ኢዮስያስ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ነቲ ኪዳን ሓደሰ
ኢዮስያስ ነቲ ኪዳን ዓው ኢሉ ኣንበቦ፥ ድሕሪኡ ኸዓ ፈፀሞ፦ ነቲ መምለኺ ዓፀድ ኣንደዶ፥ ነቲ ናይ ጣዖት መቐመጢታት ኣፍረሶ፥ ንቶፌት ኣርከሶ፥ ነቲ መሰውኢ ኢዮርብዓም ጥሒኑ ሓዂ ገበሮ፥ ካብ ዘመን መሳፍንቲ ኣትሒዙ ኸምኡ ዝበለ ፋሲካ ዘይተገበረ ኸዓ ገበረ። ከምኡ ዝበለ ናብ ኣቦና ዝተመለሰ ንጉስ ኣይነበረን፥ እቲ ብምናሴ ዝነደደ ቍጥዓ ግና ገና ቀፂሉ ነበረ። ኔካዎ ድማ ቐተሎ።
23 1ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኽ ለኣኸ፥ ኵሎም ዓበይቲ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ድማ ናብኡ ተኣከቡ። 2እቲ ንጉስ ምስ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ኵሎምውን፥ ካህናትን ነቢያትን ኵሎም ህዝብን፥ ካብ ንእሽቶ ክሳዕ ዓብዪ፥ ናብ ቤት ኣቦና ደየበ። ነቲ ኣብ ቤት ኣቦና ዝተረኽበ ኵሉ ቓል መፅሓፍ ኪዳን ድማ ኣብ ኣእዛኖም ኣንበቦ። 3እቲ ንጉስ ኣብ ጥቓ እቲ ዓምዲ ደው ኢሉ፥ ክስዕቦን ትእዛዛቱን ምስክራቱን ሕግጋቱን ብምሉእ ልቡ ብምሉእ ነፍሱ ክሕሉ፥ ነቲ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ቓላት ኪዳን ክፍፅምን፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኪዳን ኣተወ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ኪዳን ተሳተፍዎ።
4እቲ ንጉስ ንሊቀ ካህናት ኬልቅያስን ነቶም ዳግማይ ካህናትን ነቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ፥ ነቲ ንበዓል፥ ንኣስታሮትን ንዅሎም ሰራዊት ሰማይን ዝተሰርሐ ኵሉ ኣቑሑ ካብ ቤት መቕደስ ኣቦና ከውፅእዎ ኣዘዞም። ኣብ ወፃኢ ኢየሩሳሌም ኣብ መሮር ቄድሮን ድማ ኣንደዶ፤ ሓሙዅሽቶም ከዓ ናብ ቤትኤል ወሰደ። 5ነቶም ነገስታት ይሁዳ ኣብ በረኽትታት ከተማታት ይሁዳን ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌምን ዕጣን ከትኑ ዝሸየምዎም ኣምለኽቲ ጣዖት ካህናትን፥ ነቶም ንበዓል፥ ንፀሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን ንዅሎም ሰራዊት ሰማይን ዕጣን ዘትኑን ኣወገዶም። 6ነቲ መምለኺ ዓፀድ ካብ ቤት ኣቦና ናብ ወፃኢ ኢየሩሳሌም ናብ ሩባ ቄድሮን ኣውፂኡ፥ ኣንደዶ፤ ጥሒኑ ሓዂ ገበሮ፤ ነቲ ሓዂ ድማ ኣብ መቓብር እቶም ተራ ህዝቢ በተኖ። 7ነቲ ኣብ ቤት ኣቦና ዝነበረ ኣባይቲ ሰዶማውያን፥ እተን ኣንስቲ ንኣስታሮት መጋረጃ ዝሰርሐሉ ዝነበራ፥ ኣፍረሶ። 8ካብ ከተማታት ይሁዳ ንዅሎም ካህናት ኣምፂኡ፥ ነቲ እቶም ካህናት ዕጣን ዘትኑሉ ዝነበሩ በረኽትታት፥ ካብ ጌባ ክሳዕ ቤርሳቤህ ኣርከሶም። ነቶም ኣብ ኣፍ ደገታት ዝነበሩ በረኽትታት ድማ ኣፍረሶም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብ መእተዊ ደገ ኢያሱ ሹም እታ ኸተማ፥ ብፀጋም ደገ እታ ኸተማ ዝነበሩ እዮም። 9ይኹን እምበር እቶም ናይ በረኽትታት ካህናት፥ ኣብ ማእኸል ኣሕዋቶም ካህናት ብዘይ ብሑቕ ዝኾነ እንጀራ እናበልዑ፥ ናብ መሰውኢ ኣቦና ኣብ ኢየሩሳሌም ኣይደየቡን። 10ሓደ እኳ ወዱ ወይ ጓሉ ንሞሎኽ ብሓዊ ኣሕሊፉ ምእንቲ ኸይህብ፥ ነቲ ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ዝነበረ ቶፌት ኣርከሶ። 