ነህምያ ንግፉዓት ኣሕዋቱ ተኸላኸለሎም
እዝ ግዜ እዙይ እቲ ስግኣት ኣብ ውሽጢ እዩ፦ ጥሜትን ቐረፅን ንስድራ ቤታት ገራሁኦም ከትሕዙን ደቆም ክሸጡን ደፊእዎም፥ ክቡራት ኣይሁድ ድማ ካብ ኣሕዋቶም ሃረፃ ይእክቡ። ቍጥዓ ነህምያን ፍርሓት ኣቦናን ድማ ምምላስ ኣገደዶም፥ ንሱ ኸዓ ነቲ ንሹም ዝግባእ ምግቢ ንዓሰርተ ኽልተ ዓመት ኣበዮ።
5 1ካብ እቶም ህዝብን ኣንስቶምን ድማ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ኣይሁድ ዓብዪ ኣውያት ተልዓለ። 2ገሊኣቶም ከዓ “ንሕናን ኣወዳትናን ኣጓላትናን ብዙሓት ኢና፤ እንበልዖ እኽሊ ኣምፂእና ንንበር” በሉ። 3ካልኦት ድማ “ኣብዝ ጥሜት እዙይ እኽሊ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣባይትናን ኣትሒዝና ኣለና” በሉ። 4ካልኦት ከዓ “ንቐረፅ ንጉስ ኣብ ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ገንዘብ ተለቂሕና ኣለና። 5ሕዚ ስጋና ኸም ስጋ ኣሕዋትና እዩ፥ ደቅናውን ከም ደቆም እዮም፤ ኮይኑ ግና ንኣወዳትናን ኣጓላትናን ናብ ባርነት ነገድዶም ኣለና። ገሊኣተን ኣጓላትና ድሮ ባሮት ኮይነን ኣለዋ፤ ኣብ ኢድናውን ሓይሊ የለን፤ ገራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ናይ ካልኦት ኮይኑ ኣሎ።”
6ኣነ ኸዓ ኣውያቶምን እዝ ቃላት እዙይን ምስ ሰማዕኹ፥ የመና ተቘጣዕኹ። 7ኣብ ልበይ ድማ ሓሰብኩ፥ ነቶም ክቡራትን ሹመኛታትን ከዓ “ነፍሲ ወከፍኩም ነሕዋትኩም ሃረፃ ትፅዕኑ ኣለኹም!” ኢለ ገጠምክዎም። ኣብ ልዕሊኦም ድማ ዓብዪ ጉባኤ ፀዋዕኹ። 8ኣነ ድማ “ንሕና ነቶም ናብ ካልኦት ኣህዛብ ተሸይጦም ዝነበሩ ኣሕዋትና ኣይሁድ፥ ዝከኣለና ገይርና ተመሊስና ዓዲግናዮም፤ ሕዚ ከዓ ንስኻትኩም ነሕዋትኩም ትሸጥዎም ኣለኹም፤ ንሳቶም ድማ ናባና ተመሊሶም ክሽየጡ እዮም!” በልክዎም። ንሳቶም ከዓ ዝብልዎ ስኢኖም ስቕ በሉ። 9ኣነ ድማ “እዝ ትገብርዎ ዘለኹም ነገር ፅቡቕ ኣይኮነን። ካብ ፀርፊ እቶም ፀላእትና ኣህዛብ ንምህዳም፥ ብፍርሓት ኣቦና ክትመላለሱ ኣይግብኣኩምንዶ? 10ኣነን ኣሕዋተይን ኣገልገልተይን ድማ ገንዘብን እኽልን ነለቅሖም ኣለና። እዝ ሃረፃ እዙይ ንሕደጎ። 11ገራሁኦምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣዋልዖምን ኣባይቶምን፥ ከምኡውን እቲ ኣብ ገንዘብን እኽልን ሓድሽ ወይንን ዘይትን ዝፀዓንኩምሎም ሃረፃ፥ ሎሚ መልሱሎም።”
12ንሳቶም ከዓ “ክንመልሰሎም ኢና፤ ገለ እኳ ኻብኣቶም ኣይክንደልን ኢና፤ ከምቲ ዝበልካዮ ኽንገብር ኢና” ኢሎም መለሱ። ኣነ ድማ ንኻህናት ፀዊዐ፥ ነቶም ክቡራት ከምዝ ቃል እዙይ ክፍፅሙ ኣምሓልክዎም።
13ኣነ ኸዓ ሕፅኒ ክዳነይ ነገፍኩ እሞ “ነዝ ቃል እዙይ ዘይፍፅም ዅሉ ሰብ፥ ኣቦና ኸምዙይ ካብ ቤቱን ጥሪቱን ይንገፎ፤ ከምዙይ ተነጊፉ ኸዓ ጥራሑ ይተረፍ” በልኩ። ኵሉ እቲ ጉባኤ ድማ “ኣሜን” በለ፤ ንኣቦናውን ኣመስገነ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ኸምቲ ዝተመባፅዕዎ ገበረ።
14ካብታ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ሹም ኮይነ ዝተሸየምኩላ መዓልቲ ጀሚረ፥ ካብ መበል ዕስራ ዓመቱ ንንጉስ ኣርጤክስስ ክሳዕ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ፥ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት፥ ኣነ ኾነ ኣሕዋተይ ምግቢ እቲ ሹም ኣይበላዕናን። 15እቶም ቕድመይ ዝነበሩ ናይ ቀደም ሹማምቲ ግና ንህዝቢ ኸበድዎም፤ ብዘይ ኣስታት ፍርቂ ኪሎ ብሩር፥ ምግብን ወይንን ካብኣቶም ይወስዱ ነበሩ። ኣገልገልቶም እኳ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ይገዝኡ ነበሩ። ኣነ ግና ንኣቦና ስለ ዝፈራህኹ፥ ከምኡ ኣይገበርኩን። 16ኣነ ኸዓ ኣብ ስራሕ እዝ መንደቕ እዙይ ፀናዕኹ፤ ምድሪ ኣይገዛእናን። ኵሎም ኣገልገልተይ ድማ ነቲ ስራሕ ኣብኡ ተኣከቡ። 17ብዘይ እቶም ካብቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኣህዛብ ዝመፁ፥ ሚእትን ሓምሳን ኣይሁድን ሹመኛታትን ድማ ኣብ መኣደይ ይበልዑ ነበሩ። 18ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝዳሎ ድማ፥ ሓደ ብዕራይ፥ ሽዱሽተ ሕሩያት ኣባጊዕን ኣዕዋፍን ነበረ፤ ኵሉ ድማ ብወፃኢየይ ይዳሎ ነበረ፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓሰርተ መዓልቲ ኸዓ፥ ብዙሕ በብዓይነቱ ወይኒ ይዳሎ ነበረ። ከምኡ እኳ እንተኾነ፥ እቲ ዕዮ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ ስለ ዝኸበደ፥ ምግቢ እቲ ሹም ኣይሓተትኩን። 19ኦ ኣቦይ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዝገበርክዎ ዅሉ ምእንቲ፥ ንፅቡቕ ዘክረኒ።