ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣርኤል፥ ከተማ ዳዊት

ኢየሩሳሌም ድምፃ ካብ ሓመድ ክሳዕ ዝሕሹኽ ትክበብ፥ ሽዑ ፀላእታ ኸም ጥሙይ ዝገድፍ ሕልሚ ምግቢ ይጠፍኡ። ብኸናፍሮም ነቦና የኽብርዎ፥ ልቦም ግና ርሒቑ ይነብር፥ ስለዙይ ጥበቦም ይፈሽል። ኮይኑ ግና እቶም ፀማማት ክሰምዑ እዮም።

ምዕራፍ 29።

ወይለኺ ኣርኤል፥ ኣርኤል፥ እታ ዳዊት ዝሰፈረላ ከተማ! ዓመት ናብ ዓመት ወስኹ፤ በዓላት ከዓ ይዙራ። ንኣርኤል ግና ከጨንቓ እየ፥ ሓዘንን መልቀስን ድማ ክኸውን እዩ፤ ንዓይ ከዓ ኸም መሰውኢ ክትከውን እያ። ኣብ ዙርያኺ ክሰፍር እየ፤ ብቕፅሪ ክኸበኪ፥ ኣብ ልዕሌኺ ኸዓ መኸበቢ ከቕውም እየ። ክትትሓቲ ኢኺ፤ ካብ ምድሪ ክትዛረቢ ኢኺ፥ ቃላትኪ ድማ ኣብ ተጎጓ ትሕት ክብል እዩ። ድምፅኺ ከም ናይ መንፈስ ካብ ምድሪ ክወፅእ፥ ዘረባኺ ከዓ ኻብ ተጎጓ ክሕሹኽ እዩ። ሰራዊት ፀላእትኺ ግና ከም ረቂቕ ተጎጓ ክኸውን እዩ፥ ሰራዊት እቶም ጨካናት ድማ ከም ዝነፍስ ብቝቡቕ ክኸውን እዩ። ብቕፅበት፥ ብድንገት ከዓ ክኸውን እዩ። ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ብነጐድጓድን ብምንቅጥቃጥ ምድርን ብዓብዪ ድምፅን ክምልከተኪ እዩ፥ ብንፋስ ኣውሎን ብህቦብላን ብሃልሃልታ ዝበልዕ ሓውን። ሰራዊት ኵሎም እቶም ኣብ ልዕሊ ኣርኤል ዝዋግኡ ኣህዛብ፥ ኵሎም እቶም ንእኣን ንዕርዳን ዝዋግኡ ዘጨንቕዋን፥ ከም ሕልሚ፥ ከም ራእይ ለይቲ ክኾኑ እዮም። ከምቲ ጥሙይ ሰብ ዝበልዕ ኮይኑ ዝሓልም፥ ተበራቢሩ ኸዓ ጥሙይ ኮይኑ ዝተርፍ፥ ወይ ከምቲ ፃሙእ ሰብ ዝሰቲ ኾይኑ ዝሓልም፥ ተበራቢሩ ኸዓ ዝሕለል፥ ፅምኡ ዘይረወየሉ፥ ሰራዊት ኵሎም እቶም ኣብ ልዕሊ ከረን ፅዮን ዝዋግኡ ኣህዛብ ድማ ከምኡ ክኸውን እዩ። ተገረሙን ተደነቑን፤ ርእስኹም ኣዕውሩ ዕውራትውን ኩኑ! ሰኺሮም እዮም፥ ግና ብወይኒ ኣይኮነን፤ ይገላበጡ እዮም፥ ግና ብሜስ ኣይኮነን። ኣቦና ኣብ ልዕሌኹም መንፈስ ከቢድ ድቃስ ኣፍሲሱልኩም ኣሎ፤ ነዒንትኹም ንነቢያት ዓፅይዎም፥ ነርእስኹም ንረኣይቲ ኸዓ ሸፊንዎም። እቲ ኵሉ ራእይ ንኣኻትኩም ከም ቃላት እቲ ዝተሓተመ መፅሓፍ ኮይኑልኩም ኣሎ። ነቲ ኸንብብ ዝኽእል ሂቦም ከዓ፥ “በጃኻ፥ ነዙይ ኣንብቦ” ይብልዎ፤ ንሱ ድማ “ተሓቲሙ እዩ እሞ ኣይክእልን እየ” ይብል። እቲ መፅሓፍ ነቲ ኸንብብ ዘይኽእል ተዋሂቡ ኸዓ፥ “ነዙይ ኣንብቦ” ይብልዎ፤ ንሱ ድማ “ከንብብ ኣይክእልን እየ” ይብል።