11ነቶም ነገስታት ይሁዳ ንፀሓይ ዝወፈይዎም ኣፍራስ፥ ኣብ መእተዊ ቤት ኣቦና፥ ኣብ ጥቓ እታ ናይ ናታን ሜሌክ እቲ ኣብቲ ቀፅሪ ዝነበረ ሹም ዝኾነት ክፍሊ፥ ኣወገዶም። ነተን ሰረገላታት ፀሓይ ድማ ብሓዊ ኣንደደ። 12ነቶም ነገስታት ይሁዳ ዝሰርሕዎም ኣብ ናሕሲ ላዕለዋይ ደርቢ ኣካዝ ዝነበሩ መሰውእታትን፥ ነቶም ምናሴ ኣብ ክልቲኡ ኣፀድ ቤት ኣቦና ዝሰርሖም መሰውእታትን፥ እቲ ንጉስ ኣፍረሶም፤ ኣብኡ ድማ ሰቢሩ፥ ሓዂኦም ናብ ሩባ ቄድሮን ደርበዮ። 13እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም፥ ብደቡብ እቲ ዀረብታ ጥፍኣት ዝነበሩ በረኽትታት፥ ነቶም ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ንኣስታሮት ዘፀይፍ ጣዖት ሲዶናውያን፥ ንካሞሽ ዘፀይፍ ጣዖት ሞኣብ፥ ንሚልኮም ዘፀይፍ ጣዖት ደቂ ኣሞን ዝሰርሖም፥ ኣርከሶም። a a v13 ዀረብታ ጥፍኣት ድኳ እቲ ደቡባዊ ፀግዒ ዀረብታ ዘይቲ እዩ ነይሩ፤ ሰሎሞን ኣብኡ ንጓኖት ኣማልኽቲ ኣባይቲ ኣምልኾ ስለ ዝሰርሐ ድማ፥ እዝ ዘስካሕክሕ ስም ተውሃቦ። 14ነቶም ሓወልትታት ጣዖት ሰቢሩ፥ ነቲ መምለኺ ዓፀድ ቘሪፁ፥ ነቲ ቦታኦም ድማ ብዓፅሚ ሰብ መልኦ።
15ነቲ ኣብ ቤትኤል ዝነበረ መሰውኢ፥ እቲ ንእስራኤል ዘሕጥአ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ዝሰርሖ በረኽ ድማ፥ ነቲ መሰውኢ እቱይን ነቲ በረኽ እቱይን ኣፍረሶ፤ ነቲ በረኽ ኣንዲዱ፥ ጥሒኑ ሓዂ ገበሮ፤ ነቲ መምለኺ ዓፀድ ድማ ኣንደዶ። 16ኢዮስያስ ተመሊሱ ነቶም ኣብ ጎቦ እቲ ዀረብታ ዝነበሩ መቓብር ምስ ረአየ፥ ሰባት ልኢኹ ነቲ ዓፅምታት ኣውፂኡ፥ ነቲ መሰውኢ ኸርክሶ ኣብ ልዕሊኡ ኣንደዶ፤ እዙይ ድማ ነቲ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ነዝ ነገራት እዚ እናተነበየ ዝኣወጆ ቓል ኣቦና ኣፍፀመ። 17ንሱ ድማ “እዝ ዝርእዮ ዘለኹ እንታይ ሓወልቲ እዩ?” ኢሉ ጠየቐ። ሰብ እታ ኸተማ ድማ “እዙይ መቓብር እቲ ካብ ይሁዳ መፂኡ፥ ነቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ነገራት ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ቤትኤል ዝኣወጆ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እዩ” በልዎ።
18ንሱ ድማ “ሕደግዎ፤ ሓደ እኳ ዓፅምቱ ኣይተንክፎ” በለ። ስለዙይ ንዓፅምቱ ምስቲ ኻብ ሰማርያ ዝመፀ ነቢይ ዓፅሚ ሓደግዎ። 19ኢዮስያስ ከዓ ነቶም ነገስታት እስራኤል ንኣቦና ከቘጥዑ ዝሰርሕዎም፥ ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዝነበሩ ኵሎም ኣባይቲ በረኽ ኣወገዶም፤ ከምቲ ኣብ ቤትኤል ዝገበሮ ድማ ገበሮም። 20ንዅሎም ካህናት እቶም በረኽትታት ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢታት ሓሪዱ፥ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ዓፅሚ ሰብ ኣንዲዱ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
ኢዮስያስ ነቲ ፋሲካ መለሶ
21ሽዑ እቲ ንጉስ ንዅሎም ህዝቢ፥ “ከምቲ ኣብዝ መፅሓፍ ኪዳን እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ነቲ ፋሲካ ንኣቦኻትኩም ኣብዕልዎ” ኢሉ ኣዘዞም። 22ካብ ዘመን እቶም ንእስራኤል ዝመርሕዎም ዝነበሩ መሳፍንቲ ጀሚሩ፥ ኣብ ኵሉ ዘመን ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ድማ፥ ከምዙይ ዝበለ ፋሲካ ኣይተገብረን ነበረ። 23ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ንጉስ ኢዮስያስ ግና፥ እዝ ፋሲካ እዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ንኣቦና ተገብረ።
