ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ፍርዲ ነነዌ

ነነዌ ብስራያ ንኣህዛብ ሸይጣ፥ ኣቦና ድማ ገፃ ቀሊዑ የሕፍራ፥ መፀናንዒ ኸዓ የብላን። ቴብስ እውን ከምኡ ወደቐት፥ ምስ ህፃናታ። ነጋዶኣ ነታ ምድሪ ገፊፎም ከም ኣንበጣ ይነፍሩ። እቲ ቍስሊ መዋቲ እዩ፥ ዝሰምዐ ዅሉ ድማ ኣእዳዉ የጣቕዕ።

ምዕራፍ 3።

ወይለኣ ነታ ከተማ ደም፥ ብዘላ ብሓሰትን ብዘመተን ዝመልአት፤ እቲ ግዳይ ከቶ ኣይተርፍን! ድምፂ መግረፊ፥ ደርጓዕጓዕ መንኰራዅር፥ ዝጋልቡ ኣፍራስ፥ ዝሰራሰሩ ሰረገላታት! ዝጓየዩ ፈረሰኛታት፥ ዘንበልብል ሰይፊ፥ ዘንፀባርቕ ኲናት፤ ብዙሓት ቅቱላት፥ ኽምር ሬሳታት፥ መወዳእታ ዘይብሉ ሬሳታት፤ ኣብ ልዕሊ ምዉታት ድማ ይዕንቀፉ። እዙይ ኵሉ ብምኽንያት ብዝሒ ምንዝርና እዛ መሳጢት ኣመንዝራ፥ እምበይተ ስራይ ዝኾነት እዩ፤ ንሳ ብምንዝርናኣ ንኣህዛብ፥ ብስራያ ድማ ንህዝብታት እትሸይጥ።

“እንሆ፥ ኣነ ኣንፃርኺ እየ፥’ ይብል ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ‘ጫፍ ክዳንኪ ናብ ልዕሊ ገፅኺ ኸልዕል እየ፤ ንኣህዛብ ሕፍረትኪ፥ ንመንግስታት ድማ ነውርኺ ከርኢ እየ። ብፅያፍ ክድርብየኪ፥ ክንዕቀኪ፥ ትርኢት ድማ ክገብረኪ እየ።’ ኵሎም ዝሪኡኺ ድማ ካባኺ ክሃድሙ እዮም እሞ ከምዙይ ይብሉ፥ ‘ነነዌ ባዲማ፤ ዝሓዝነላ መን እዩ?’ መፀናንዕቲ ካበይ ክረኽበልኪ?’”

ካብ ቴብስ፥ እታ ኣብ ጥቓ ኒል ዝተቐመጠት፥ ማይ ዝኸበባ፥ መካበብያኣ ባሕሪ፥ መንደቓ ድማ ማያት ዝነበረ፥ ትሕሸኺዶ? a a v8 ቴብስ — እታ ዓባይ ርእሰ ኸተማ ላዕለዋይ ግብፂ — ባዕላ ብኣሶር ዓንያ እያ፤ ናሆም ከዓ፥ ነነዌ ካብኣ ዝሐሸ ድሕንነት ከም ዘይብላ ንምጥንቃቕ፥ ነቲ ውድቀታ ኣብነት ገይሩ የልዕሎ። ኵሽ ሓይላ ነበረ፤ ግብፂ ድማ ልክዕ ዘይብላ ነበረት፤ ፉጥን ሉባውያንን ከዓ ካብ ሓገዝታ ነበሩ። ንሳ ግና ተሰደት፤ ናብ ምርኮ ኸደት። ህፃናታ ተዘቕዘቑ፤ ኣብ ኵሉ ቀራና መንገዲ ተፈናጥሑ፤ ንኽቡራታ ዕፃ ኣውደቑ፤ ዓበይታ ኵሎም ድማ ብሰንሰለት ተኣሰሩ። ንስኺ ኸዓ ክትሰኽሪ ኢኺ፤ ክትሕብኢ ኢኺ፤ ንስኺ ኸዓ ካብ ፀላኢ መዕቘቢ ክትደልዪ ኢኺ። ኵሎም ዕርድታትኪ ከም ኦም በለስ፥ ቀዳማይ ዝበሰለ ፍረ ዘለዎም እዮም፤ እንተ ተነቕኒቖም ናብ ኣፍ እቲ በላዒ ይወድቁ። እንሆ፥ ሰራዊትኪ ኣብ ማእኸልኪ ኣንስቲ እዮም። ደገታት ምድርኺ ንፀላእትኺ ርሕው ኢሎም ተኸፊቶም፤ ሓዊ ድማ መሸጐርኪ በሊዑ። b b v13 ንሰራዊት ኣንስቲ ኢልካ ምፅዋዕ፥ ኵሉ ናይ ውግእ ትብዓቶም ከም ዘጥፍኡ ዘመልክት ጥንታዊ መላገፂ ነበረ።

ንኸበባ ማይ ቕደሒ፤ ዕርድታትኪ ኣፅንዒ፤ ናብ ጭቃ እተዊ፥ ለቛ ረግፂ፤ መስርሒ ጡብ ሓዚ! ኣብኡ ሓዊ ክበልዓኪ እዩ፤ ሰይፊ ኽቘርፀኪ እዩ፤ ከም ንእሽተይ ኣንበጣ ኽበልዓኪ እዩ። ከም ንእሽተይ ኣንበጣ ተባዛሒ፤ ከም ዝዓስል ኣንበጣ ተባዛሒ! ነጋዶኺ ካብ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዚሕኪ። ንእሽተይ ኣንበጣ ንምድሪ ገፊፉ ይነፍር። ሓለውትኺ ከም ኣንበጣ፥ ሹማምትኺ ድማ ከም ዕስለ ኣንበጣ፥ ብዛሕሊ መዓልቲ ኣብ መናድቕ ዝዓርፉ እዮም፤ ፀሓይ ምስ በረቐት ይነፍሩ፥ ኣበይ ከም ዘለዉ ድማ ዝፈልጥ የለን።

ኦ ንጉስ ኣሶር፥ ጓሶትካ ደቂሶም ኣለዉ፤ ክቡራትካ ለጥ ኢሎም ኣለዉ፤ ህዝብኻ ኣብ ኣኽራን ተበቲኖም፥ ንቍስልኻ መሕወዪ የለን፤ ቍስልኻ ናይ ሞት እዩ። ኵሎም እቶም ወረኻ ዝሰምዑ፥ ብኣኻ ኣእዳዎም የጣቕዑ፤ ናይ ዘይውዳእ ጭካነኻ ደጋጊሙ ዘይሓለፎ መን ኣሎ?