ጐይታ ኣቦ ከምዙይ በለ፦ “እዝ ህዝቢ እዙይ ብኣፉ ቐሪቡ ብኸናፍሩ ስለ ዘኽብረኒ፥ ልቡ ግና ካባይ ስለ ዝረሓቐ፥ ፍርሓቶም ድማ ብሰብ ዝተምሃረ ትእዛዝ ስለ ዝኾነ፥ ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣነ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ ደጊመ ተኣምራት ክገብር እየ፥ ተኣምራት ኣብ ልዕሊ ተኣምራት፤ ጥበብ ጠቢባኖም ክጠፍእ፥ ምስትውዓል መስተውዓልቶም ድማ ክጠፍእ እዩ።” ነቶም ዓሚቚ ኣትዮም ምኽሮም ካብ ኣቦና ዝሓብኡ፥ ግብሮም ኣብ ፀልማት ዝግበር ወይለኦም፤ ከምዙይ ይብሉ፦ “መን ይርእየና? መን ይፈልጠና?”

ነገርኩም ከመይ ትግልብጡ! እቲ ሰራሒዶ ኸም መሬቱ ይቑፀር? እቲ ዝተሰርሐ ነቲ ዝሰርሖ “ኣይሰርሓንን” ከም ዝብሎ፥ ወይ እቲ ዝተቐረፀ ነቲ ዝፈጠሮ “ገለ ኣይፈልጥን” ከም ዝብሎ ድዩ?

ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ሊባኖስ ናብ ልምዕቲ መሬት ዝልወጠሉ፥ እታ ልምዕቲ መሬት ከዓ ኸም ዱር ዝቑፀረሉ ጊዜዶ ኣይኮነን? በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ፀማማት ቃላት መፅሓፍ ክሰምዑ፥ ኣዒንቲ እቶም ዕዉራት ከዓ ኻብ ጣቓን ፀልማትን ክርእያ እየን። ትሑታት ብኣቦና ሓድሽ ሓጐስ ክረኽቡ እዮም፥ ድኻታት ሰብ ድማ ብቅዱስ እስራኤል፥ ብኣቦና ክሕጐሱ እዮም። ጨካን ክጠፍእ፥ መላገፂ ድማ ክውዳእ እዩ እሞ፥ ኵሎም ክፉእ ክገብሩ ዝሓስቡ ክቍረፁ እዮም፥ እቶም ብዘረባ ንሰብ ሓጥእ ዘቍፅሩ፥ ነቲ ኣብ ደገ ፍትሒ ዝከላኸል መፈንጠር ዘፃውዱሉ፥ ነቲ ቅኑዕ ድማ ብኸንቱ ነገር ዘግልሱ። a a v21 ደገ እታ ኸተማ እቲ ጥንታዊ ቤት ፍርዲ ኾይኑ፥ ኣብኡ ክርክር ፍትሒ ይስማዕን ፍርዲ ይወሃብን ነበረ።

ስለዙይ እቲ ንኣብርሃም ዝተቤዘወ ኣቦና፥ ብዛዕባ ቤት ያእቆብ ከምዙይ ይብል፦ “ያእቆብ ደጊም ኣይሓፍርን እዩ፥ ገፁ ድማ ደጊም ኣይክጭልልን እዩ። ንሱ ነቶም ደቁ፥ ነቲ ኣብ ማእኸሎም ዘሎ ግብሪ ኣእዳወይ እንትርኢ፥ ንስመይ ክቅድሱ እዮም፤ ንቅዱስ ያእቆብ ክቅድሱ፥ ንኣቦና ድማ ክርዕዱ እዮም። b b v23 ኣቦና ነቶም ብኣእዳዉ ዝተፈጠሩ ደቁ እንትርኢ፥ ስሙ ይኽበር። እቶም ዝፈጠሮም ደቁ ናብኡ እንትምለሱ፥ ዳግም ምሕዳስ ይጅምር። እቶም ብመንፈሶም ዝጠፍኡ ክስተውዕሉ እዮም፥ እቶም መጕረምረምቲ ድማ ትምህርቲ ክቅበሉ እዮም።”