ኢዮኣቄም ኣብ ባቢሎን ዓመፀ
ኢዮኣቄም ዓመፀ፥ ወረርቲ ድማ መፁ፤ እቲ ፅሑፍ ከዓ ነቲ ምኽንያት ይነግር፦ እቲ ኣቦና ይቕረ ኺብለሉ ዘይፈተወ ንፁህ ደም ምናሴ። ናቡከደነፆር ንኢየሩሳሌም ከበባ፤ ኢዮኣኪን ድማ ኢዱ ሃበ፥ ምስ ሹመኛታትን ፀረብትን ወርቂ ቤተ መቕደስን ከዓ ተፈለሰ። ብዘይካ እቶም ኣዝዮም ድኻታት ሓደ እኳ ኣይተረፈን፥ ኣብ ትሕቲ ሴዴቅያስ ተባሂሉ ዝተሰመየ ኣኮኡ።
24 1ብዘመን ኢዮኣቄም ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብታ ምድሪ ደዪቡ ወረራ፤ ኢዮኣቄም ድማ ሰለስተ ዓመት ተገዝኦ፤ ሽዑ ተመሊሱ ኣብ ልዕሊኡ ዓመፀ። 2ሽዑ ኣቦና ወረርቲ ባቢሎናውያንን ሶርያውያንን ሞኣባውያንን ኣሞናውያንን ናብኡ ሰደደ፤ ከምቲ ኣቦና ብኣገልገልቱ ነቢያት ዝበሎ፥ ንይሁዳ ምእንቲ ኸጥፍእዋ ናባ ሰደዶም። 3እዙይ ብትእዛዝ ኣቦና ኣብ ይሁዳ ኮነ፤ ብሰሪ ሓጢኣት ምናሴ፥ እቲ ዝገበሮ ዅሉ፥ ካብ ቅድሚ ገፁ ምእንቲ ኼርሕቖም እዩ። 4ብሰሪ እቲ ዘፍሰሶ ንፁህ ደምውን እዩ፤ ንኢየሩሳሌም ብንፁህ ደም መሊእዋ ነበረ፥ ኣቦና ድማ ይቕረ ኺብለሉ ኣይፈተወን። 5እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣቄም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
6ኢዮኣቄም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮኣኪን ነገሰ።
7ንጉስ ባቢሎን ካብ ሩባ ግብፂ ክሳዕ ሩባ ኤፍራጥስ ዝነበረ ዅሉ ግዝኣት ንጉስ ግብፂ ስለ ዝወሰዶ፥ ንጉስ ግብፂ ደጊም ካብ ምድሩ ኣይወፀን።
8ኢዮኣኪን ኪነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ሰለስተ ወርሒ ነገሰ፤ እኖኡ ነሑሽታ ጓል ኤልናታን ናይ ኢየሩሳሌም ነበረት። 9ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ።
ኢየሩሳሌም ናብ ምርኮ ተወስደት
10በቲ ጊዜ እቲ ኣገልገልቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ፤ እታ ኸተማ ኸዓ ተኸበበት። 11ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ባዕሉ ኸዓ፥ ኣገልገልቱ ኣብ ዝኸብብዋ ዝነበሩ ጊዜ፥ ናብታ ኸተማ መፀ። 12ኢዮኣኪን ንጉስ ይሁዳ ድማ ንሱን እኖኡን ኣገልገልቱን ሹመኛታቱን ኣሕሉቑን ናብ ንጉስ ባቢሎን ወፁ፤ ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ መበል ሸሞንተ ዓመት መንግስቱ ማረኾ። 13ካብኡ ድማ ንዅሉ መዛግብቲ ቤት ኣቦናን ንመዛግብቲ ቤተ መንግስትን ወሰደ፤ ከምቲ ኣቦና ዝበሎ ድማ ነቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ንቤተ መቕደስ ዝገበሮ ዅሉ ኣቑሑ ወርቂ ቘራረፆ። 14ንብዘላ ኢየሩሳሌም፥ ንዅሎም ሹመኛታትን ንዅሎም ሓያላት ጀጋኑን፥ ዓሰርተ ሽሕ ምሩኻት፥ ንዅሎም ፀረብትን ሰብ ሞያን ድማ ፈለሰ፤ ብዘይካ እቶም ኣዝዮም ድኻታት ሰብ እታ ምድሪ፥ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። 15ንኢዮኣኪን ናብ ባቢሎን ፈለሶ፤ ንእኖ ንጉስን ነንስቱን ሹመኛታቱን ንዓበይቲ እታ ምድርን ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ባቢሎን ማረኾም። 16ንጉስ ባቢሎን ድማ ንዅሎም ሸውዓተ ሽሕ ተዋጋእቲ ሰባትን ሽሕ ፀረብትን ሰብ ሞያን፥ ኵሎም ሓያላትን ናብ ውግእ ዝወፁን፥ ናብ ባቢሎን ፈለሶም። 17ንጉስ ባቢሎን ድማ ንሓወቦ ኢዮኣኪን ማታንያስ ኣብ ክንድኡ ኣንገሶ፤ ስሙ ኸዓ ናብ ሴዴቅያስ ለወጠ።
ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ
18ሴዴቅያስ ኪነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ነገሰ፤ እኖኡ ሓሙጣል ጓል ኤርሚያስ ናይ ልብና ነበረት። 19ከምቲ ኢዮኣቄም ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ። 20እዙይ ኵሉ ብሰሪ ቍጥዓ ኣቦና ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ኮነ፤ ክሳዕ ካብ ቅድሚ ገፁ ዝደርበዮም። ሴዴቅያስ ድማ ኣብ ንጉስ ባቢሎን ዓመፀ።