ኣቦ ንጭንቂ ሕዝቅያስ ይምልሰሉ
ሕዝቅያስ ነታ ኣፈራርሒ መልእኽቲ ናብ ቤት ኣቦና ኣእትዩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ዘርግሓ። ኢሳይያስ ድማ እቲ ቅዱስ እስራኤል ነቲ ፀርፊ ኸም ዝሰምዖ፥ ንሰናክሬም ከዓ ብመንጠቖን ብልጓምን ናብ ምድሩ ኸም ዝመልሶ መለሰ። በታ ለይቲ እቲኣ እቲ ሰፈር ተወቕዐ፤ ሰናክሬም ድማ ኣብ ዓዱ ሞተ።
19 1ንጉስ ሕዝቅያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ድማ ናብ ቤት ኣቦና ኣተወ። 2ነቲ ኣዛዚ ቤተ መንግስቲ ኤልያቄም፥ ነቲ ፀሓፊ ሽብናን ነቶም ዓበይቲ ኻህናትን፥ ኵሎም ወጮ ተኸዲኖም፥ ናብ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ሰደዶም። 3ከምዙይ ድማ በልዎ፦ “ሕዝቅያስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሎሚ መዓልቲ ጭንቅን ውርደትን እያ፤ መዓልቲ ተግሳፅ ከዓ እያ፤ ውሉድ ናብ ምውላድ በፂሖም ኣለዉ፥ ንምውላዶም ግና ሓይሊ የለን። 4ምናልባሽ ኣቦኻ፥ ጐይታኡ ንጉስ ኣሶር ነቲ ህያው ኣቦ ኽፅርፍ ዝለኣኾ ኵሉ ቃላት እቲ ሓለቓ ሰራዊት ክሰምዕ እዩ፤ ነቲ ዝሰምዖ ቃላት ከዓ ክገስፆ እዩ። ስለዙይ ስለ እቲ ዝተረፈ ተረፍ ፀሊ።”
5ኣገልገልቲ ንጉስ ሕዝቅያስ ናብ ኢሳይያስ ምስ መፁ፥
6ኢሳይያስ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ንጐይታኹም ከምዙይ በልዎ፦ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነቲ ኣገልገልቲ ንጉስ ኣሶር ዝፀረፉኒ ዝሰማዕኻዮ ቃላት ኣይትፍራሕ። 7እንሆ፥ መንፈስ ከእትወሉ እየ፤ ወረ ሰሚዑ ናብ ምድሩ ክምለስ እዩ፤ ኣብኡ ድማ ብሰይፊ ኸውድቖ እየ።’”
8እቲ ሓለቓ ሰራዊት ድማ ንጉስ ኣሶር ካብ ላኪሶ ከም ዝወፀ ምስ ሰምዐ፥ ተመሊሱ ንንጉስ ምስ ልብና ክዋጋእ እንተሎ ረኸቦ። 9እቲ ንጉስ ድማ ብዛዕባ ቲርሃቃ ንጉስ ኵሽ፥ “እንሆ፥ ክዋገኣካ ወፂኡ ኣሎ” ዝብል ምስ ሰምዐ፥ ከም ብሓድሽ ናብ ሕዝቅያስ ልኡኻት ሰደደ፦ 10“ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ከምዙይ በልዎ፦ ‘እቲ እትኣምኖ ኣምላኽካ፥ ኢየሩሳሌም ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከም ዘይትውሃብ ብምባል ኣይታለልካ። 11እንሆ፥ ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራት ዝገበርወን፥ ፈፂሞም ከም ዘጥፍእወን ሰሚዕኻ ኣለኻ። ንስኻ ደኣ ኽትድሕንዶ ኢኻ? 12ኣማልኽቲ እቶም ቀዳሞተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብ፥ ንጎዛንን ንሓራን ንረጸፍን ነቶም ኣብ ተላሳር ዝነበሩ ደቂ ኤደን ኣድሒኖምዎምዶ? 13ንጉስ ሓማት፥ ንጉስ ኣርጳድ፥ ንጉስ ከተማ ሰፈርዋይም፥ ናይ ሄናን ናይ ዒዋን ነገስታት ኣበይ ኣለዉ?’”
