ብዛዕባ እግዚኣብሄር ዝንገሩ ቃላት
ኤሊሁ ንእግዚኣብሄር ወኪሉ ይዛረብ፦ መከራ ተግሳፅ እዩ፥ እዝኒ ዝኽፈተሉ፥ ኢዮብ ድማ ናብ ርሒብ ቦታ ክስሓብ ይኽእል ነይሩ። ሽዑ ቃላቱ ናብ ምግራም ይቕየር፥ ካብ ግመ ዝንጠብ ዝናም፥ ነጐድጓድ፥ ናብ ሸቶኡ ዝቐንዐ መብረቕ። እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፥ ንሕና ድማ ኣይንፈልጦን ኢና።
36 1ኤሊሁ ድማ ቀፂሉ ከምዙይ በለ፦ 2“ቅሩብ ተዓገሰኒ፥ ኣነ ድማ ከርእየካ እየ፤ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ዝንገር ገና ቃላት ኣሎ እዩ እሞ። 3ፍልጠተይ ካብ ርሑቕ ከምፅእ እየ፤ ንፈጣሪየይ ድማ ፅድቂ ክህቦ እየ። 4ቃላተይ ብሓቂ ሓሰት ኣይኮናን፤ ብፍልጠት ፍፁም ዝኾነ ምሳኻ ኣሎ። 5እንሆ፥ እግዚኣብሄር ሓያል እዩ፥ ግናኸ ኣይንዕቕን እዩ፤ ብሓይሊ ምስትውዓል ሓያል እዩ። 6ንረሲኣን ብህይወት ኣየንብሮምን፤ ንዝተጨነቑ ግና ፍርዲ ይህቦም። 7ዓይኑ ካብ ፃድቃን ኣየልዕልን፤ ምስ ነገስታት ኣብ ዙፋናቶም ንዘለኣለም የቐምጦም፥ ልዕል ድማ ይብሉ። 8ብሰንሰለት እንተ ተኣሰሩ ኸዓ፥ ብገመድ መከራ እንተ ተታሕዙ፥ 9ሽዑ ግብሮምን ምትሕልላፎምን፥ ከም ዝተዓበዩ ይነግሮም። 10እዝኖም ንተግሳፅ ይኸፍት፥ ካብ ሓጢኣትውን ክምለሱ ይእዝዞም። 11እንተ ሰሚዖም የገልገልዎ፥ መዓልቶም ብፅጋብ ይውድኡ፥ ዓመታቶምውን ብሓጐስ የሕልፉ። 12እንተ ዘይሰሚዖም ግና፥ ብሰይፊ ይጠፍኡ፥ ብዘይ ፍልጠት ድማ ይሞቱ። 13እቶም ብልቦም ረሲኣን ዝኾኑ ቁጥዓ ይኽዝኑ፤ ምስ ኣሰሮም ንረድኤት ኣይምህለሉን። 14ነፍሶም ብንእስነት ትመውት፥ ህይወቶምን ኣብ ማእኸል ሰዶማውያን ይውዳእ። 15ንዝተጨነቑ ብመከራኦም የናግፎም፥ ብፃዕሪ ድማ እዝኖም ይኸፍት። 16ካብ ኣፍ ጭንቂ ናብ ርሒብን ጠፊሕን ቦታ፥ ዝኾነ ፅበት ኣብ ዘይብሉ ምሰሓበካ ነይሩ፥ መኣድኻ ኸዓ ብስብሒ ምተመልአ። 17ንስኻ ግና በቲ ንረሲኣን ዝግባእ ፍርዲ ተዋሒጥካ ኣለኻ፤ ፍርድን ፍትሕን ድማ ንኣኻ ሒዞም ኣለዉ። 18ተጠንቀቕ፥ ቁጥዓ ናብ ላግፂ ኸየጋግየካ፥ ዓብዪ ቤዛ ኸዓ ኸየስሕተካ። 19ጥርዓንካ ካብ ጭንቂ ክከላኸለልካዶ ይኽእል? ወይ ኵሉ ሓይሊ ጉልበትካ? 20ነታ ህዝብታት ካብ ቦታኦም ዝእለዩላ ለይቲ ኣይትናፈቕ። 21ተጠንቀቕ፥ ናብ ሓጢኣት ኣይትምለስ፥ ካብ መከራ ነዙይ መሪፅካ ኢኻ እሞ። 22እንሆ፥ እግዚኣብሄር ብሓይሉ ልዕል ኢሉ ኣሎ፤ ከምኡ ዝበለ መምህር መን እዩ?
23“መንገዱ ዝኣዘዞ መን እዩ? ወይ ‘ዓመፅ ጌርካ ኢኻ’ ክብል ዝኽእል መን እዩ? 24ነቲ ሰባት ብመዝሙር ዘመስገንዎ ግብሩ፥ ከተዕዝዞ ዘክር። 25ኵሉ ሰብ ርእይዎ እዩ፤ ሰብ ካብ ርሑቕ ይርእዮ። 26እንሆ፥ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፥ ንሕናውን ንእኡ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ቁፅሪ ዓመታቱ ኻብ ምምርማር ንላዕሊ እዩ። 27ነጠብጣብ ማይ ይስሕብ እዩ እሞ፤ ካብ ግመኡ ኸም ዝናም የንጠብጥቡ። 28ነቲ ደመና ዘፍስስዎ፥ ኣብ ልዕሊ ሰብ ድማ ብብዝሒ የንጠብጥብ። 29ምዝርጋሕ ደመናን ነጐድጓድ ድንኳኑን ዘስተውዕል ሰብዶ ኣሎ? 30እንሆ፥ መብረቑ ኣብ ዙርያኡ ይብትን፥ ዓሚቝ ባሕሪ ድማ ይኸድን። 31ብእዚኣቶም ንህዝብታት የመሓድር እዩ እሞ፤ ብብዝሒ ድማ ምግቢ ይህብ። 32ኣእዳዉ ብመብረቕ ይመልእ፥ ናብቲ ሽቶ ኽወቅዕ ድማ ይእዝዞ። 33ነጐድጓድ ብዛዕባኡ ይነግር፤ ከፍቲ እኳ ማዕበል ክመፅእ ከም ዝኾነ የስተውዕላ።”