ኢዮስያስ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ቅኑዕ ገበረ
ኣብ እዋን ምዕራይ ቤተ መቕደስ፥ ሊቀ ካህናት ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ረኸቦ፤ ዓው ኢሉ ምስ ተነበበ ድማ ኢዮስያስ ክዳውንቱ ቐደደ። ናብ ነቢዪት ሑልዳ ለኣኸ፤ ንሳ ኸዓ መከራ ኣቦና ኸም ዝመፅእ ኣረጋገፀት፥ ልቡ ለዋህ ስለ ዝነበረ ግና ቅድም ከም ዝቕበር ነገረት።
22 1ኢዮስያስ ንጉስ ምስ ኮነ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ሰላሳን ሓደን ዓመት ነገሰ። እኖኡ ኸዓ ካብ ቦፅቃት ዝኾነት የዲዳ ጓል ዓዳያ እያ። 2ኣብ ቅድሚ ኣቦና ድማ ቅኑዕ ገበረ፤ ብዅሉ መንገዲ ዳዊት ኣቦኡ እናኸደ፥ ንየማን ኮነ ንፀጋም ኣየግለሰን።
3ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ ድማ፥ ንጉስ ኢዮስያስ ነቲ ፀሓፊ ሻፋን ወዲ ኣፃልያ ወዲ መሹላም ናብ ቤት ኣቦና ልኢኹ ከምዙይ በሎ፦ 4ናብ ሊቀ ካህናት ሒልቅያስ ደይብ፤ ነቲ ኣብ ቤት ኣቦና ዝኣተወ ገንዘብ፥ ነቲ ሓለውቲ ኣፍደገ ካብ ህዝቢ ዝኣከብዎ ድማ ይቝፀሮ። 5ነቶም ኣብ ቤት ኣቦና ኣብ ልዕሊ እቲ ስራሕ ዝተመደቡ ሓለፍቲ ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ ነቶም ኣብ ቤት ኣቦና ዝተበላሸወ ዘዐርዩ ሰራሕተኛታት ይኽፈልዎም። 6ፀረብትን ነደቕትን ወቐርቲ እምንን፥ ነታ ቤት ንምዕራይ ዝኸውን ኣእዋምን ዝተፀርበ እምንን ንምግዛእ እዩ። 7ብእምነት ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ፥ ካብቲ ኣብ ኢዶም ዝተውሃቦም ገንዘብ ሕሳብ ኣይሕተቱን ነበሩ።
መፅሓፍ ሕጊ ተረኽበ
8ሊቀ ካህናት ሒልቅያስ ድማ ነቲ ፀሓፊ ሻፋን “ኣብ ቤት ኣቦና መፅሓፍ ሕጊ ረኺበ ኣለኹ” በሎ። ነቲ መፅሓፍ ድማ ንሻፋን ሃቦ፤ ንሱ ኸዓ ኣንበቦ። 9ፀሓፊ ሻፋን ድማ ንንጉስ “ባሮትካ ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝተረኽበ ገንዘብ ኣፍሲሶም፥ ነቶም ኣብ ቤት ኣቦና ዘለዉ ሰራሕተኛታትን ሓለፍትን ሃብዎም” ኢሉ ነገሮ። 10ፀሓፊ ሻፋን ድማ ንንጉስ “ካህን ሒልቅያስ መፅሓፍ ሃበኒ” ኢሉ ነገሮ፤ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ ኣንበቦ።
11እቲ ንጉስ ድማ ቃላት መፅሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ። 12እቲ ንጉስ ድማ ንካህን ሒልቅያስን፥ ንኣሒቃም ወዲ ሻፋንን፥ ንኣክቦር ወዲ ሚካያስን፥ ንፀሓፊ ሻፋንን፥ ንኣሳያስ ባርያ ንጉስን ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ 13“ኪዱ፥ ብዛዕባ ቃላት እዝ ዝተረኽበ መፅሓፍ እዙይ፥ ንኣይን ንህዝብን ንብዘሎ ይሁዳን ኢልኩም ንኣቦና ጠይቑ። ኣቦታትና ነቲ ብዛዕባና ዝተፅሓፈ ዅሉ ብምግባር ንቃላት እዝ መፅሓፍ እዙይ ኣይተኣዘዝዎን እሞ፥ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝነድድ ዘሎ ቍጥዓ ኣቦና ዓብዪ እዩ።”
14ካህን ሒልቅያስን ኣሒቃምን ኣክቦርን ሻፋንን ኣሳያስን ድማ ናብ እታ ነቢዪት ሑልዳ፥ ሰበይቲ ሻሉም ወዲ ቲቅዋ ወዲ ሃርሓስ ሓላዊ ክዳውንቲ፥ ኣብ መበል ካልኣይ ክፍሊ ኢየሩሳሌም እትነብር ዝነበረት ከዱ፤ ተዛረብዋ ኸዓ።
15ንሳ ድማ “ኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ ንገርዎ፦ 16ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣነ ኣብዝ ቦታ እዙይን ኣብ ተቐማጦኡን፥ ነቲ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መፅሓፍ ዘንበቦ ዅሉ ቓላት፥ መዓት ከምፅእ እየ። 17ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ስለ ዘዕጠኑ፥ ብዅሉ ግብሪ ኣእዳዎም ከዓ ስለ ዘቘጥዑኒ፥ ቍጥዓይ ኣብዝ ቦታ እዙይ ክነድድ እዩ፤ ኣይጠፍእን ከዓ።
18ነቲ ናብ ኣቦ ንምጥያቕ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ድማ ከምዙይ በልዎ፦ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕኹምዎ ቃላት፥ ኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
19ነቲ ኣብ ልዕሊ እዝ ቦታ እዙይን ኣብ ልዕሊ ተቐማጦኡን ዝተዛረብክዎ—ዑናን መርገምን ክኾኑ ምዃኖም—ምስ ሰማዕኻ፥ ልብኻ ስለ ዝለሰለሰን ኣብ ቅድሚ ኣቦ ርእስኻ ስለ ዘትሓትካን፥ ክዳውንትኻ ስለ ዝቐደድካን ኣብ ቅድመይ ድማ ስለ ዝበኸኻን፥ ኣነ ኸዓ ሰሚዐካ ኣለኹ ይብል ኣቦ። 20ስለዙይ ናብ ኣቦታትካ ክእክበካ እየ፤ ናብ መቓብርካ ድማ ብሰላም ክትእከብ ኢኻ፤ ነቲ ኣብዝ ቦታ እዙይ ዘምፅኦ ዅሉ መዓት ከዓ ኣዒንትኻ ኣይክርእይኦን እየን።” ሽዑ ነቲ መልሲ ናብ ንጉስ መለሱሉ።