ሕዝቅያስ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ዘርግሖ
14ሕዝቅያስ ድማ ነታ መልእኽቲ ካብ ኢድ እቶም ልኡኻት ወሲዱ ኣንበባ። ተሲኡ ድማ ናብ ቤት ኣቦና ደየበ፤ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ ዘርግሓ። 15ሕዝቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ፀለየ፦ “ኦ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፥ ንስኻ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅለን መንግስታት ምድሪ ኣምላኽ ኢኻ፤ ንስኻ ሰማይን ምድርን ፈጢርካ። 16ኦ ኣቦ፥ እዝንኻ ኣድንን እሞ ስማዕ፤ ኣዒንትኻ ክፈት እሞ ርአ። ነቲ ሰናክሪም ነቲ ህያው ኣቦ ኽፅርፍ ዝለኣኾ ቃላት ስማዕ። 17ኦ ኣቦ፥ ነገስታት ኣሶር ነቶም ኣህዛብ ምስ ምድሮም ብሓቂ ኣጥፊኦም እዮም፤ 18ነኣማልኽቶም ድማ ናብ ሓዊ ደርበይዎም፤ ንሳቶም ግብሪ ኢድ ሰብ፥ ዕንፀይትን እምንን ደኣ እዮም እምበር፥ ኣማልኽቲ ኣይነበሩን እሞ፥ ኣጥፍእዎም። 19ሕዚ ኸዓ ኦ ኣቦ፥ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኣምላኽ ምዃንካ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።”
ኣቦ ንትዕቢቲ ሰናክሪም የዋርዶ
20ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ድማ ናብ ሕዝቅያስ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “ኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብዛዕባ ሰናክሪም ንጉስ ኣሶር ዝፀለኻለይ ፀሎት ሰሚዐ ኣለኹ። 21ኣቦና ብዛዕባኡ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ድንግል ጓል ፅዮን ትንዕቐካን ትላገፀልካን ኣላ፤ ጓል ኢየሩሳሌም ደድሕሬኻ ርእሳ ትንቕንቐልካ ኣላ። 22ንመን ፀረፍካን ኣቃለልካን? ንመን ድምፅኻ ልዕል ኣቢልካ፥ ኣዒንትኻ ብትዕቢት ኣልዒልካ? ናብቲ ቅዱስ እስራኤል! 23ብልኡኻትካ ነቲ ጐይታ ኣቦ ፀረፍካ፥ ከምዙይ ድማ በልካ፦ ብብዙሕ ሰረገላታተይ ናብ ላዕለዎት እምባታት፥ ናብቲ ዝርሓቐ ኩርናዕ ሊባኖስ ደየብኩ። ነቶም ነዋሕቲ ፅሕድታቱን ነቶም ምሩፃት ኣእዋምን ቘረፅኩ። ናብቲ ዝረሓቐ ላዕለዋይ ጫፉ፥ ናብቲ ፅዑቕ ዱሩን በፃሕኩ። 24ዒላታት ኰዓትኩ፤ ናይ ጓና ማይ ድማ ሰተኹ፤ ብኸብዲ ኣእጋረይ ንዅሉ ወሓዝቲ ግብፂ ኣንፀፍክዎ። 25ኣይሰማዕካንዶ? ካብ ጥንቲ ገበርክዎ፤ ካብ ቀደም መዓልቲ ሓሰብክዎ፤ ሕዚ ኸዓ ፈፀምክዎ፤ ንስኻ ድማ ነተን ዕሩዳት ከተማታት ናብ ኵምራ ዑና ክትቅይረን። 26እቶም ነበርተን ሓይሊ ስኢኖም ተሸበሩን ሓፈሩን። ከም በቝሊ በረኻ፥ ከም ልሙዕ ጨንፈር፥ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ኸም ዝበቍል ሳዕሪ፥ ገና ከይዓበየ ዝሃጐጓ ኾኑ። 27ኮፍ ምባልካ ግና፥ ምውፃእካን ምእታውካን ኣባይ ምዅራይካን እፈልጥ እየ። 28ኣባይ ብምዅራይካን ናብ ኣእዛነይ ብዝበፅሐ ትዕቢትካን ምኽንያት፥ መንጠቆይ ኣብ ኣፍንጫኻ፥ ልጓመይ ድማ ኣብ ኸናፍርካ ገይረ፥ በታ ዝመፃእካላ መንገዲ ክመልሰካ እየ።
29ኦ ሕዝቅያስ፥ እዙይ ንኣኻ ምልክት እዩ፦ በዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቍል ብላዕ፤ በታ ዳግማይ ዓመት ከዓ ካብኡ ዝበቍል ብላዕ፤ በታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ ዝራእ እሞ ዕፀድ፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸል፥ ፍሪኣ ድማ ብላዕ። 30ተረፍ ቤት ይሁዳ ከም ብሓድሽ ኣብ ታሕቲ ሱር ሰዲዱ፥ ኣብ ላዕሊ ድማ ፍረ ክፈሪ እዩ። 31ካብ ኢየሩሳሌም ተረፍ፥ ካብ እምባ ፅዮን ድማ ዝደሓኑ ክወፁ እዮም። ቅንኣት ኣቦ ሰራዊት ሰማይ እዙይ ክፍፅም እዩ።
32“እምበኣር ኣቦና ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣቱን እዩ፤ ኣብኣ ፍላፃ እውን ኣይውርውርን እዩ፤ ብዋልታ ኣይቃወማን እዩ፤ ድልድል ሓመድ እውን ኣይገብረላን እዩ። 33በታ ዝመፃላ መንገዲ ክምለስ እዩ፤ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣቱን እዩ፥ ይብል ኣቦና። 34ነዛ ኸተማ እዚኣ ክከላኸለላ፥ ከድሕን ድማ እየ፤ ምእንቲ ባዕለይ፥ ምእንቲ ባርያይ ዳዊት ድማ።”
35በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ ኣቦና ወፂኡ፥ ኣብ ሰፈር ኣሶር ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰብ ቀተለ። ንግሆ ምስ ተሲኦም ከዓ፥ እንሆ ኵሎም ምዉታት ሬሳታት ኮይኖም ነበሩ። 36ስለዙይ ሰናኺሪብ ንጉስ ኣሶር ተንሲኡ ተመለሰ፤ ናብ ነነዌ ተመሊሱ ድማ ኣብኣ ተቐመጠ። 37ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኹ ኒስሮክ ክሰግድ እንተሎ፥ ደቁ ኣድራመሌክን ሳሬጼርን ብሰይፊ ቀተልዎ፤ ናብ ምድሪ ኣራራት ድማ ሃደሙ። ወዱ ኤሳርሃዶን ከዓ ኣብ ክንድኡ ነገሰ።