ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እታ ስድራ ነቲ መንደቕ ብሓባር ከም ብሓድሽ ትሰርሖ

ኣፍ ደገ ብኣፍ ደገ፥ ክፋል ብክፋል፥ ብዘላ እታ ኸተማ ኣቑሑ ሓዘት፦ ካህናት፥ ሰራሕቲ ወርቂ፥ ሓደ ቐማማይ፥ ሹማምቲ ወረዳታት፥ ሰብ ኢያሪኮን ተቆዓን፥ ሻሉም ምስ ኣዋልዱ ዝሰርሕ። እቶም ክቡራት ተቆዓ ጥራሕ ግና ክሳዶም ናብቲ ስራሕ ከድንኑ ኣበዩ።

ምዕራፍ 3።

ኤልያሺብ እቲ ሊቀ ካህናትን ኣሕዋቱ ካህናትን ተሲኦም ነቲ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ሰርሕዎ። ቀዲሶም ድማ መዓፅኡ ገበሩ፤ ክሳዕ ግንቢ እቲ ሚእትን ክሳዕ ግንቢ ሃናንኤልን ቀደስዎ። ኣብ ጐድኖም ድማ ሰብ ኢያሪኮ ሰርሑ፤ ኣብ ጐድኖም ከዓ ዛኩር ወዲ ኢምሪ ሰርሐ።

ደቂ ሃሰናኣ ነቲ ኣፍ ደገ ዓሳ ከም ብሓድሽ ሰርሕዎ፤ ገመላቱ ኣንበሩ፤ መዓፅኡን መናውላቱን መሸጐሪኡን ከዓ ገበሩ። ኣብ ጐድኖም ድማ መሪሞት ወዲ ኦርዮ ወዲ ሃቆፅ ሓደሰ። ኣብ ጐድኖም ከዓ መሱላም ወዲ በረክያ ወዲ መሸዛብኤል ሓደሰ። ኣብ ጐድኖም ድማ ሳዶቅ ወዲ በዓና ሓደሰ። ኣብ ጐድኖም ድማ ሰብ ተቆዓ ሓደሱ፤ እቶም ክቡራቶም ግና ክሳዶም ናብ ስራሕ ጐይተቶም ኣየድነኑን።

ኢዮዳዕ ወዲ ጳሴሃን መሱላም ወዲ በሶድያን ነቲ ኣረጊት ኣፍ ደገ ሓደስዎ፤ ገመላቱ ኣንበሩ፤ መዓፅኡን መናውላቱን መሸጐሪኡን ከዓ ገበሩ። ኣብ ጐድኖም ድማ መላጥያ ጊብዓዊን ያዶን ሜሮኖታዊን፥ ሰብ ጊብዓን ምፅጳን፥ ነቲ ናይ መንበር ሹም እታ ስግር ርባ ዘላ ሃገር ዝኾነ ክፋል ሓደስዎ። a a v7 እታ ስግር ርባ ዝበሃል ሃገር፥ ነቲ ብምዕራብ ርባ ኤፍራጥስ ዘሎ ኵሉ ምድሪ፥ ንይሁዳ ዝሓወሰ፥ ዝሽፍን ናይ ፋርስ ምምሕዳር ኸባቢ ነበረ። ኣብ ጐድኑ ድማ ዑዝኤል ወዲ ሃርሃያ፥ ካብቶም ሰራሕቲ ወርቂ ሓደ ዝኾነ፥ ሓደሰ። ኣብ ጐድኑ ኸዓ ሃናንያ፥ ሓደ ቐማማይ፥ ሓደሰ። ንኢየሩሳሌም ድማ ክሳዕ እቲ ገፊሕ መንደቕ ሓደስዎ። ኣብ ጐድኖም ድማ ረፍያ ወዲ ሑር፥ ሹም ፈረቓ ወረዳ ኢየሩሳሌም፥ ሓደሰ። ኣብ ጐድኖም ድማ የዳያ ወዲ ሃሩማፍ ኣብ መንፅር ገዛኡ ሓደሰ፤ ኣብ ጐድኑ ኸዓ ሃቱሽ ወዲ ሃሻብንያ ሓደሰ። ማልክያ ወዲ ሃሪምን ሃሹብ ወዲ ጳሃትሞኣብን ካልእ ክፋልን ግንቢ እተን እቶናትን ሓደሱ። ኣብ ጐድኑ ድማ ሻሉም ወዲ ሃሎሄሽ፥ ሹም ፈረቓ ወረዳ ኢየሩሳሌም፥ ንሱን ኣዋልዱን ሓደሱ።

ሓኖንን ሰብ ዛኖሃን ነቲ ኣፍ ደገ ለሰ ሓደስዎ፤ ከም ብሓድሽ ሰሪሖም መዓፅኡን መናውላቱን መሸጐሪኡን ገበሩ፤ ክሳዕ ኣፍ ደገ ድዅዒ ዘሎ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሜትር መንደቕ ድማ ሓደሱ።

ማልክያ ወዲ ሬካብ፥ ሹም ወረዳ ቤትሃኬሬም፥ ነቲ ኣፍ ደገ ድዅዒ ሓደሶ፤ ከም ብሓድሽ ሰሪሑ መዓፅኡን መናውላቱን መሸጐሪኡን ገበረ።

