ኦ ወደይ፥ ልብኻ ሃበኒ
ኣመጋግባ ምስ ትሕቲኡ ዝበርተዐ ነገር። ኣብ ጥዑም ምግቢ ሹም ንርእስኻ ተጠንቀቕ፥ ኣኽናፍ ኣውፂኡ ዝበርር ሃብቲ ኽትረክብ ኢልካ ኸዓ ኣይትድከም። ኣብ መወዳእታ ብምስሊ ሰኻር ይፍፅም፥ ተወቒዑ ዘይስምዖ፥ ካልእ መስተ ኽደሊ ጥራሕ ዝበራበር።
23 1ምስ ሹም ክትምገብ እንተ ተቐሚጥካ፥ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ኣፅኒዕካ ኣስተብህል፥ 2ሆድካ ዝገዝኣካ ሰብ እንተ ኴንካ፥ ኣብ ጐረሮኻ ካራ ኣንብር። 3ነቲ ናይኡ ጥዑም ምግቢ ኣይትመነ፥ መታለሊ ምግቢ እዩ እሞ።
4ክትህብትም ኢልካ ኣይትድከም፤ ርእስኻ ኽትገትእ ጥበብ ይሃሉኻ። 5ዓይንኻ ናብ ሃብቲ ምስ ኣቕናዕካ ይጠፍእ፤ ከም ንስሪ ሃንደበት ኣኽናፍ ኣውፂኡ ናብ ሰማያት ይበርር እዩ እሞ።
6እንጀራ ቀናእ ሰብ ኣይትብላዕ፥ ነቲ ናይኡ ጥዑም ምግቢ ኸዓ ኣይትመነ፤ 7ነቲ ዋጋ ኵሉ ግዜ ዝፅብፅብ ዓይነት ሰብ እዩ እሞ። “ብላዕ ስተ!” ኢሉ ይብለካ፥ ልቡ ግና ምሳኻ ኣይኮነን። 8ነቲ ዝበላዕካዮ ቕሩብ ክትተፍኦ ኢኻ፤ ጥዑም ዘረባኻ ድማ ንኸንቱ ከተጥፍኦ ኢኻ።
9ኣብ እዝኒ ዓሻ ኣይትዛረብ፤ ጥበብ ቃላትካ ኽንዕቕ እዩ እሞ።
10ናይ ጥንቲ ናይ ወሰን እምኒ ኣይትድፋእ፥ ናብ ግራት ደኽታማት ከዓ ኣይትእቶ፤ 11ተበዃዪኦም ብርቱዕ እዩ እሞ፤ ኣቦና ፍርዶም ኣንፃርካ ክገብር እዩ። a a v11 ሓደ ሰብ ነቲ ዝከላኸለሉ ዘይብሉ ዘኽታም እንተ በዲሉ፥ ኣቦና ባዕሉ ተኸላኻሊኡ ይኸውን፥ ጉዳዩ ኸዓ ከም ናቱ ጌሩ ይወስዶ።
12ልብኻ ናብ ተግሳፅ፥ እዝንኻ ድማ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕንዕ።
13ንቘልዓ ተግሳፅ ኣይትኽልኣዮ፤ ብበትሪ እንተ ወቓዕካዮ ኣይመውትን እዩ። 14ብበትሪ ውቕዓዮ፥ ነፍሱ ኸዓ ካብ መቓብር ከተናግፋ ኢኻ።
15ኦ ወደይ፥ ልብኻ ጥበበኛ እንተ ኾይኑ፥ ልበይ ድማ ክሕጐስ እዩ። 16ከናፍርካ ቅኑዕ ነገር እንተ ተዛረባ፥ ውሽጠይ ክሕጐስ እዩ።
17ልብኻ ንሓጥኣን ኣይቅናእ፤ ኵሉ መዓልቲ ደኣ ብፍርሓት ኣቦና ፅናዕ እምበር። 18ብርግፅ ዝመፅእ ጊዜ ኣሎ፤ ተስፋኻ ድማ ኣይክቍረፅን እዩ።
19ኦ ወደይ፥ ስማዕ እሞ ጥበበኛ ኹን፤ ልብኻ ኸዓ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ምራሕ። 20ወይኒ ምስ ዝሰኽሩ ኣይትኹን፤ ስጋ ኣብዚሆም ምስ ዝበልዑ ከዓ ኣይትኹን፥ 21ሰካርን ስሱዕን ክደኽዩ እዮም እሞ፤ ድቃስ ከዓ ኣንገርጓር ከኽድኖም እዩ።
22ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስማዕ፤ ኣዴኻ ምስ ኣረገት ከዓ ኣይትንዓቓ። 23ሓቂ ዓድግ፥ ኣይትሽጦ ኸዓ፤ ጥበብን ተግሳፅን ከምኡውን ኣእምሮ ዓድግ። 24ኣቦ ፃድቕ ውሉድ የመና ክሕጐስ እዩ፤ ጥበበኛ ወዲ ዝወለደ ኸዓ ብእኡ ክሕጐስ እዩ። 25ኣቦኻን ኣዴኻን ይተሓጐሱ፤ እታ ዝወለደትካ ድማ ትተሓጐስ።
26ኦ ወደይ፥ ልብኻ ሃበኒ፤ ኣዒንትኻ ኸዓ ብመንገደይ ይተሓጐሳ። 27ኣመንዝራ ዓሚቝ ጕድጓድ እያ እሞ፤ ዘማዊት ሰበይቲ ኸዓ ፀባብ ዔላ እያ። 28ንሳ ትፀናተ፥ ከም ጕሒላ ኸዓ ንብዙሓት ሰባት ናብ ጥልመት ተእትዎም።
29መከራ ዘለዎ መን እዩ? ሓዘን ዘለዎ መን እዩ? ባእሲ ዘለዎ መን እዩ? መረረ ዘለዎ መን እዩ? ብዘይ ምኽንያት ቍስሊ ዘለዎ መን እዩ? ዝቐላ ዓይኒ ዘለዎ መን እዩ? 30እቶም ኣብ ወይኒ ነዊሕ ዝፀንሑ፥ እቶም ጭሐሎታት ዝተሓወሶ ወይኒ ክጥዕሙ ዝኸዱ። 31ወይኒ ቀይሕ ከሎ፥ ኣብ ፅዋዕ እናበረቐ፥ ለማሚፁ ኸዓ እንተ ወረደ፥ ኣይትጠምቶ። 32ኣብ መወዳእታ ኸም ተመን ይነኽስ፥ ከም መንደላይ ተመን ድማ ይውግእ። 33ኣዒንትኻ ፍሉይ ነገር ክርእያ እየን፥ ልብኻ ኸዓ ጥውይዋይ ነገር ክዛረብ እዩ። 34ከም ኣብ ልቢ ባሕሪ ዝደቀሰ ሰብ፥ ከም ኣብ ርእሲ ዓንዲ መርከብ ዝደቀሰ ሰብ ክትከውን ኢኻ። 35“ወቐዑኒ፥ ኣነ ግና ኣይሓመንን፤ ዘበጡኒ፥ ኣነ ግና ኣይፈለጥኩን። መኣዝ ክበራበር እየ? ካልእ መስተ ክደሊ እየ።”