ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣብ ልዕሊ ስራሕ ኣቦ ዝተኣልመ ተንኰላት

ኣርባዕተ ዕድመ ኣብ ጐልጐል ኦኖ ንምርኻብ፥ ብዛዕባ ዓመፅ ዝሓዘ ሓሰተኛ ደብዳቤ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ክሕባእ ዝደፋፍኦ ዝተዓስበ ነብዪ — ነህምያ ንዅሉ ኣበዮ፥ ምህናፅ ድማ ቐፀለ። እቲ ቅፅሪ ብሓምሳን ክልተን መዓልቲ ተወድአ፥ ኣህዛብ ድማ ኢድ ኣቦና ኣብኡ ርእዮም ተሰምበዱ።

ምዕራፍ 6።

ሰኖባላጥን ጦብያን ጌሸም እቲ ዓረባውን ካልኦት ፀላእትናን፥ ነቲ ቅፅሪ ዝኾነ ክፍተት ከይተረፎ መሊሰ ከም ዝሰራሕክዎ ሰምዑ፤ ኣብተን ደጌታት ግና ክሳዕ ሽዑ መዓፁ ኣይተኸልኩን ነይረ። ሰኖባላጥን ጌሸምን ከምዙይ ኢሎም ለኣኹ፦ “ንዑ፥ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ጐልጐል ኦኖ ዘለዋ ዓድታት ንራኸብ” — ንሳቶም ግና ንኣይ ክፉእ ክገብሩ ሓሲቦም ነበሩ።

ኣነ ድማ ልኡኻት ናብኣቶም መሊሰ ሰደድኩ፦ “ኣነ ዓብዪ ስራሕ እሰርሕ ኣለኹ እሞ፥ ክወርድ ኣይኽእልን እየ። ነዝ ስራሕ ሓዲገ ናባኻትኩም ክወርድ፥ እቲ ስራሕ ስለምንታይ ደው ይበል?”

ኣርባዕተ ጊዜ ድማ ከምኡ ዝበለ መልእኽቲ ለኣኹለይ፤ ኣነ ኸዓ ኵሉ ጊዜ ከምኡ ዝበለ መልስኩሎም። ሰኖባላጥ ድማ ንሓምሻይ ጊዜ ብኸምኡ ንጊልያኡ ናባይ ለኣኾ፤ ኣብ ኢዱ ኸዓ ክፉት ደብዳቤ ነበሮ። ኣብኣ ኸዓ ከምዙይ ተፅሒፉ ነበረ፦ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ወረ ተሰሚዑ ኣሎ፥ ጌሸምውን ይብሎ፥ ንስኻን ኣይሁድን ክትዓምፁ ትሓስቡ ኣለኹም፤ ስለዙይ ኢኻ ነቲ ቅፅሪ እትሰርሕ ዘለኻ፤ ከምቲ ወረ ድማ ንጉሶም ክትከውን ኢኻ።

ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ብዛዕባኻ ‘ኣብ ይሁዳ ንጉስ ኣሎ!’ ኢሎም ክእውጁ ነቢያት ሸሚምካ ኢኻ። ሕዚ ኸዓ እዝ ነገር እዙይ ናብ ንጉስ ክበፅሕ እዩ። ስለዙይ ንዓ፥ ብሓባር ንዘራረበሉ።

ኣነ ድማ ከምዙይ ኢለ መለስኩ፦ ካብቲ እትብሎ ዘለኻ ዝኾነ ኣይተፈፀመን፤ ካብ ልብኻ ባዕልኻ እትፍጥሮ ዘለኻ ደኣ እምበር። ኵላቶም ድማ “ኣእዳዎም ካብቲ ስራሕ ክደኽማ እየን፥ ኣይክውዳእን ድማ እዩ” ኢሎም ከፍርሁና ፈተኑ። ሕዚ ግና፥ ኦ ኣቦይ! ኣእዳወይ ኣፅንዓለይ።

ኣነ ድማ ናብ ቤት ሳማያ ወዲ ደላያ ወዲ ሜሄጣብኤል፥ እቲ ተዓፅዩ ዝነበረ ኸድኩ። ንሱ ኸዓ “ናብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ናብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ንራኸብ፤ መዓፁ ቤተ መቕደስ ድማ ንዕፀዎ፤ ክቐትሉኻ ይመፁ ኣለዉ፥ ብለይቲ ኽቐትሉኻ ይመፁ ኣለዉ” በለ።

ኣነ ግና “ከማይ ዝበለ ሰብዶ ይሃድም? ከማይ ዝበለ ሰብከ ምእንቲ ኽድሕን ናብ ቤተ መቕደስ ይኣቱዶ? ኣይኣቱን እየ” በልኩ። ኣነ ድማ ኣቦና ኸም ዘይለኣኾ ኣስተውዓልኩ፤ ጦብያን ሰኖባላጥን ስለ ዝቘፀርዎ ደኣ ነዝ ትንቢት እዙይ ኣብ ልዕለይ ተዛረበ እምበር። ከፍርሀኒ፥ ሓጢኣት ምእንቲ ኽገብርን ክፉእ ስም ክህቡንን ከዋርዱንን ምእንቲ ድማ ተቘፂሩ ነበረ። ኦ ኣቦይ! ንጦብያን ንሰኖባላጥን ከም እዞም ግብርታት እዚኣቶም፥ ንኖዓድያ እታ ነቢይትን ነቶም ዝተረፉ ከፍርሁኒ ዝፈተኑ ነቢያትን ዘክሮም።

ኣቦ ነቲ ቅፅሪ ፈፀሞ

እቲ ቅፅሪ ድማ፥ ብዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ ወርሒ ኤሉል፥ ብሓምሳን ክልተን መዓልቲ ተወድአ። a a v15 ኤሉል ሳድሳይ ወርሒ ናይ ዓውደ ኣዋርሕ እብራውያን እዩ፤ ኣብ ዳሕረዋይ ክፍሊ ሃጋይ (ኣስታት ነሓሰ–መስከረም) ዝኣቱ። ኵሎም ፀላእትና ምስ ሰምዑ፥ ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኣህዛብውን ምስ ረአዩ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም የመና ደንገፁ፤ ነዝ ስራሕ እዙይ ኣቦና ኸም ዝገበሮ ፈሊጦም ነበሩ እሞ። ኣብተን መዓልቲታት እቲኣተን ድማ፥ ክቡራት ይሁዳ ብዙሕ ደብዳቤታት ናብ ጦብያ ለኣኹ፤ ደብዳቤታት ጦብያ ድማ ናባቶም ይምለስ ነበረ። ኣብ ይሁዳ ብዙሓት ብማሕላ ምስኡ ተኣሲሮም ነበሩ፤ ንሱ ወድ ሓሙ ሰኬንያ ወዲ ኣራ እዩ ነይሩ እሞ፤ ወዱ ዮሃናን ድማ ንጓል መሱላም ወዲ በረክያ ኣእተወ። ፅቡቕ ግብርታቱ ድማ ይነግሩኒ ነበሩ፤ ዘረባይ ከዓ ናብኡ የመሓላልፉ ነበሩ። ጦብያ ድማ ከፍርሀኒ ደብዳቤታት ይሰድድ ነበረ።