ሻሉን ወዲ ኮልሆዜ፥ ሹም ወረዳ ምፅጳ፥ ነቲ ኣፍ ደገ ዒላ ሓደሶ፤ ከም ብሓድሽ ሰሪሑ ኸዲኑ መዓፅኡን መናውላቱን መሸጐሪኡን ገበረ። ኣብ ጥቓ ገነት ንጉስ ዘሎ መንደቕ ቓላይ ሰሊሆም ድማ ክሳዕ እቲ ኻብ ከተማ ዳዊት ዝወርድ መዓርግ ሓደሶ። ድሕሪኡ ነህምያ ወዲ ዓዝቡቅ፥ ሹም ፈረቓ ወረዳ ቤትፁር፥ ክሳዕ እቲ ኣብ መንፅር መቓብር ዳዊትን እቲ ዝተሰርሐ ቓላይን ቤት እቶም ጀጋኑን ዘሎ ቦታ ሓደሰ። ድሕሪኡ እቶም ሌዋውያን ሓደሱ፦ ሬሑም ወዲ ባኒ። ኣብ ጐድኑ ድማ ሃሻብያ፥ ሹም ፈረቓ ወረዳ ቅዒላ፥ ምእንቲ ወረዳኡ ሓደሰ። ድሕሪኡ ኣሕዋቶም ሌዋውያን ሓደሱ፦ ቢኑ ወዲ ሄናዳድ፥ ሹም ፈረቓ ወረዳ ቅዒላ። ኣብ ጐድኑ ድማ ኤፅር ወዲ ኢያሱ፥ ሹም ምፅጳ፥ ኣብ መንፅር ዓቐበት ቤት ኣፅዋር ኣብቲ መኣዝን ካልኣይ ክፋል ሓደሰ። ድሕሪኡ ባሩክ ወዲ ዛባይ ካብቲ መኣዝን ክሳዕ ኣፍ ደገ ገዛ ኤልያሺብ እቲ ሊቀ ካህናት ካልእ ክፋል ኣበርቲዑ ሓደሰ። ድሕሪኡ መሪሞት ወዲ ኦርዮ ወዲ ሃቆፅ ካብ ኣፍ ደገ ኽሳዕ መወዳእታ ገዛ ኤልያሺብ ካልእ ክፋል ሓደሰ። ድሕሪኡ እቶም ካብቲ ኸባቢ ጐልጐል ዝመፁ ካህናት ሓደሱ። ቀፂሎም ብንያምን ሃሹብን ኣብ መንፅር ገዛኦም ሓደሱ። ቀፂሉ ኸዓ ኣዛርያስ ወዲ መዓሴያ ወዲ ዓናንያ ኣብ ጥቓ ገዛኡ ሓደሰ። ድሕሪኡ ቢኑ ወዲ ሄናዳድ ካብ ገዛ ኣዛርያስ ክሳዕ እቲ መኣዝንን ኵርናዕን ካልእ ክፋል ሓደሰ። ጳላል ወዲ ኡዛይ ኣብ መንፅር እቲ መኣዝንን እቲ ኻብ ላዕለዋይ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ዝወፀ ግንብን፥ ኣብ ጥቓ ኣፀድ ሓለውቲ፥ ሓደሰ። ድሕሪኡ ፈዳያ ወዲ ጳሮሽ። እቶም ኣብ ዖፌል ዝነብሩ ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ፥ ክሳዕ እቲ ኣብ መንፅር ኣፍ ደገ ማይ ብወገን ምብራቕ ዘሎን እቲ ዝወፀ ግንብን ሓደሱ። ድሕሪኦም እቶም ሰብ ተቆዓ ኻብ መንፅር እቲ ዓብዪ ዝወፀ ግንቢ ክሳዕ መንደቕ ዖፌል ካልኣይ ክፋል ሓደሱ።

ኣብ ላዕሊ ኣፍ ደገ ኣፍራስ እቶም ካህናት፥ ነፍሲ ወከፎም ኣብ መንፅር ገዛኡ፥ ሓደሱ። ድሕሪኡ ሳዶቅ ወዲ ኢሜር ኣብ መንፅር ገዛኡ ሓደሰ። ድሕሪኡ ሸማያ ወዲ ሸካንያ፥ ሓላዊ ኣፍ ደገ ምብራቕ፥ ሓደሰ። ድሕሪኡ ሃናንያ ወዲ ሸለምያን ሻድሻይ ወዲ ዛላፍ ዝኾነ ሓኖንን ካልእ ክፋል ሓደሱ። ድሕሪኦም መሱላም ወዲ በረክያ ኣብ መንፅር መንበሪኡ ሓደሰ። ድሕሪኡ ማልክያ፥ ካብቶም ሰራሕቲ ወርቂ ሓደ ዝኾነ፥ ክሳዕ ቤት ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስን ነጋዶን፥ ኣብ መንፅር ኣፍ ደገ ምፍታሽ፥ ክሳዕ እቲ ኣብ ኵርናዕ ዘሎ ደብሪ ሓደሰ። ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኵርናዕ ዘሎ ደብርን ኣፍ ደገ ኣባጊዕን እቶም ሰራሕቲ ወርቅን ነጋዶን ሓደሱ።