እቶም ፀላእቲ ነቲ ስራሕ የላግፁሉ
ሰኔባላጥ ወኻርያ እኳ ነቲ ቅፅሪ ኸፍርሶ እዩ ኢሉ ላገፀ፥ እቲ ፀርፊ ድማ ናብ ውዲት ውግእ ተለወጠ። ንሳቶም ናብ ኣቦና ፀሊዮም ሓለዋ ኣቘሙ፦ ፍርቂ እቶም ሰባት ይሃንፁ፥ ፍርቂ ኸዓ ተዓጢቖም ደው ይብሉ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰይፊ ተሰኪሙ፥ ካብ ወጋሕታ ኽሳዕ ከዋኽብቲ ዝወፁ ይሰርሑ።
4 1ሰኔባላጥ ነቲ ቅፅሪ ከም እንሃንፆ ምስ ሰምዐ፥ የመና ተቘጢዑ ብቝጥዓ ነደደ፥ ነይሁድ ከዓ ላገፀ። 2ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱን ሰራዊት ሰማርያን ከምዙይ በለ፦ “እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ? ንርእሶም ነቲ ቅፅሪ ኽመልስዎዶ እዮም? መስዋእቲ ኽስውኡዶ እዮም? ብሓንቲ መዓልቲ ኽውድኡዶ እዮም? ነዞም ዝተቓፀለ ኣእማን ካብ ኩምራ ዑናታት ህያዋን ገይሮም ከተንስእዎምዶ እዮም?”
3ጦብያ እቲ ኣሞናዊ ድማ ኣብ ጥቓኡ ነበረ፤ ከምዙይ ከዓ በለ፦ “እቲ ዝሃንፅዎ ዘለዉ ቅፅሪ እምኒ፥ ወኻርያ እኳ ናብ ልዕሊኡ እንተ ደየበ፥ ከፍርሶ እዩ!”
4ኦ ኣቦና፥ ንዑቓት ኢና እሞ ስምዓና። ነቲ ፀርፎም ናብ ርእሶም መልሶ፤ ኣብ ምድሪ ምርኮ ኸዓ ንዝበዛ ኣሕሊፍካ ሃቦም። 5ንበደሎም ኣይትሸፍኖ፥ ሓጢኣቶም ከዓ ካብ ቅድሚ ገፅካ ኣይደምሰስ፤ ኣብ ቅድሚ እቶም ነደቕቲ ፀርፊ ወርዊሮም እዮም እሞ።
6ነቲ ቅፅሪ ድማ ሃነፅናዮ፤ ኵሉ ቅፅሪ ኸዓ ክሳዕ ፈረቓ ቁመቱ ተጋጠመ፤ እቲ ህዝቢ ብምሉእ ልቡ ይሰርሕ ነበረ እሞ።
7ሰኔባላጥን ጦብያን ዓረብን ደቂ ኣሞንን ሰብ ኣሽዶድን ግና፥ ዕደሳ ቅፅሪ ኢየሩሳሌም እናሰለጠ ከም ዝኸደን እቲ ፍሩስ ቦታታት ክዕፀው ከም ዝጀመረን ምስ ሰምዑ፥ የመና ተቘጥዑ። 8ኵላቶም ድማ መፂኦም ንኢየሩሳሌም ክዋግኡ፥ ክድንግፅዋ ድማ ተማኸሩ።
9ንሕና ግና ናብ ኣቦና ፀሊና፥ ኣንፃሮም ድማ ለይትን መዓልትን ሓለዋ ኣቘምና።
10ሰብ ይሁዳ ድማ “ሓይሊ እቶም ፀዓርቲ ይደክም ኣሎ፤ ዑናታት ከዓ የመና ብዙሕ እዩ እሞ፥ ነቲ ቅፅሪ ክንሃንፆ ኣይንኽእልን ኢና” በሉ። 11ፀላእትና ኸዓ “ከይፈለጡን ከይረኣዩናን እንተለዉ፥ ኣብ ማእኸሎም ክንኣቱ ኢና፤ ክንቐትሎምን ነቲ ስራሕ ከነቋርፆን ኢና” በሉ።
12እቶም ኣብ ጥቓኦም ዝነብሩ ኣይሁድ ድማ መፂኦም ዓሰርተ ሻዕ “ናበይ ገፅኩም እንተ ተመለስኩም፥ ናባና ክመፅኡ እዮም” ኢሎም ነገሩና።
