እቲ ገንሸልን እቶም 144,000ን
እቲ ገንሸል ኣብ እምባ ፅዮን ምስ እቶም ስም ኣቦኡ ኣብ ግምባሮም ዘለዎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ደው ይብል፥ ንሳቶም ካልእ ክመሃሮ ዘይኽእል መዝሙር ይፈልጡ። ሰለስተ መላእኽቲ ይበርሩ፦ ንዅሉ ህዝቢ ብስራት፥ ውድቀት ባቢሎን፥ ነቶም ንኣራዊት ዝሰግዱ መጠንቀቕታ። ደሓር እታ ምድሪ ትዕፀድ፥ እቲ ወይኒ ድማ ይረግፅ።
14 1ነቲ ገንሸል ንኢየሱስ ኣብ እምባ ፅዮን ደው ኢሉ እንተሎ ረኣኹ፤ ምስኡ ኸዓ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም ተፂሒፉ ዘለዎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። 2ካብ ሰማይ ድማ ከም ድምፂ ብዙሕ ማያት ዝጓዝምን ከም ዓብዪ ነጐድጓድን ዝኾነ ድምፂ ሰማዕኹ፤ እቲ ዝሰማዕኽዎ ድምፂ ኸዓ ከም ተፃወትቲ በገና፥ ነቲ በገናታቶም እናተፃወቱ ዘስምዕዎ ነበረ። 3ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን እቶም ሽማግለታትን ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ፤ ነቲ መዝሙር ድማ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ ዝደሓኑ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ፥ ሓደኳ ክመሃሮ ዝኽእል ኣይነበረን። 4እዚኣቶም እቶም ምስ ኣንስቲ ዘይረኸሱ እዮም፤ ደናግል እዮም እሞ። ናብቲ ዝኸዶ ዅሉ ነቲ ገንሸል ንኢየሱስ ይስዕብዎ። ካብ ሰብ ተዓዲጎም ድማ ንኣቦናን ንገንሸልን በዅሪ ፍረ ኾኑ፥ 5ኣብ ኣፎም ድማ ሓሰት ኣይተረኽበን፤ ፍፁማት እዮም።
እቲ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ይውፅእ
6ካልእ መልኣኽ ድማ ኣብ ማእኸል ሰማይ እናበረረ ረኣኹ፤ ንሱ ኸዓ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ ንዅሉ ኣህዛብን ነገድን ቛንቋን ህዝብን ክሰብኽ፥ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ሒዙ ነበረ። 7ዓው ኢሉ ኸዓ ከምዙይ በለ፦ “ንኣቦና ፍርሑ፤ ክብሪ ድማ ሃብዎ፤ ሰዓት ፍርዱ በፂሓ እያ እሞ። ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝፈጠረ ስገዱ።”
8ካልኣይ መልኣኽ ድማ ሰዓቦ፤ ከምዙይ ከዓ በለ፦ “እታ ዓባይ ባቢሎን ወደቐት፥ ወደቐት፤ ንሳ ነቶም ኵሎም ኣህዛብ፥ ናይ ዝሙታ ፍትወት ወይኒ ኣስትያቶም እያ።”
9ሳልሳይ መልኣኽ ድማ ሰዓቦም፤ ዓው ኢሉ ኸዓ ከምዙይ በለ፦ “እቲ ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን ዝሰግድ፥ ኣብ ግምባሩ ወይ ኣብ ኢዱውን ምልክት ዝቕበል ዅሉ፥ 10ንሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ፅዋዕ ቍጥዓኡ ተዳልዩ ዘሎ ዘይተሓወሶ ወይኒ ቍጥዓ ኣቦና ክሰቲ እዩ፤ ኣብ ቅድሚ እቶም ቅዱሳን መላእኽትን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ድማ ብሓዊን ዲንን ክሳቐ እዩ። 11ትኪ ስቓዮም ድማ ንዘለኣለመ ኣለም ይለዓል ኣሎ፤ እቶም ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን ዝሰግዱ፥ ምልክት ስሙ ዝቕበሉ ዅሎም ከዓ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን።”
12ትዕግስቲ እቶም ቅዱሳን እንሆ፦ እዚኣቶም እቶም ትእዛዛት ኣቦና ዝሕልዉን ብኢየሱስ ዘለዎም እምነት ዝሕዙን እዮም።
13ካብ ሰማይ ከዓ ድምፂ ሰማዕኹ፦ “ካብ ሕዚ ጀሚሮም ብጐይታ ዝሞቱ ምዉታት ብፁኣን እዮም እሞ ፀሓፍ።” መንፈስ ቅዱስ ድማ “እወ፥ ካብ ጻዕሮም ይዓርፉ፤ ግብሮም ከዓ ይስዕቦም እዩ” ይብል።
ወዲ ሰብ ዝመስል ሓደ
14ጠሚተ ድማ፥ እንሆ ፀዓዳ ደመና ረኣኹ፤ ኣብ ልዕሊኣ ኸዓ ወዲ ሰብ ዝመስል ሓደ፥ ንሱ ድማ ኢየሱስ ተቐሚጡ ነበረ፤ ኣብ ርእሱ ወርቃዊ ኣኽሊል፥ ኣብ ኢዱ ድማ በሊሕ ማዕፀድ ነበሮ። 15ካልእ መልኣኽ ድማ ካብ ቤተ መቕደስ ወፀ፤ ነቲ ኣብ ደመና ተቐሚጡ ዝነበረ ዓው ኢሉ ኸዓ ከምዙይ በሎ፦ “ሰዓት ምዕፃድ በፂሓ እያ፥ ዓፂድ ምድሪ ድማ ኣዝዩ በሲሉ እዩ እሞ ማዕፀድካ ስደድ፥ ዕፆድ።” 16ሽዑ እቲ ኣብ ደመና ዝነበረ ማዕፀዱ ናብ ምድሪ ወርወረ፤ ምድሪ ድማ ተዓፅደት።
17ሽዑ ኻልእ መልኣኽ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ ቤተ መቕደስ ወፀ፤ ንሱውን በሊሕ ማዕፀድ ነበሮ። 18ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ድማ ካብቲ መሰውኢ ወፀ፤ ነቲ በሊሕ ማዕፀድ ዝሓዘ ዓው ኢሉ ኸዓ ከምዙይ በሎ፦ “ፍረ ወይኒ ምድሪ በሲሉ እዩ እሞ ነቲ በሊሕ ማዕፀድካ ስደድ፥ ኣስካል ወይኒ ምድሪ ኣክብ።” 19እቲ መልኣኽ ድማ ማዕፀዱ ናብ ምድሪ ከተተ፤ ወይኒ ምድሪ ዓፀደ፤ ናብቲ ዓብዪ መፅመቚ ወይኒ ቍጥዓ ኣቦና ኸዓ ደርበዮ። 20እቲ መፅመቚ ወይኒ ድማ ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ ተረግፀ፤ ደም ከዓ ካብቲ መፅመቚ ወይኒ ውሒዙ፥ ክሳዕ ልጓም ፈረስ ዝበፅሕ ኾይኑ፥ ኣስታት ሚእትን ሰማንያን ማይል ኣቢሉ ፈሰሰ።