ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ጥበብ ቤት ትሃንፅ

ህንፀትን ምድሓንን። ቤት ብጥበብ ይህነፅ፥ ፃድቕ ከዓ ሸውዓተ ሳዕ እንተ ወደቐ እኳ ዳግም ይትስእ። ኣብ ውድቀት ፀላኢ ምሕጓስ ይኣቢ፥ ሰባት ናብ ሞት ክውሰዱ እንተለዉ ኸዓ "ኣይፈለጥናን" ዝብል ምኽንያት ይኣቢ። ብእሾዅ ዝተመልአ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ይምህሮ።

ምዕራፍ 24።

ብእኩያት ሰባት ኣይትቕናእ፤ ምሳታቶም ክትከውንውን ኣይትመነ፥ ልቦም ዓመፅ ይሓስብ እዩ እሞ፥ ከናፍሮም ከዓ ፀገም ይዛረባ።

ቤት ብጥበብ ይህነፅ፤ ብምስትውዓል ከዓ ይፀንዕ፤ ብፍልጠት ከዓ ኽፍልታት ብዅሉ ኽቡርን ባህ ዘብልን ሃብቲ ይመልኣ።

ጠቢብ ሰብ ሓይሊ ምሉእ እዩ፤ ፈላጥ ሰብ ከዓ ሓይሉ ይውስኽ፥ ብጥበባዊ ምኽሪ ውግእ ክትገብር ትኽእል ኢኻ እሞ፥ ዓወት ከዓ ብብዙሓት መኻርቲ ይመፅእ።

ጥበብ ንዓሻ ኣዝያ ልዕልቲ እያ፤ ኣብ ደገ ዝዛረቦ የብሉን። እቲ ኽፉእ ክገብር ዝሓስብ፥ መሃዚ እከይ ተብሂሉ ክፅዋዕ እዩ። ሕሊና ዓሻ ሓጢኣት እዩ፤ መላገፂ ኸዓ ንሰብ ፅዩፍ እዩ።

ብጊዜ መከራ እንተ ደኸምካ፥ ሓይልኻ ውሑድ እዩ። ነቶም ናብ ሞት ዝውሰዱ ዘለዉ ኣናግፎም፤ ነቶም ናብ ማሕረዲ ዝሰናኸሉ ዘለዉ ኸዓ ዓግቶም። “እንሆ፥ እዙይ ኣይፈለጥናን” እንተ በልካ፥ እቲ ንልቢ ዝመዝን ኣየስተውዕሎንዶ? እቲ ንነፍስኻ ዝሕልዋ ኣይፈልጦንዶ? ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከዓ ከም ግብሩ ኣይፈድዮንዶ?

ወደይ፥ መዓር ፅቡቕ እዩ እሞ ብላዕ፤ ዝንጠብጠበ ወለላ ኸዓ ንጐረሮኻ ጥዑም እዩ። ጥበብ ንነፍስኻ ኸምኡ ምዃና ፍለጥ፤ እንተ ረኺብካያ፥ መፃኢ ኣሎ፥ ተስፋኻውን ኣይክቍረፅን እዩ።

ኣታ ሓጢኣተኛ፥ ነቲ ቤት ፃድቕ ኣይትድበሉ፤ ነቲ ዘዕርፈሉ ቦታ ኣይተጥፍኣሉ፥ ፃድቕ ሸውዓተ ሳዕ እንተ ወደቐ እኳ፥ ዳግም ይትስእ እዩ እሞ፤ ሓጥኣን ግና ብመዓት ይዕንቀፉ።

ፀላኢኻ ኣብ ዝወድቐሉ ኣይትተሓጎስ፤ ኣብ ዝዕንቀፈሉ ኸዓ ልብኻ ባህ ኣይበሎ፥ ኣቦና ርእዩ ከይጕሂ፥ ኵራኡውን ካብኡ ከይመልስ።

ብገበርቲ እከይ ኣይትሸገር፤ ብሓጥኣን ከዓ ኣይትቕናእ፥ እኩይ ሰብ መፃኢ የብሉን እሞ፤ መብራህቲ ሓጥኣን ክጠፍእ እዩ።

ወደይ፥ ንኣቦናን ንንጉስን ፍራሕ፤ ምስቶም ዝዓምፁ ኸዓ ኣይትሕወስ፥ መዓቶም ብድንገት ክትስእ እዩ እሞ፤ እቲ ክልቲኣቶም ዘምፅእዎ ጥፍኣት መን ይፈልጦ?

ፍርዲ ብዘይ ኣድልዎ

እዚኣተን ከዓ ናይ ጠቢባን ቃላት እየን፦ ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ፅቡቕ ኣይኮነን። ነቲ በደለኛ “ንስኻ ንፁህ ኢኻ” ዝብሎ፥ ህዝብታት ክረግምዎ፥ ኣህዛብ ከዓ ክፃልእዎ እዮም፥ ነቶም ንበደለኛ ዝገንሑ ግና ሰናይ ክኾኖም እዩ፤ ዓብዪ በረኸትውን ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ እዩ። ቅኑዕ መልሲ፥ ከም ምስዓም ከናፍር እዩ። ስራሕኻ ኣብ ደገ ኣዳሉ፤ ግራትካ ኣዳሉ፤ ድሕሪኡ ኸዓ ቤትካ ህነፅ። ኣብ ብፃይካ ብዘይ ምኽንያት ምስክር ኣይትኹን፤ ብኸናፍርካዶ ከተታልል? “ከምቲ ንሱ ዝገበረኒ ክገብሮ እየ፤ ነቲ ሰብ ከም ግብሩ ክፈድዮ እየ” ኣይትበል። ኣብ ጥቓ ግራት ሃካይ ሰብን ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ወይኒ ልቢ ዘይብሉ ሰብን ሓለፍኩ፥ እንሆ ኸዓ ብምሉኡ ብእሾዅ መሊኡ ነበረ፤ ምድሩ ብኣሜከላ ተኸዲኑ፥ መንደቕ እምኒ ኸዓ ፈሪሱ ነበረ። ሽዑ ጠሚተ ኣብ ልበይ ኣንበርክዎ፤ ረአኹ ተግሳፅውን ተቐበልኩ። ቍሩብ ድቃስ፥ ቍሩብ ህልኸት፥ ኢድካ ኣጣሚርካ ቍሩብ ምዕራፍ፥ ድኽነት ከዓ ከም ከታሪ ክመፅኣካ እዩ፥ ስእነትውን ከም ብኣፅዋር ዝተዓጠቐ ሰብ።