13ስለዙይ ኣብ ድሕሪ እቲ ታሕተዋይ ክፍሊ ቅፅሪ፥ ኣብቲ ግሁድ ቦታታት ህዝቢ ኣሰለፍኩ፤ ምስ ኣስይፍቶምን ኵናቶምን ቀስቶምን ከዓ ከም ስድራ ቤቶም ኣቘምክዎም። 14ነገር ምስ ርኤኹ ድማ፥ ተሲአ ንዓበይትን ንሹመኛታትን ንዝተረፈ ህዝብን ከምዙይ በልኩ፦ “ኣይትፍርሕዎም። ነቲ ዓብዪን ዝፍራሕን ጐይታ ኣቦ ዘክሩ፤ ምእንቲ ኣሕዋትኩምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ከዓ ተዋግኡ።”
15ፀላእትና ነቲ ምኽሮም ከም እንፈልጦን ኣቦና ኸም ዘፍሸሎን ምስ ሰምዑ፥ ኵላትና ነፍሲ ወከፍና ናብ ስራሑ፥ ናብቲ ቅፅሪ ተመለስና። 16ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ፥ ፈረቓ ገላውየይ ስራሕ ይሰርሑ፥ እቲ ፈረቓ ኸዓ ብኵናትን ዋልታን ቀስትን ድርዕን ዕጡቓት ነበሩ። እቶም ኣሕሉቕ ድማ ኣብ ድሕሪ ኵሉ ቤት ይሁዳ ደው ኢሎም ነበሩ፥ 17እቶም ነቲ ቅፅሪ ዝሃንፁ ዝነበሩ። እቶም ፃዕነት ዝፅዕኑ ኸዓ፥ በሓደ ኢዶም ስራሕ ይሰርሑ፥ በቲ ኻልእ ኢዶም ድማ ኣፅዋር ሒዞም ነበሩ፥ 18ነፍሲ ወከፍ ካብቶም ነደቕቲ ኸዓ፥ እናሰርሐ ሰይፉ ኣብ ሕቘኡ ተዓጢቑ ነበረ። እቲ መለኸት ዝነፍሕ ሰብኣይ ግና ኣብ ጥቓይ ነበረ። 19ሽዑ ንዓበይትን ንሹመኛታትን ንዝተረፈ ህዝብን ከምዙይ በልኩ፦ “እዝ ስራሕ ገፊሕን ዝርጉሕን እዩ፤ ንሕና ኸዓ ኣብቲ ቅፅሪ ኻብ ሕድሕድና ተፈላሊና ኢና። 20ናበይ ድምፂ መለኸት ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣብኡ ናባና ተኣከቡ። ኣቦና ምእንታና ክዋጋእ እዩ!”
21ከምዙይ ኢልና ድማ ንሰርሕ ነበርና፤ ፈረቓ ኻብቶም ሰባት ካብ ምቕዳድ ጎሕ ክሳዕ ከዋኽብቲ ዝወፁ ኵናት ሒዞም ነበሩ። 22በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ነቲ ህዝቢ “ነፍሲ ወከፍ ሰብን ሓጋዚኡን፥ ለይቲ ሓለውቲ፥ መዓልቲ ኸዓ ፀዓርቲ ምእንቲ ኽኾኑ፥ ኣብ ውሽጢ ኢየሩሳሌም ይሕደሩ” በልክዎም። 23ኣነ ኾነ ኣሕዋተይ፥ ገላውየይ ኾነ እቶም ዝስዕቡኒ ሓለውቲ፥ ክዳውንትና ኣየውፃእናን፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ፥ ማይ ክቐድሕ እንተ ኸደ እኳ፥ ኣፅዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ ነበረ።