ነቲ ኣድጊ በረኻ ሓራ መን ኣውፀኦ?
እቲ ሕቶ ናብ ናይ ሰብ ምእላይ ዘየድልዮም ዱር እንስሳታት ይቕፅል፦ በይነን ዝወልዳ ኣጣል እምባ፥ ነታ ኸተማ ዝንዕቕ ኣድጊ፥ እንቍላሊሓ ዝርስዕ ሰገን፥ ንፍርሓት ዝስሕቖ ፈረስ፥ ኣብ ኰዅሒ ዝነብር ንስሪ። ካብዙይ ሓደ እኳ ንድልየት ኢዮብ ኣየገልግልን።
39 1“እተን ኣጣል እምባ መኣዝ ከም ዝወልዳ ትፈልጥዶ? ነተን ዋልያ ክወልዳ እንተለዋ ትሕልወንዶ? 2እቲ ዝፆራሉ ኣዋርሕ ክትቖፅሮዶ ትኽእል? እቲ ዝወልዳሉ ጊዜኸ ትፈልጦዶ? 3ተቐምጢጠን ይወልዳ፤ ፃዕረን ድማ ይውድእ። 4ውላደን ኣብ ሜዳ ይድልድላ፤ ይኸዳ፥ ኣይምለሳን ከዓ።
5“ነቲ ኣድጊ በረኻ ሓራ መን ኣውፅኦ? ገመድ እቲ ቀልጣፍ ኣድጊ መን ፈትሐ፥ 6ኣነ ምድረ በዳ ገዛኡ ክኸውን ዝሃብክዎ፥ እታ ጨዋም ምድሪ ድማ መንበሪኡ ኽትከውን? 7ንወኻዕታ እታ ኸተማ ይንዕቕ፥ ጫውጫውታ እቲ ኣባራሪ ኸዓ ኣይሰምዕን። 8ንመብልዒኡ ደልዩ ኣብ ኣኽራን ይዘውር፥ ኵሉ ልሙዕ ነገር እናደለየ።
9“እቲ ዱር ብዕራይ ከገልግለካ ይፈቱዶ? ኣብ ጥቓ ጋብላኻ ኸ ይሓድርዶ? 10ነቲ ዱር ብዕራይ ብገመድ ናብ ትልሚ ክትኣስሮዶ ትኽእል? ደድሕሬኻ ኾይኑ ነቲ ለሰ ይሓርስዶ? 11ሓይሉ ዓብዪ ስለ ዝኾነ ኣብኡ ትኣምንዶ? ጻዕርኻ ኸዓ ናብኡ ትሓድግዶ? 12ነቲ እኽልኻ ተማሊኡ ኸምፅኦ፥ ናብ ዓውድኻ ኸዓ ኸኣኽቦ ትኣምኖዶ?
13“ኣኽናፍ ሰገን ብሓጐስ ይወላወላ፥ ግና ክንቲን ፀጕርን ራዛዶ እዮም? 14እንቍላሊሓ ኣብ ምድሪ ትሓድግ፥ ኣብ ሓመድ ድማ ኽመውቕ ትገድፎ፥ 15እግሪ ኸም ዝረግፆ፥ ወይ ኣራዊት በረኻ ኸም ዝረግፆ ትርስዕ። 16ንጨቓዊታ ከም ዘይ ናታ ጌራ ተጨክነለን፥ ጻዕራ ንኸንቱ ከም ዝኸውን ኣይትሰከፍን፥ 17ኣነ ጥበብ ኣረሲዐያ፥ ኣብ ምስትውዓል ከዓ ግደ ኣይሃብክዋን እየ እሞ። 18ግናኸ ተንሲኣ ምስ ጐየየት፥ ንፈረስን ንፈረሰኛኡን ትስሕቕ።
19“ንፈረስ ሓይሉ ንስኻዶ ትህቦ? ክሳዱኸ ብዝዝንብል ጓህሪ ተኸድኖዶ? 20ከም ኣንበጣ ክዘል ትገብሮዶ? ግርማ ሕንፍሽኡ ፍርሓት የውርድ። 21ኣብ ለሰ ሓመድ እናዂዓተ ብሓይሉ ይሕጐስ፥ ናብ ውግእ ከዓ ይጐዪ። 22ንፍርሓት ይስሕቖ፥ ኣይድነግፅን ከዓ፤ ካብ ሰይፊ ንድሕሪት ኣይምለስን። 23ኣብ ልዕሊኡ ሃደን ይንቃነቕ፥ እቲ ዘንበልብል ኲናትን መዝረቕን። 24ብብርቱዕ ነድርን ህንጡይነትን ንምድሪ ይውሕጣ፥ መለኸት ምስ ተነፍሐ ደው ኢሉ ክቐውም ኣይኽእልን። 25መለኸት ብምንፋሑ ‘እሂ!’ ይብል፤ ካብ ርሑቕ ሽታ ውግእ የሽትት፥ ነጐድጓድ እቶም ኣሕሉቕን ዕልልታ ውግእን።
26“ተገዳር ሓረስታይ ዝነፍር፥ ኣኽናፉ ኸዓ ንወገን ደቡብ ዝዝርግሕ፥ ብጥበብካዶ እዩ? 27ንስሪ ብላዕሊ ዝዓርግ፥ ኣብ በሪኽ ከዓ ሰፈሩ ዝሰርሕ፥ ብትእዛዝካዶ እዩ? 28ኣብ ከውሒ ይነብር፥ ኣብኡ ኸዓ ይሓድር፥ ኣብ ጨላቝ ኰዅሒ፥ ዕርዱ። 29ካብኡ ኾይኑ ምግቡ ይደሊ፥ ኣዒንቱ ኸዓ ካብ ርሑቕ ይርእያኦ። 30ጨቓዊቱ ደም ይሰትያ፥ ቅቱላት ኣብ ዘለውዎ ድማ ንሱ ኣብኡ ኣሎ።”