ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሸውዓተ ናይ መወዳእታ መቕሰፍቲ

እቶም ነቲ ኣራዊት ዝነፈግዎ ኣብ ጥቓ ባሕሪ መስትያት ደው ኢሎም መዝሙር ሙሴን መዝሙር እቲ ገንሸልን ይዝምሩ፥ መንገድታት ኣቦና ቅኑዕን ሓቀኛን ኢሎም ይፅውዑ። ሸውዓተ መላእኽቲ ብሩህ ሃሪ ተኸዲኖም ምስ ሸውዓተ ጭሐሎታት ይወፁ፥ ትኪ ድማ ነቲ መቕደስ ይመልኦ፥ ክሳዕ ዝፍሰሱ ሓደኳ ክኣቱ ኣይኽእልን።

ምዕራፍ 15።

ኣብ ሰማይ ካልእ ዓብዪን ዘገርምን ምልክት ረአኹ፦ ቍጥዓ ኣቦና ብኣኣቶም ተፈፂሙ እዩ እሞ፥ ሸውዓተ መላእኽቲ ነቶም ሸውዓተ ናይ መወዳእታ መቕሰፍቲ ሒዞም ነበሩ።

ብሓዊ ዝተሓወሶ ከም መስትያት ዝመስል ባሕሪ ረአኹ፤ እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ንቝፅሪ ስሙን ዝሰዓሩ ድማ፥ ናይ ኣቦና በገናታት ሒዞም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ነበሩ። ንሳቶም ድማ መዝሙር ሙሴ ባርያ ኣቦናን መዝሙር ኢየሱስ እቲ በጊዕን ከምዙይ እናበሉ ዘመሩ፦ “ግብርታትካ ዓብዪን ዘገርምን እዩ፥ ኦ ኵሉ እትኽእል ጐይታ ኣቦ! መንገድታትካ ቅኑዕን ሓቀኛን እዩ፥ ኦ ንጉስ ኣህዛብ! ኦ ኣቦ፥ ዘይፈርሀካን ንስምካ ዘየኽብርን መን እዩ? ንስኻ በይንኻ ቅዱስ ኢኻ እሞ። ኵሎም ኣህዛብ መፂኦም ኣብ ቅድሜኻ ክሰግዱ እዮም፤ ፅድቂ ግብርታትካ ተገሊፁ እዩ እሞ።”

ድሕሪዙይ ረአኹ፥ እቲ መቕደስ፥ እቲ ድንኳን ምስክር፥ ኣብ ሰማይ ተኸፈተ። እቶም ነቲ ሸውዓተ መቕሰፍቲ ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ ንፁህን ብሩህ ሃሪ ተኸዲኖም፥ ኣብ ኣፍ ልቦም ድማ ናይ ወርቂ ቅናት ተዓጢቖም፥ ካብቲ መቕደስ ወፁ።

ሽዑ ካብቶም ኣርባዕተ ህያዋን እንስሳ ሓደ፥ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፥ ብቍጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር ኣቦና ዝመልአ ሸውዓተ ናይ ወርቂ ጭሐሎታት ሃቦም። ካብ ክብሪ ኣቦናን ካብ ሓይሉን ዝወፀ ትኪ ነቲ መቕደስ መልኦ፤ እቲ ናይ እቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ሸውዓተ መቕሰፍቲ ክሳዕ ዝውዳእ፥ ሓደኳ ናብቲ መቕደስ ክኣቱ ኣይከኣለን።