ነጐድጓድ ድምፁ
ልቢ ኤሊሁ በቲ ነጐድጓድ ይርዕድ። በረድን ዛሕልን፥ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝዘዋወር ደመናን ይገልፅ፥ ንተግሳፅ ወይ ንምሕረት ዝተሰደደ፥ ኢዮብ ንሰማያት ክዝርግሕ ይኽእልዶ ኢሉ ይሓትት። ህቦብላ ኣብ ጫፍ ሰማይ እናተኣከበ እንተሎ፥ ‘ደው ኢልካ ኣስተውዕል’ ይብል።
37 1ብዝ ድማ ልበይ ይርዕድ፥ ካብ ቦታኡ ድማ ይዘልል። 2ነጐድጓድ ድምፁ ኣፀቢቕኩም ስምዑ፥ ነቲ ካብ ኣፉ ዝወፅእ ጓዕጓዕታ። 3ኣብ ትሕቲ ኵሉ ሰማይ የፍንዎ፥ መብረቑ ድማ ናብ ወሰናት ምድሪ። 4ድሕሪኡ ድማ ሓደ ድምፂ ይጓዝም፤ ብግሩም ድምፁ የንጐድጕድ፥ ድምፁ ምስ ተሰምዐ ከዓ ነቲ መብረቕ ኣይክልክሎን። 5እግዚኣብሄር ብድምፂ ብዘደንቕ የንጐድጕድ፤ ክንርድኦ ዘይንኽእል ዓበይቲ ነገራት ይገብር። 6ንበረድ ከዓ “ኣብ ምድሪ ውደቕ” ይብሎ እዩ እሞ፥ ንዝናም ድፍፍታ ድማ “ብርቱዕ ዝናም ኩን” ይብሎ። 7ነፍሲ ወከፍ ዝፈጠሮ ሰብ ግብሩ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ንኢድ ኵሉ ሰብ የሕትሞ። a a v7 “ንኢድ የሕትሞ” ዝብል ናይ እብራይስጢ ኣበሃህላ እዩ፦ ህቦብላ እግዚኣብሄር ንዅሉ ናይ ሰብ ስራሕ ደው የብሎ፥ ንሰባት ከዓ ደው ኢሎም እቲ ዝገብሮ ዘሎ ነገር ከስተውዕሉ ይገብሮም። 8ሽዑ እንስሳታት ናብ መሕብኦም ይኣትዉ፥ ኣብ ጐዳጕዶም ድማ ይቕመጡ። 9ካብ ክፍሉ ንፋስ ኣውሎ ይወፅእ፥ ካብ በታተንቲ ንፋሳት ድማ ዛሕሊ። 10ብእስትንፋስ እግዚኣብሄር በረድ ይኸውን፥ ገፊሕ ማያት ከዓ ረጊኡ ይፀንዕ። 11ነቲ ኸቢድ ደመና ብጠሊ ይፅዕኖ፤ ደመናት ከዓ መብረቑ ይዝርዉ። 12ብመሪሕነቱ ኸቢቦም ይዘውሩ፥ ኣብ ገፅ እታ ሰብ ዝነብረላ ዓለም ዝኣዘዞም ኵሉ ምእንቲ ኽገብሩ። 13ንተግሳፅ ኮነ፥ ንምድሩ ኮነ፥ ወይ ንምሕረት ኢሉ የምፅኦ።
14ኦ ኢዮብ፥ ነዙይ ስማዕ፤ ደው ኢልካ ተኣምራት እግዚኣብሄር ኣስተውዕል። 15እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ትእዛዙ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዘንብር፥ ንመብረቕ ደመናኡ ድማ ከም ዘንፀባርቕ ትፈልጥዶ? 16እቲ ደመና ሚዛኑ ሓልዩ ኸመይ ከም ዝንጠልጠል፥ ተኣምራት እቲ ብፍልጠት ፍፁም ዝኾነ ትፈልጥዶ? 17ንስኻ ኽዳውንትኻ ዝሞቐ፥ እታ ምድሪ ብንፋስ ደቡብ ፀጥ ምስ ትብል፥ 18ምስኡ ኾይንካ ንሰማያት ክትዝርግሖ ትኽእልዶ፥ ከም መስትያት ፍሲ ነሃስ ዝተረረ?
19እንታይ ክንብሎ ኸም ዘለና መሃረና፤ ብሰሪ እቲ ፀልማት ነገርና ከነቕርብ ኣይንኽእልን ኢና። 20ክዛረብ ከም ዝደሊ ኽንገሮዶ? ዝኾነ ሰብ ክውሓጥ ይልምንዶ? 21ሕዚ ድማ እቲ ብርሃን ኣብ ሰማያት ብሩህ ምስ ዝኸውን፥ ዝጥምቶ ሰብ የለን፥ ንፋስ ሓሊፉ ምስ ኣፅረዮ። 22ካብ ሰሜን ናይ ወርቂ ድምቀት ይወፅእ፤ ዘፍርሕ ግርማ ንእግዚኣብሄር ይኸብቦ። 23ነቲ ዅሉ ዝኽእል ክንበፅሖ ኣይንኽእልን ኢና፤ ብሓይሊ ዓብዪ እዩ፥ ብፍርድን ብብዙሕ ፅድቅን ግና ዓመፅ ኣይገብርን። 24ስለዙይ ሰባት ይፈርሕዎ፤ ነቶም ኣብ ዓይኖም ለባማት ዝመስሎም ኣይግደሰሎምን እዩ።