ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ?
እስራኤልን ይሁዳን ከም ክልተ ጠለምቲ ኣሓት ኮይነን ይቐረባ፥ ይሁዳ ድማ ረኣያ ገለ ስለ ዘይተማህረት ካብ ክልቲአን እታ ዝኸፍአት እያ። ምስዙይ ኵሉ ኣቦና ነቶም ከዳዓት ናብ ገዛ ይፅውዖም፥ በደሎም ጥራሕ ክእመኑ ይሓቶም፥ ብሓቂ ዝምግብዎም ጓሶት ድማ የተስፍዎም።
3 1ከምዙይ ይብሉ፦ ሓደ ሰብ ንሰበይቱ እንተ ፈትሐ፥ ንሳ ኸዓ ሓዲጋቶ ናብ ካልእ ሰብኣይ እንተ ተመርዐወት፥ ናብኣ ከም ብሓድሽ ይምለስዶ? እታ ምድሪ እቲኣ ፈፂማዶ ኣይትረክስን? ንስኺ ግና ምስ ብዙሓት ፍቁራት ኣመንዚርኪ— ናባይ ክትምለሲዶ ኢኺ? ይብል ኣቦኺ።
2ኣዒንትኺ ናብተን ጥራያት በረኽቲ ኣልዒልኪ ርአዪ፦ ኣበይ ዘይተነወርኪ? ኣብ ጥቓ መንገድታት ንፍቁራት ክትፅበዪ ተቐሚጥኪ፥ ከም ዓረባዊ ኣብ ምድረ በዳ። ነታ ምድሪ ብምንዝርናኽን ብክፍኣትኽን ኣርኪስክያ። 3ስለዙይ እቲ ዝናማት ተኸልአ፥ ዝናም ፀደይውን ኣይመፀን። ንስኺ ግና ደፋር ገፅ ኣመንዝራ ኣለኪ፤ ክትሓፍሪ ኣበኺ። 4ሕዚዶ ናባይ፥ “ኣቦይ፥ ንስኻ ፈታዊ ንእስነተይ ኢኻ” ኢልኪ ኣይፀዋዕክንን? 5“ንሱ ንዘለኣለም ክቑጣዕዶ እዩ? ቍጥዓኡ ንፍፃመ ክሕዝዶ እዩ?” ከምዙይ ኢኺ እትዛረቢ፥ ኵሉ እትኽእልዮ ክፉእ ግና ትገብሪ ኣለኺ።
ነቦአን ዝረስዓ ኽልተ ኣሓት
6ኣቦና ኸዓ ብዘመን ንጉስ ኢዮስያስ ከምዙይ በለኒ፦ “እታ ከዳዒት እስራኤል ዝገበረቶ ርኢኻዶ? ናብ ኵሉ ነዊሕ ኵድኵዳ ደዪባ፥ ኣብ ትሕቲ ኵሉ ልሙዕ ኦም ኣብኡ ኣመንዘረት። 7ነዝ ኵሉ ምስ ገበረት ድማ ናባይ ክትምለስ ይመስለኒ ነበረ፥ ንሳ ግና ኣይተመለሰትን፤ እታ ጠላም ሓፍታ ይሁዳ ኸዓ ረአየቶ። 8ነቲ ኵሉ ምንዝርና እታ ከዳዒት እስራኤል ሰዲደ፥ ናይ መፍትሒኣ ፅሑፍ ከም ዝሃብክዋ ረአየት። እንተ ኾነ እታ ጠላም ሓፍታ ይሁዳ ኣይፈርሀትን፤ ንሳ ኸዓ ኸይዳ ኣመንዘረት። 9ምንዝርናኣ ቀሊል ስለ ዝመሰላ ኸዓ፥ ምስ እምንን ኦምን እናዘመወት ንምድሪ ኣርከሰታ። 10ምስዙይ ኵሉ ኸዓ፥ እታ ከዳዒት ሓፍታ ይሁዳ ብምትምሳል እምበር ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመለሰትን፥ ይብል ኣቦኺ።”
11ኣቦና ኸዓ ከምዙይ በለኒ፦ እታ ከዳዒት እስራኤል ካብታ ጠላም ይሁዳ ኣዝያ ፃድቕቲ ኾይና።
