ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ምናሴ ንይሁዳ ካብ ኣቦ ኣግለሶ

ምናሴ ኵሉ ይግልብጥ፦ በረኽቲ መሊሱ ሰርሐ፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ንሰራዊት ሰማይ መሰውኢታት ተኸለ፥ ንወዱ ብሓዊ ሰውአ፥ ምስ ፀዋዕቲ መናፍስትን ጠንቈልትን ተማኸረ፥ ንኢየሩሳሌም ድማ ብንፁህ ደም መልአ። ኣቦና ከዓ ነታ ኸተማ ኸም ሸሓነ ኸም ዝድርዛ ተዛረበ። ኣሞን ድማ ኣሰር ኣቦኡ ሰዓበ፥ ኣብ ቤተ መንግስቱ ኸዓ ተቐትለ።

ምዕራፍ 21።

ምናሴ ወዲ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ከሎ ነገሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ነገሰ። ስም እኖኡ ኸዓ ሔፅሲባ ነበረ። ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ፤ ነቲ ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጎም ኣህዛብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ርኹስ ስርዓት ሰዓበ። መሊሱ ነቲ ኣቦኡ ሕዝቅያስ ዘጥፍኦም በረኽቲ ሰርሐ፤ ንበዓል መሰውኢታት ሰርሐ፤ ከምቲ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ድማ መምለኺ ዓፀድ ተኸለ፤ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ ሰገደ፤ ኣገልገሎምውን።

ኣብ ቤት ኣቦና ድማ መሰውኢታት ሰርሐ፤ ብዛዕባኣ ከዓ ከምዙይ ኢሉ ነበረ፦ “ስመይ ኣብ ኢየሩሳሌም ከንብር እየ።”

ኣብ ክልቲኡ ኣፅዳት ቤት ኣቦና ድማ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ መሰውኢታት ሰርሐ። ንወዱ ድማ ብሓዊ ሰውአ፤ ጠንቈለ ኣማረተ ድማ፤ ምስ ፀዋዕቲ መናፍስትን ጠንቈልትን ከዓ ተማኸረ። ኣብ ቅድሚ ኣቦና ብዙሕ ክፉእ ብምግባር ኣቘጥዖ።

ነቲ ዝሰርሖ ፅሩብ ምስሊ ኣስታሮት ድማ ኣብታ ኣቦና ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን ከምዙይ ኢሉ ዝተዛረበላ ቤት ኣቘሞ፦ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ። ነቲ ኣነ ዝኣዘዝክዎም ዅሉ ተጠንቂቖም እንተ ሓልዮም፥ ነቲ ባርያይ ሙሴ ዝሃቦም ዅሉ ሕጊ ድማ እንተ ፈፂሞም፥ ነእጋር እስራኤል ካብታ ነቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ ደጊመ ኣየዀልለን እየ።”

ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን። ምናሴ ኸዓ ካብቶም ኣቦና ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝገደደ ክፉእ ክገብሩ ኣስሓቶም።

ስለዙይ ኣቦና ብኣገልገልቲ ነቢያት ገይሩ ከምዙይ ተዛረበ፦

“ምናሴ ንጉስ ይሁዳ እዝ ርኹስ ነገር እዙይ ስለ ዝገበረ፥ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኵሎም ኣሞራውያን ዝገደደ ስለ ዝኸፍአ፥ ንይሁዳ ድማ ብጣዖታቱ ስለ ዘሕጥኦም፥ ኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ንዝሰምዖ ዅሉ ክልቲኡ ኣእዛኑ ዘስካሕክሕ መከራ ከምፅእ እየ።

“ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ድማ መዐቀኒ ገመድ ሰማርያን መዐቀኒ ቤት ኣክኣብን ክዝርግሕ እየ፤ ከምቲ ሰብ ንሸሓነ ዝደርዞ፥ ደሪዘ ኸዓ ዝግልብጦ፥ ንኢየሩሳሌም ከምኡ ክገብራ እየ። ነቲ ዝተረፈ ርስተይ ድማ ክሓድግ እየ፤ ናብ ኢድ ፀላእቶም ከዓ ኣሕሊፈ ክህቦም እየ፤ ንዅሎም ፀላእቶም ግዳይን ምርኮን ክኾኑ እዮም፤ ካብታ ኣቦታቶም ካብ ግብፂ ዝወፁላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ ሎሚ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ስለ ዝገበሩን ስለ ዘቘጥዑንን እዩ።”

ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ብምግባር ንይሁዳ ዘሕጥኦ ሓጢኣት፥ ምናሴ ኣዝዩ ብዙሕ ንፁህ ደም ኣፍሰሰ፤ ንኢየሩሳሌም ድማ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መልኣ።

እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን፥ እቲ ዝገበሮ ዅሉን፥ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ምናሴ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ገነት ቤቱ፥ ኣብ ገነት ዑዛ ተቐበረ። ወዱ ኣሞን ድማ ኣብ ክንድኡ ነገሰ።

ኣሞን ነጊሱ ንኣቦ ሓደገ

ኣሞን ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ከሎ ነገሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ክልተ ዓመት ነገሰ። ስም እኖኡ ኸዓ ካብ ዮጥባታ ዝኾነት ጓል ሓሩፅ መሹለሜት ነበረት። ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ። ብዅሉ መንገዲ ኣቦኡ ኸደ፤ ነቶም ኣቦኡ ዘገልገሎም ጣዖታት ኣገልገለ ድማ ሰገደሎም። ንኣቦና ኣምላኽ ኣቦታቱ ሓደገ፤ ብመንገዲ ኣቦና ድማ ኣይከደን። ሹመኛታት ኣሞን ድማ ተመሓሓሉ፤ ነቲ ንጉስ ከዓ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ። እቶም ህዝቢ እታ ምድሪ ግና ነቶም ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣሞን ዝተመሓሓሉ ዅሎም ቐተልዎም፤ ንወዱ ኢዮስያስ ድማ ኣብ ክንድኡ ኣንገስዎ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሞን ነገር ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣብ መቓብሩ፥ ኣብ ገነት ዑዛ ተቐበረ፤ ወዱ ኢዮስያስ ድማ ኣብ ክንድኡ ነገሰ።