ እንተይጠዓመ። 26ብሓደ ኣብ ሓመድ ይድቅሱ፤ ንኽልቲኦም ድማ ሓሰኻ ይሽፍኖም። 27እንሆ፥ ሓሳባትኩም፥ ከምኡ ድማ ንኽትብድሉኒ ዝሓሰብኩምዎ ተንኮል እፈልጥ እየ። 28ንስኻትኩም “ቤት እቲ መስፍን ሕዚ ኣበይ ኣላ? እቲ ሓጥኣን ዝነብሩሉ ድንኳን ኣበይ ኣሎ?” ትብሉ ኣለኹም እሞ። 29ነቶም ብመንገዲ ዝሓልፉ ሓቲትኩምዶ ኣይትፈልጡን? ነቲ ዝህብዎ ምስክር ኣይትቕበሉን ኢኹም፥ 30እቲ ክፉእ ሰብ ብመዓልቲ መዓት ከም ዝድሕን፥ ብመዓልቲ ቍጥዓ ድማ ከም ዝናገፍ? 31ኣብ ገፁ ኾይኑ ዝገንሖ መን እዩ? ብሰሪ መንገዱ፥ ነቲ ዝገበሮ ኸዓ ዝፈድዮ መን እዩ? 32ናብ መቓብር ይውሰድ፤ ኣብ ልዕሊ መቓብሩ ኸዓ ሓለዋ ይግበር። 33ሓመድ እቲ ሽንጥሮ ንዕኡ ጥዑም እዩ፤ ኵሉ ሰብ ይስዕቦ፥ እቶም ቀቅድሚኡ ዝነበሩ ኸዓ ቍፅሪ የብሎምን። 34እምበኣር በዝ ከንቱ ቃላት ከመይ ኢልኩም ክተፅናንዑኒ ትኽእሉ? መልስታትኩም ዓመፅ ጥራሕ ደኣ እዩ።”