መንፈሰይ ተሰይሩ
መንፈስ ኢዮብ ተሰይሩ፥ መቓብር ድማ ከም ዓራት ተዳልዩሉ ይስምዖ። ዋሕስ ኮይኑ ዝቐውም መን ኣሎ ይብል፥ ካብ ፈተውቱ ሓደ ጥበበኛ እኳ የብሉን እሞ። ንጕድጓድ ‘ኣቦይ’፥ ንሓሰኻ ድማ ‘ኣደይ’ ክብል እንተ ኾይኑ፥ ተስፋኡ ኣበይ ኣሎ?
17 1“መንፈሰይ ተሰይሩ፥ መዓልቲታተይ ጠፊአን፥ መቓብር ድማ ተዳሊዩለይ ኣሎ። 2ብሓቂ መላገፅቲ ይኸቡኒ ኣለዉ፥ ዓይነይ ድማ ካብ ምሕጫጮም ክርሕቕ ኣይክእልን።
3“ምሳኻ ትሕጃ ኣንብረለይ፤ ንኣይ ዋሕስ ዝኸውን ካልእ መን ኣሎ? 4ኣእምሮኦም ካብ ምስትውዓል ዓፂኻዮ ኢኻ እሞ፥ ስለዙይ ክዕወቱ ኣይተፍቅደሎምን ኢኻ። 5እቲ ንፈተውቱ ምእንቲ ረብሓ ኣሕሊፉ ዝህብ፥ ኣዒንቲ ደቁ ክደኽማ እየን።
6“ኣብ ማእኸል ህዝቢ መላገፂ ገይሩኒ ኣሎ፥ ኣብ ገፀይ እንትፍ ዝብሉለይ ሰብ ድማ ኮይነ ኣለኹ። 7ዓይነይ ካብ ሓዘን ዝተልዓለ ፈዚዛ ኣላ፥ ኵሉ ኣካላተይ ድማ ከም ፅላሎት ኮይኑ። 8ቅኑዓት በዙይ ይስደምሙ፥ እቲ ንፁህ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ረሲእ ይለዓል። 9እቲ ፃድቕ ግና መንገዱ ኣፅኒዑ ይሕዝ፥ እቲ ንፁህ ኣእዳው ዘለዎ ኸዓ እናበርትዐ ይኸይድ።
10“ግናኸ ኵላትኩም ተመለሱ፥ ሕዚ ንዑ፤ ኣብ ማእኸልኩም ሓደ ጥበበኛ እኳ ኣይረክብን። 11መዓልቲታተይ ሓሊፈን፥ መደባተይ ተሰይረን፥ ምስአተንውን ትምኒት ልበይ ተሰይሩ። 12ንለይቲ ናብ መዓልቲ ይልውጥዎ፤ ኣብ ቅድሚ ፀልማት እናሃለዉ ‘ብርሃን ቀሪቡ እዩ’ ይብሉ። 13ንመቓብር ከም ቤተይ እንተ ተስፋ ገበርኩ፥ ኣብ ፀልማት ድማ መደቀሲየይ እንተ ኣንፀፍኩ፥ 14ንጕድጓድ ‘ኣቦይ ንስኻ ኢኻ’ እንተ በልኩ፥ ንሓሰኻ ኸዓ ‘ኣደይ’ን ‘ሓፍተይ’ን እንተ በልኩ፥ 15እምበኣር ተስፋ ኣበይ ኣሎ? ንኣይ ተስፋኸ መን ክርእዮ ይኽእል? 16ናብ ደጌታት መቓብር ድዩ ዝወርድ? ብሓባርከ ናብ ሓመድ ክንወርድ ኢና?”