24ኢዮስያስ ከዓ ነቶም ፀዋዕቲ መናፍስትን ጠንቈልትን፥ ንኣማልኽቲ ቤትን ንጣዖታት፥ ነቲ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝረአ ዘፀይፍ ኵሉ ነገርን ኣወገዶም፤ እዙይ ከዓ ነቲ ኬልቅያስ ካህን ኣብ ቤት ኣቦና ኣብ ዝረኸቦ መፅሓፍ ተፅሒፉ ዝነበረ ቓል ሕጊ ዘፍፅም ነበረ። 25ከምኡ ብምሉእ ልቡ ብምሉእ ነፍሱ ብምሉእ ሓይሉን ናብ ኣቦና ተመሊሱ፥ ንዅሉ ሕጊ ሙሴ ዝሰዓበ ንጉስ፥ ቅድሚኡ ኾነ ድሕሪኡ ኣይነበረን። 26ይኹን እምበር፥ ምናሴ ነቲ ዘቘጥዖ ዝገበሮ ዅሉ ምኽንያት፥ ኣቦና ካብቲ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዝነደደ ዓብዪ ብርቱዕ ቝጥዓኡ ኣይተመለሰን።
27ኣቦና ድማ ከምዙይ ኢሉ ነበረ፦ “ከምቲ ንእስራኤል ዘውገድክዎ፥ ንይሁዳ እውን ካብ ቅድመይ ከወግዶ እየ፤ ነዛ ዝሓረኽዋ ኸተማ ኢየሩሳሌምን ‘ስመይ ኣብኡ ክኸውን እዩ’ ዝበልክዋ ቤትን ድማ ክንፀጎም እየ።”
28እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮስያስ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 29ብዘመኑ ፈርዖን ኔካዎ ንጉስ ግብፂ፥ ንንጉስ ኣሶር ኣብ ፈለግ ኤፍራጥስ ክሕግዝ ደየበ። ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ክቕበሎ ኸደ፤ ኔካዎ ግና ምስ ረአዮ ኣብ መጊዶ ቀተሎ። 30ኣገልገልቱ ድማ ሬሳኡ ብሰረገላ ኻብ መጊዶ ናብ ኢየሩሳሌም ወሲዶም፥ ኣብ መቓብሩ ቀበርዎ። ሽዑ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር፥ ንኢዮኣካዝ ወዲ ኢዮስያስ ወሲዶም፥ ቀቢኦም፥ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣንገስዎ።
ኢዮኣካዝ ነገሰ ተማረኸ ድማ
31ኢዮኣካዝ ምስ ነገሰ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ሰለስተ ወርሒ ነገሰ። እኖኡ ኸዓ ካብ ልብና ዝኾነት ሓሙጣል ጓል ኤርሚያስ ነበረት። 32ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ። 33ፈርዖን ኔኮ ኸዓ ኣብ ኢየሩሳሌም ምእንቲ ኸይነግስ፥ ኣብ ምድሪ ሓማት ኣብ ሪብላ ብሰንሰለት ኣሰሮ፤ ነታ ምድሪ ድማ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩርን ኣስታ ሰላሳ ኣርባዕተ ኪሎ ግራም ወርቅን ቀፀዓ። 34ፈርዖን ኔኮ ድማ ንኤልያቄም ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣንገሶ፤ ስሙ ኸዓ ናብ ኢዮያቄም ለወጠ። ንኢዮኣካዝ ከዓ ናብ ግብፂ ወሰዶ፤ ኣብኡ ድማ ሞተ። 35ኢዮያቄም ድማ ነቲ ብሩርን ወርቅን ንፈርዖን ከፈለ፤ ነቲ ፈርዖን ዝደለዮ ገንዘብ ምእንቲ ኽህብ ግና ነታ ምድሪ ግብሪ ኣኽፈላ። ነቲ ናብ ፈርዖን ኔኮ ዝወሃብ ብሩርን ወርቅን ድማ፥ ካብ ህዝቢ እታ ምድሪ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዝተመደበሉ ኣእከበ።
ኢዮያቄም ኣብ ይሁዳ ነገሰ
36ኢዮያቄም ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ነገሰ። ስም እኖኡ ድማ ዜቢዳ ጓል ጴዳያ ነበረ፤ ካብ ሩማ እያ። 37ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ።