ከበባን ውድቀትን ኢየሩሳሌም
እቲ ኸበባ ብጥሜትን ብምፍራስ ቅፅርን ተወድአ። ደቂ ሴዴቅያስ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ተቐትሉ፥ ድሕሪኡ ኸዓ ኣዒንቱ ተጐጥጐጣ። ቤተ መቕደስ ብሓዊ ነደደ፥ እቲ ህዝቢ ተማረኸ፥ እቲ ሹም ከዓ ተቐትለ። ብመወዳእታ ኸዓ እቲ ዝተማረኸ ንጉስ ኣብ ማእዲ ባቢሎን እናበልዐ ይዛዘም።
25 1ኣብ መበል ታሽዐይቲ ዓመት ሴዴቅያስ፥ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምስ ኵሉ ሰራዊቱ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ፥ ኣብ ወፃኢ ሰፊሩ ድማ ኣብ ዙርያኣ መኽበቢ ቅፅሪ ሰርሐ። 2እታ ኸተማ ኸዓ ክሳዕ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ንጉስ ሴዴቅያስ ተኸቢባ ፀንሐት። 3ብታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ፥ እቲ ጥሜት ኣብታ ኸተማ ኣዝዩ በርቲዑ፥ ህዝቢ እታ ምድሪ ዝበልዕዎ ኣይነበሮምን። 4እቲ ቅፅሪ እታ ኸተማ ተሰብረ፤ እቶም ባቢሎናውያን ኸቢቦምዋ እኳ እንተ ነበሩ፥ ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ብለይቲ በቲ ኣብ ጥቓ ገነት ንጉስ ዝነበረ ኣብ መንጎ ክልተ ቅፅሪ ዝነበረ ደገ ሃዲሞም ናብ ዓረባ ኣምርሑ። 5እቲ ሰራዊት ባቢሎን ድማ ነቲ ንጉስ ሰዓብዎ፤ ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ከዓ ኣርከብዎ፤ ኵሎም ሰራዊቱ ድማ ካብኡ ፋሕ በሉ። 6ነቲ ንጉስ ሒዞም ድማ ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣደዪቦም ፈረድዎ። 7ንደቂ ሴዴቅያስ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቐተልዎም፤ ኣዒንቲ ሴዴቅያስ ድማ ጐጥጐጥዎ፤ ብሞቕሕ ነሃስ ኣሲሮም ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
8ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ፥ ማለት ኣብ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ነቡዛርዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት፥ ኣገልጋሊ ንጉስ ባቢሎን፥ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ። 9ንቤት ኣቦና፥ ንቤተ መንግስቲ ንጉስን ንኵለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ድማ ብሓዊ ኣቃፀለን፤ ንኵሉ ዓብዪ ቤት ከዓ ብሓዊ ኣቃፀሎ። 10ኵሉ እቲ ምስ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝነበረ ሰራዊት ባቢሎን ድማ ነቲ ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ቅፅሪ ኣፍረስዎ። 11ነቡዛርዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት ድማ ነቶም ኣብታ ኸተማ ተሪፎም ዝነበሩ ዝተረፉ ህዝቢ፥ ነቶም ናብ ንጉስ ባቢሎን ኣዲዖም ዝኸዱ፥ ነቲ ዝተረፈ ብዝሒ ህዝቢ ማሪኹ ወሰዶም። 12እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ግና ነቶም ኣታኽልቲ ወይንን ገራሁን ክኣልዩ፥ ካብ ድኻታት እታ ምድሪ ገሊኦም ሓደገ።
13እቶም ባቢሎናውያን ድማ ነቲ ኣብ ቤት ኣቦና ዝነበረ ኣዕማድ ነሃስን ነቲ ተንቀሳቓሲ መቛሚያታትን ነቲ ባሕሪ ነሃስን ሰባቢሮም ነቲ ነሃስ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። 14ነቲ ገበራታትን መፅሓሪታትን መዀስተርን ፃሕልታትን ነቲ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቑሑ ነሃስን ድማ ወሰዱ። 15እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ድማ ነቲ ፅንሃሃትን ጭሐሎታትን፥ ነቲ ብፅሩይ ወርቅን ብፅሩይ ብሩርን ዝኾነ ኵሉ ወሰዶ። 16እቲ ኽልተ ኣዕማድ፥ እቲ ባሕሪ፥ እቲ ሰሎሞን ንቤት ኣቦና ዝሰርሖ መቛሚያታትን ድማ፥ ናይ ኵሉ እዙይ ነሃስ ብሚዛን ዝልካዕ ኣይነበረን። 17ቁመት ነፍሲ ወከፍ ዓምዲ ዕስራን ሸውዓተን ጫማ ነበረ፤ ኣብ ርእሱ ድማ ቁመቱ ኣርባዕተን ፈረቓን ጫማ ዝኾነ ጕልላት ነሃስ ነበሮ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ጕልላት ከዓ ብነሃስ ዝተገብረ ዓይኒ ርግቢ ምስ ሮማን ነበሮ። እቲ ኻልኣይ ዓምዲ ድማ ምስ ዓይኒ ርግቢ ኸምኡ ነበረ።
18እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ድማ ንሰራያ ሊቀ ኻህናት፥ ንዘፎንያስ እቲ ኻልኣይ ካህን፥ ነቶም ሰለስተ ሓለውቲ ደገ ወሰዶም። 19ካብታ ኸተማ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ተዋጋእቲ ዝነበረ ሹም፥ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዝቐርቡ ኣማኸርቲ ኣብኣ ዝተረኸቡ ሓሙሽተ ሰባት፥ ነቲ ህዝቢ እታ ምድሪ ዝመለመለ ፀሓፊ ሓለቓ ሰራዊት፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረኸቡ ስሳ ተራ ሰባት ወሰደ። 20ነቡዛርዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት ድማ ወሲዱ ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣምፅኦም። 21ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብኡ ኣብ ሪብላ፥ ኣብ ምድሪ ሓማት፥ ወቒዑ ቐተሎም። ከምዙይ ጌሩ ድማ ይሁዳ ኻብ ምድሩ ተማረኸ።
ጎዶልያስ ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ተሸይሙ
22ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ድማ ንጎዶልያስ ወዲ ኣሒቃም ወዲ ሳፋን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ይሁዳ ዝተረፉ ህዝቢ ሹም ገበሮ። 23ኵሎም እቶም ሓለቕቲ ሰራዊትን ሰቦምን ድማ፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ሹም ከም ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፥ እስማኤል ወዲ ነታንያ፥ ዮሃናን ወዲ ቃሬ፥ ሰራያ ወዲ ታንሑመት በዓል ነጦፋ፥ ያእዛንያ ወዲ እቲ መዓካታዊ ድማ፥ ምስ ሰቦም ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ። 24ጎዶልያስ ድማ ንኣኣቶምን ንሰቦምን ከምዙይ ኢሉ መሓለሎም፦ “ነቶም ኣገልገልቲ ባቢሎናውያን ኣይትፍርሑ። ኣብዛ ምድሪ ተቐመጡ፥ ንጉስ ባቢሎን ኣገልግሉ፥ ፅቡቕ ድማ ክኾነልኩም እዩ።”
25ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ድማ እስማኤል ወዲ ነታንያ ወዲ ኤሊሳማ፥ ካብ ዘርኢ ንጉስ ዝኾነ፥ ምስ ዓሰርተ ሰባት መፂኡ ንጎዶልያስ ወቒዑ ቐተሎ፤ ነቶም ኣብ ምፅጳ ምስኡ ዝነበሩ ኣይሁድን ባቢሎናውያንን ድማ ቐተሎም። 26ኵሎም እቶም ህዝቢ ኻብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፥ ምስ ሓለቕቲ ሰራዊት ድማ፥ ነቶም ባቢሎናውያን ፈሪሖም ናብ ግብፂ ሃደሙ።
ተስፋ ነቲ ዝተማረኸ ንጉስ
27ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት ምርኮ ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብታ ኤዊልሜሮዳክ ንጉስ ባቢሎን ዝኾነ ዓመት፥ ንዮያኪን ሞገስ ገይሩ ብመበል ዕስራን ሸውዓተን መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅኦ። 28ፅቡቕ ቃል ድማ ተዛረቦ፤ ካብ ነገስታት እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ልዕል ዝበለ መንበር ድማ ሃቦ። 29ዮያኪን ድማ ክዳውንቲ ቤት ማእሰርቲ ቐንጢጡ፥ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ኵሉሻዕ ኣብ ጠረጴዛ ንጉስ እንጀራ በልዐ። 30እቲ ንጉስ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ቀለቡ መዓልቲ መዓልቲ ይህቦ ነበረ።