ዘሕዝኑ መፀናንዕቲ
ኢዮብ ‘ዘሕዝኑ መፀናንዕቲ ኢኹም’ ይብሎም፥ ‘ቦታኹም እንተ ዝልወጥ፥ ኣነውን ከማኹም ምተዛረብኩ’ ይብል። ንእግዚኣብሄር ከም ተዋጋኢ፥ ክሳዱ ሒዙ ዒላማ ገይሩ ዘቘሞ ገይሩ ይገልፆ። ኮይኑ ግና ምስክሩ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎ ኣፅኒዑ ይዛረብ።
16 1ሽዑ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ 2ከምዙይ ዝበለ ብዙሕ ነገር ሰሚዐ ኣለኹ፤ ኵልኻትኩም ዘሕዝኑ መፀናንዕቲ ኢኹም። 3ናይ ንፋስ ዘረባኹም መወዳእታ የብሉን ድዩ? እንታይ ኣለዓዒሉኩም ኢኹም ገና እትምልሱ ዘለኹም? 4ንስኻትኩም ኣብ ክንዳይ እንተ ትኾኑ፥ ኣነውን ከማኹም ምተዛረብኩ፤ ኣብ ልዕሌኹም ቃላት ምሰራዕኩ፥ ብርእሰይ ከዓ ምነቕነቕኩልኩም። 5ኣነ ግና ብኣፈይ ምኣፅናዕኩኹም፥ ምፅንናዕ ከናፍረይ ድማ ቃንዛኹም ምፈኾሰ። 6እንተ ተዛረብኩ፥ ቃንዛይ ኣይቀልልን፤ እንተ ተዓገስኩ ኸዓ፥ እንታይ ይፍለየኒ? 7ብርግፅ ሕዚ እግዚኣብሄር ኣድኪሙኒ እዩ፤ ንዅሎም ሰብ ቤተይ ኣጥፊእካዮም ኢኻ። 8ጨምዲድካኒ ኢኻ፥ እዙይ ድማ ምስክር ኮይኑ፤ ምኽሳአይ ኣብ ልዕለይ ተንሲኡ፥ ኣብ ቅድሚ ገፀይ ይምስክር። 9ቍጥዓኡ ቀዲዱ ኣጥቂዑኒ፤ ኣስናኑ ሓርቂሙለይ፤ ፀላእየይ ከዓ ኣዒንቱ ኣትኪሉለይ ኣሎ። 10ሰባት ኣፎም ከፊቶምለይ፤ መትልሐይ ብንዕቐት ፀፍዑኒ፤ ኣብ ልዕለይ ተኣኪቦም ጭፍራ ኮይኖም ይላዓዓሉለይ ኣለዉ። 11እግዚኣብሄር ናብ ኢድ ዓመፀኛታት ኣሕሊፉ ይህበኒ፥ ናብ ኢድ ክፉኣትውን ይድርብየኒ። 12ብደሓን ነይረ፥ ንሱ ግና ሰበረኒ፤ ክሳደይ ሒዙ ቀጥቂጡ ሰባበረኒ፤ ንባዕሉ ኸዓ ዒላማ ገይሩ ኣቘመኒ። 13ቀስተኛታቱ ከበቡኒ፤ ንዅላሊተይ ብዘይ ምሕረት ይቐድድ፥ ሓሞተይ ድማ ኣብ ምድሪ የፍስስ። 14ስብራት ኣብ ልዕሊ ስብራት ይሰብረኒ፤ ከም ተዋጋኢ ኾይኑ ናባይ ይጐዪ። 15ኣብ ቆርበተይ ክዳን ሓዘን ሰፊየ፥ ግንባረይ ድማ ኣብ ሓመድ ቀቢረ። 16ገፀይ ካብ ብኽያት ቀይሕ ኮይኑ፥ ዓሚቝ ፅላሎት ድማ ኣብ ሽፋሽፍቲ ኣዒንተይ ኣሎ፥ 17ኣብ ኢደይ ግፍዒ እኳ እንተዘይነበረ፥ ፀሎተይ ድማ ንፁህ እዩ። 18ኦ ምድሪ፥ ንደመይ ኣይትኽድንዮ፤ ኣውያተይ ድማ መዕረፊ ኣይረኽብ። 19ሕዚ እኳ ምስክረይ ኣብ ሰማይ ኣሎ፥ መማጐትየይ ድማ ኣብ ኣርያም ኣሎ። 20ፈተውተይ ይንዕቑኒ፤ ዓይነይ ናብ እግዚኣብሄር ንብዓት ተፍስስ ኣላ፥ 21ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንሰብ ምእንቲ ኽማጐተሉ፥ ከምቲ ወዲ ሰብ ንብፃዩ ዝማጐተሉ እዩ። 22ውሑዳት ዓመታት ጥራሕ ክሓልፉ እዮም እሞ፥ ሽዑ ናብቲ ዘይምለሰሉ መንገዲ ክኸይድ እየ።