12ኪድ ናብ ሰሜን ኣቢልካ ኸዓ ኸምዙይ ኢልካ ኣውጅ፦ ኣቲ ከዳዒት እስራኤል፥ ተመለሲ፥ ይብል ኣቦኺ። ኣነ መሓሪ እየ እሞ፥ ብቑጥዓ ኣይጥምተክን፤ ይብል ኣቦኺ፤ ንዘለኣለም ኣይቅየምን እየ። 13በደልኪ ጥራሕ እመኒ፦ ኣብ ልዕሊ ኣቦኺ ዓሚፅኪ፥ ኣብ ትሕቲ ኵሉ ልሙዕ ኦም ፍቕርኺ ናብ ጓኖት በቲንኪ፥ ቃለይ ከዓ ኣይሰማዕክንን፥ ይብል ኣቦኺ። 14ኣቱም ከዳዓት ውሉድ፥ ተመለሱ፥ ይብል ኣቦኹም፥ ኣነ ሰብኣይኩም እየ እሞ። ካብ ከተማ ሓደ፥ ካብ ዓሌት ከዓ ኽልተ ወሲደ፥ ናብ ፅዮን ከምፅአኩም እየ። 15ከምቲ ልበይ ዝደልዮ ጓሶት ድማ ክህበኩም እየ፤ ንሳቶም ከዓ ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ክምግቡኹም እዮም።
16ኣብታ ምድሪ ምስ በዛሕኩምን ምስ ረባሕኩምን፥ በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ይብል ኣቦኹም፥ መሊሶም “ታቦት ኪዳን ኣቦና” ኣይብሉን፤ ኣብ ልቦም ከዓ ኣይመፆምን፥ ኣይዝክርዎን፥ ኣይናፍቅዎን፥ ካልእውን ኣይስራሕን።
17“ሽዑ ንኢየሩሳሌም ‘ዙፋን ኣቦና’ ኢሎም ክፅውዕዋ እዮም፤ ኵሎም ኣህዛብ ከዓ ንስም ኣቦና ምእንቲ ኼኽብሩ ናብኣ ክእከቡ እዮም። ደጊምውን ነቲ ተሪር ክፉእ ልቦም ኣይክተሉን እዮም።” 18በተን መዓልቲታት እቲኣተን ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ክሕበር እዩ፤ ብሓንሳእ ድማ ካብ ሰሜናዊት ምድሪ ናብታ ንኣቦታትኩም ንርስቲ ዝሃብክዋ ምድሪ ክመፁ እዮም። 19ኣነ ድማ “ብኸመይ ደስ ኢሉኒ ኣብ ማእኸል ደቀይ ምቐመጥኩኺ፥ ባህ እተብል ምድሪ ኸዓ ምሃብኩኺ፥ ካብ ኵሉ ኣህዛብ ኣዝያ ፅብቕቲ ዝኾነት ርስቲ!” በልኩ። “ኣቦይ” ክትብልኒ፥ ካብ ምስዓበይ ከዓ ከቶ ኸም ዘይትግለሲ ድማ ይመስለኒ ነበረ። 20ግና ከምታ ንሰብኣያ እትጠልም ሰበይቲ፥ ከምኡ ኣቱም ቤት እስራኤል ጠሊምኩምኒ ኢኹም፥ ይብል ኣቦኹም።
21ኣብ ጥራያት በረኽቲ ድምፂ ይስማዕ ኣሎ፦ ብኽያትን ምህለላን ደቂ እስራኤል፤ ንመንገዶም ኣጣምሚሞም፥ ነቦኦም ድማ ረሲዖም እዮም እሞ።
22“ኣቱም ከዳዓት ውሉድ፥ ተመለሱ፤ ክሕደትኩም ከሕውየልኩም እየ።” “እንሆ ኣለና፥ ናባኻ ንመፅእ ኣለና፥ ንስኻ ኣቦና ኢኻ እሞ። 23ብሓቂ፥ እቲ ኣብ ኰረብትን ኣብ ኣኽራንን ዝስማዕ ወኻዕታ ከንቱ እዩ፤ ብሓቂ ምድሓን እስራኤል ብኣቦና እዩ። 24ካብ ንእስነትና ጀሚሩ፥ እቲ ዜሕፍር ነገር ነቲ ፍረ ድኻም ኣቦታትና፥ ነባጊዖምን ኣሓሆምን፥ ነወዳቶምን ኣዋልዶምን በሊዕዎ እዩ። 25ብሕፍረትና ንደቅስ፤ ውርደትናውን ይሸፍነና። ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ንኣቦና በዲልና ኢና እሞ፥ ንድምፂ ኣቦና ኣይሰማዕናን።”