ሰዓት ፍርዲ ነነዌ
እቲ ኸበባ መፀ፦ ቀይሕ ዋልታታት፥ ከም መብረቕ ዝውንጨፉ ሰረገላታት፥ ደጌታት እቲ ፈለግ ተኸፊቶም፥ እቲ ቤተ መንግስቲ ፈሪሱ፥ እታ ንግስቲ ተማሪኻ ተወሲዳ፥ ኣግራዳ ድማ ኣፍ ልበን እናወቕዓ። ኣሶር በዓትታታ ብዝተቐዳደደ ስጋ ዝመልአት ኣንበሳ ነበረት፤ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ድማ ኣንፃራ ምዃኑ ይብል።
2 1እቲ በታኒ ናባኺ ደየበ፥ ኦ ነነዌ። ነታ ዕርዲ ሓልዊ፤ ነቲ መንገዲ ተዓዘቢ፤ ሕቛኺ ኣትርሪ፤ ኵሉ ሓይልኺ ኣኻኺቢ!
2ዘመትቲ ገፊፎምዎም ጨናፍሮምውን ኣባዲሞም እኳ እንተነበሩ፥ ኣቦና ንግርማ ያእቆብ ከም ግርማ እስራኤል ይመልሶ ኣሎ እሞ። a a v2 ኣብ መፅሓፍ ፍርዲ ነነዌ እኳ፥ ፍረ ነገሩ ኣቦና ንኽብሪ እቶም ዝተሃሰዩ ውሉዱ ዝመልስ ምዃኑ እዩ።
3ዋልታታት ጀጋኑኡ ብቐይሕ ተለኽዮም ኣለዉ፥ እቶም ጀጋኑ ሰባት ቀይሕ ግምጃ ተኸዲኖም ኣለዉ፤ እቶም ሰረገላታት በታ ዝዳለዉላ መዓልቲ ኸም ሓዊ የንፀባርቑ፥ ኵናታት ፅሕዲ ኸዓ ተወዝወዙ ኣለዉ። 4እቶም ሰረገላታት ብመገድታት እናተፋጠኑ ይጐዩ፥ ኣብ ኣደባባያት ንየው ነጀው ይጐዩ፤ ከም ሽግ ይመስሉ፥ ከም መብረቕ ይውንጨፉ። 5ንሹመኛታቱ ይፅውዖም፤ ክግስግሱ እንተለዉ ይዕንቀፉ፤ ናብ መካበብያ ይቕልጥፉ፤ እቲ መከላኸሊ ዋልታ ኸዓ ተዳለወ። 6ደጌታት እቲ ፈለግ ተኸፍቱ፥ እቲ ቤተ መንግስቲ ኸዓ ፈረሰ። 7ተወሲኑ እዩ፦ ተገፊፋ ተወሰደት፥ ኣግራዳ ኸም ርግቢ እናበኸያ፥ ኣፍ ልበን እናወቕዓ። 8ነነዌ ማያ ዝነፅፍ ከም ዘለዎ ቓላይ እያ። “ደው በሉ! ደው በሉ!” ይብሉ፥ ዝምለስ ግና የለን። 9ነቲ ብሩር ዘምትዎ! ነቲ ወርቂ ዘምትዎ! ነቲ ሃብቲ መወዳእታ የብሉን፥ ናይ ኵሉ ክቡር ነገር ፅጋብ ኣሎ። 10ባዶነትን ባድማን ዕንወትን! ልቢ መኸኸ፥ ኣብራኽ ራዕራዕ በለ፥ ኣብ ኵሉ ሰብነት ቃንዛ ኣሎ፥ ገፅ ኵሉ ኸዓ ፃዕደወ።
11ሕዚ እቲ ጎዳጉዲ ኣናብስ፥ እቲ ሽደናት ኣንበሳ ዝምገቡሉ ቦታ፥ ኣንበሳን ዋዕሮን ዝዛወሩሉ፥ ዀራኹር ኣንበሳውን ዝዋስኡሉ፥ ዘፍርሆም ሓደ እኳ ዘይብሉ ኣበይ ኣሎ? 12እቲ ኣንበሳ ንዀራኹሩ ዝኣክል ቀዳደደ፥ ንዋዕሮታቱ ኸዓ ግዳይ ሓነቐ፤ መጓርታቱ ብግዳይ መልአ፥ በዓትታቱ ኸዓ ብዝተቐዳደደ ስጋ።
13“እንሆ፥ ኣነ ኣንፃርኪ እየ፥” ይብል ኣቦ ሰራዊት ሰማይ። “ንሰረገላታትኪ ብትኪ ኸቃፅሎ እየ፥ ሰይፊ ኸዓ ንሽደናት ኣንበሳኺ ኽበልዖም እዩ። ግዳይኪ ኻብ ምድሪ ኽቘርፆ እየ፥ ድምፂ ልኡኻትኪ ኸዓ ድሕሪ ደጊም ኣይክስማዕን እዩ።”