ኣቦ ንሕዝቅያስ ሰሚዑ የሕውዮ
ቤቱ ኸዳሉ ምስ ተነግሮ፥ ሕዝቅያስ ገፁ ናብ መንደቕ መሊሱ፥ ከመይ ገይሩ ኸም ዝተመላለሰ ኣቦኡ ኽዝክር ለመነ። ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ተወሰኸሉ፥ ንድሕሪት ዝመልስ ፅላሎት ከዓ ምልክት ኮነ። ድሕሪኡ ንልኡኻት ባቢሎን ኵሉ መዝገቡ ኣርኣዮም፥ እዝ ኵሉ ናብኡ ኸም ዝውሰድ ከዓ ሰምዐ።
20 1በቲ ዘመን እቱይ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ክመውት ተቓረበ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ድማ መፂኡ፥ “ኣቦና ከምዙይ ይብል፦ ቤትካ ኣዳሉ፤ ክትመውት ኢኻ እምበር ኣይትነብርን ኢኻ” በሎ።
2ሽዑ ሕዝቅያስ ገፁ ናብ መንደቕ መሊሱ ናብ ኣቦና ፀለየ፦ 3“ኦ ኣቦ! ብምሉእ ልቢ ብሓቂ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዝተመላለስኩ፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ፅቡቕ ዝኾነ ኸም ዝገበርኩ ዘክር።” ሕዝቅያስ ድማ መሪር ብኽያት በኸየ።
4ኢሳይያስ ካብ ማእኸላይ ኣፀድ ከይወፀ እንተሎ፥ ቃል ኣቦና ናብኡ መፀ፦
5“ተመሊስካ ንሕዝቅያስ ንሹም ህዝበይ ከምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ኣቦኻ፥ ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት፥ ከምዙይ ይብል፦ ፀሎትካ ሰሚዐ፥ ንብዓትካ ድማ ሪአ ኣለኹ። ኣነ ኸሕውየካ እየ። ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤተይ ክትድይብ ኢኻ። 6ኣብ ዕድሜኻ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ክውስኸልካ እየ፤ ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕን እየ፤ ምእንታይ፥ ከምኡውን ምእንቲ ባርያይ ዳዊት ኢለ ድማ ነዛ ኸተማ እዚኣ ክከላኸለላ እየ።”
7ኢሳይያስ ከዓ “ጎጎ በለስ ኣምፅኡ” በለ። ኣምፂኦም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ቝስሊ ገበርዎ፤ ንሱውን ሓወየ።
8ሕዝቅያስ ከዓ ንኢሳይያስ “ኣቦና ኸም ዘሕውየንን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት ኣቦና ኸም ዝድይብን እንታይ ምልክት ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖ።
9ኢሳይያስ ድማ “ኣቦና ነቲ ቃሉ ኸም ዝፍፅሞ፥ እዝ ካብ ኣቦና ዝኾነ ምልክትካ እዩ፦ እቲ ፅላሎት ዓሰርተ መደያይቦ ንቕድሚት ይኺድ ዶ ወይ ዓሰርተ መደያይቦ ንድሕሪት ይመለስ?” በለ።
10ሕዝቅያስ ድማ “እቲ ፅላሎት ዓሰርተ መደያይቦ ክነውሕ ቀሊል እዩ፤ ኣይፋሉን፥ ዓሰርተ መደያይቦ ንድሕሪት ይመለስ ደኣ” ኢሉ መለሰ።
11እቲ ነቢይ ኢሳይያስ ድማ ናብ ኣቦና ፀውዐ፤ ነቲ ፅላሎት ከዓ በቲ መደያይቦ ኣካዝ ዝወረደ ዓሰርተ መደያይቦ ንድሕሪት መለሶ።
ሕዝቅያስ ንልኡኻት ባቢሎን ይቕበሎም
12በቲ ጊዜ እቱይ ብሮዳክ ባለዳን ወዲ ባለዳን፥ ንጉስ ባቢሎን፥ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝነበረ ሰሚዑ፥ ናብ ሕዝቅያስ መልእኽትን ገፀ በረከትን ሰደደ። 13ሕዝቅያስ ድማ ተቐቢሉ ነቲ ዅሉ ቤት መዝገቡ፥ ብሩርን ወርቅን ቀመማትን ፅቡቕ ዘይትን ኵሉ ቤት ኣፅዋሩ፥ ኣብ መዛግቡ ዘሎ ዅሉን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱን ኣብ ኵሉ ግዝኣቱን ዘሎ፥ ሕዝቅያስ ዘየርኣዮም ገለ ነገር የለን ነበረ።
14ነቢይ ኢሳይያስ ድማ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ መፂኡ “እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ በሉ? ካበይ ከ መፁ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ከዓ “ካብ ርሑቕ ሃገር፥ ካብ ባቢሎን መፁ” በለ።
15ኢሳይያስ ድማ “ኣብ ቤትካ እንታይ ረኣዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ከዓ “ኣብ ቤተይ ዘሎ ዅሉ ረኣዩ፤ ካብ መዛግበይ ዘየርኣእክዎም ገለ የለን” ኢሉ መለሰ።
16ሽዑ ኢሳይያስ ንሕዝቅያስ “ቃል ኣቦና ስማዕ፦” በሎ።
17ኣብ ቤትካ ዘሎ ዅሉን ኣቦታትካ ኽሳዕ ሕዚ ዘዋህለልዎን ናብ ባቢሎን ዝውሰደሉ መዓልቲ ክመፅእ እዩ። ገለ እኳ ኣይተርፍን፥ ይብል ኣቦና። 18ካብ ደቅኻ፥ ካብ ዝውለዱ ዘርእኻ ድማ ገሊኦም ተወሲዶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ባቢሎን ስሉባት ክኾኑ እዮም።
19ሕዝቅያስ ከዓ “ብዘመነይ ሰላምን ድሕንነትን ኣይኸውንን ዶ?” ኢሉ ሓሲቡ፥ “እቲ ዝተዛረብካዮ ቃል ኣቦና ፅቡቕ እዩ” በለ።
20እቲ ዝተረፈ ናይ ሕዝቅያስ ነገርን ኵሉ ጅግንነቱን፥ ከመይ ገይሩ እቲ ቓላይን ቦዒን ሰሪሑ ናብታ ኸተማ ማይ ከም ዘእተወን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 21ሕዝቅያስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ወዱ ምናሴ ኸዓ ኣብ ክንድኡ ነገሰ።